ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘዕቈቡሎም መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ [ሞንኪ ፖክስ] ከም ዝተረኽበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR]፡ ፈይዝ ካሲና፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤርትራውያንና ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዕቈብሎም መዓስክራት ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ።
ንሳ ሎሚ ዓርቢ ብኢመይል ኣብ ዝሃበትና ምላሽ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግዝኣት ከሰላ ኤርትራውያን ዝርከብዎ መዓስክር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎ ቱናይደባህ ዝተባህለ መዓስክር ስደተኛታት በቲ ሕማም ተለኺፎም ተረኺቦም።
ኣብ ግዝኣት ገዳርፍ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ቱናይድባህ ድማ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ካብ ምዕራብ ትግራይ ህይወቶም ንምድሓን ዝተሰደዱ ተጋሩ ካብ ጥሪ 2021 ጀሚሩ ኣዕቒቦም ዝርከብሉ እዩ።
ኣብቲ መዓስከር፡ ኣስታት 23 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቍቦም ከም ዝርከቡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።
“ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ ብምእታዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ይርከብ” ኢላ።
እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ግቡእ ሕክምናዊ ድጋፍን ናብዮት ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ናይ ምፍላይ ስጕምቲ ከም ዝተወስደን ወሲኻ ገለጻ።
ሚኒስትር ጥዕና ሱዳንን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ሰባት ከይላባዕ ንዘርአይዎ ተገዳስነት ድማ ኣመስጊነና።
ክልቲኦም ትካላት፡ እቲ ሕማም ንምቍጽጻርን ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይዛመት ንምዕጋትን ሓቢሮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ካልኦት ዝተለኽፉ ሰባት እንተለዉ ንምፍላጥ’ውን ቀጻሊ መርመራታት ይካየድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
"ገለ በቲ ለበዳ ዝተጠርጠሩ ንበይኖም ተወሺቦም ክጸንሑ ተገይሩ ኣሎ" ዝበለት ፈይዝ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኦም ተወሳኺ መርመራ ይግበር ከም ዘሎን'ውን ሓቢራ።
እቲ ኮሚሽን ብወገኑ፡ ውልቃዊ ጽሬትን ተዛመድቲ ጥንቃቐታትን ዝምልከት ስርሓት ምዕባይ ኣፍልጦን ግንዛበን የሳልጥ ኣሎ ኢላ።
ዝውሰዱ ስጕምቲታት፡ ንመምርሕታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተኸተሉን ክዀኑ እቲ ኮሚሽን ኣገንዚቡ።
እቲ ሕማም፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ገዳርፍ ብፍላይ ድማ ካብቲ መዓስከር ሓሙሽተ ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ቱናይድባህ ከይላባዕ ናብቲ መዓስክር ሓደሽቲ መጻእቲ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከለ፡ ንሰብ መዚ ግዝኣት ገዳርፍ ጠቒሱ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ገዳርፍ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከብ ሰብኣዊ ረድኤት ጕጅለ፡ 60 ብበዲዶ ህበይ ዝተጠርጠሩ ሰባት ምህላዎም ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ 21 ሽሕ ስደተኛታት ዘዕቈብሉ፡ መዓስከር ኡም ራኩባ፡ ክልተ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ 7 በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ምዝራቦም ጸብጻበት የመልክቱ።
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በዲዶ ህበይ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ብምጽግጋዕ፡ ካብ ቆርበት ናብ ቆርበት፡ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፡ ወይ ካብ ኣፍ ናብ ቆርበት ብምትንኻፍ እዩ ዝላባዕ።
መዓስከር ቱናይደባህ እንታይ ኣጋጢምዎ ነይሩ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ እቶም ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ብምኽንያት ሓያል ዝናብ ብውሑጅ ከም ዝተዋሕጠ ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብ መዓስከር ቱናይደባህ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ እቲ ዝተዓቘቡሉ ቴንዳ ከም ዝፈረሰን ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡን ተዛሪቦም።
ኣመሓዳሪ ስደተኛታት እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ኣብቲ 5494 ቴንዳ ዘለዎ መዓስከር ብ3 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ብዝነበረ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ብርክት ዝበለ መጽለሊ ከም ዝዓነወ ተዛሪቡ።
እቲ ሓደጋ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ከጋጥም ዝጸንሐ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ዓቕሚ ዝውሕዶም ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
