ኣብ ዱባይ ንስደተኛታት ኢፍጣር ከቕርብ ዝጸንሐ ሰሜን ኣየርላንዳዊ መምህር

ምጅማር ሮሞዳን ንምብዓል ኣብ ዱባይ ሰፊሕ ምርኢት ርችት ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ምጅማር ሮሞዳን ንምብዓል ኣብ ዱባይ ሰፊሕ ምርኢት ርችት ተኻይዱ
Published

ሓደ ሰሜን ኣየርላንዳዊ መምህር፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ፍልልይ ሃብቲ" ድሕሪ ምርኣዩ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ብወለንታ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣኦዳን ቤንሰን: ቅድሚ ክልተ ዓመት’ዩ ካብ ሰሜን ኣየርላንድ ናብ ዱባይ ተሰጋጊሩ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ኣብ መዓስከራት ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ብወለንታኡ ንኣስላም ሰራሕተኛታት መግቢ ኢፍጣር ክዕድል ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ኣስላም ቀትሪ ቀትሪ ይጾሙ’ዮም፤ ኣይበልዑን፤ ኣይሰትዩን።

ጸሓይ ምስ ዓረበት ድማ ብኢጣፍጣር ዝፍለጥ መግቢ ጾሞም ይፈትሑ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዓቢ ናይ ማሕበረሰብ ፍጻመ እዩ።

ኣኦዳን ቤንሰን፡ ኣብ ዱባይ ከም ወለንተኛ ዝረኸቦ ተመኩሮ ከም ዝቐየሮ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, AODHAN BENSON

መግለጺ ስእሊ, ኣኦዳን ቤንሰን፡ ኣብ ዱባይ ከም ወለንተኛ ዝረኸቦ ተመኩሮ ከም ዝቐየሮ ይዛረብ

ቤንሰን፡ "ስሕበትን ጽባቐን" ዱባይ ከም ዘሎ ዀይኑ፡ ኣብ ኢማራት ዓረብ ካልእ ዘገረሞ ሓቂ ከምዘሎ ይገልጽ።

"ኣብዚ ካብቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርአ ንላዕሊ ዝያዳ ፍልልይ ሃብትን ድኽነትን ትርእይ ኢኻ" ይብል።

"ነዞም ዋላ ሓንቲ ወይ ኣዝዩ ውሑድ ዘለዎም ሰባት ምርኣይ ጥራይ፡ ብሓቂ ምቹእነት ይኸልአካ።"

"ክንደይ ሰባት ኩሉ መዓልቲ፡ ኣብ ሓያሎ ዋዒ፡ ኩነታት ኣየር ብዘየገድስ፡ ስራሕ ህንጻ ክሰርሑ ምርኣየይ ብሓቂ ኣገሪሙኒ።"

ቤንሰን፡ ተመኩሮ ወለንታዊ ስራሕ መሰረት ከም ዝዀኖ ይገልጽ።

ማሕበረሰባት ኣስላም ኣብ ሮሞዳን ጸሓይ ምስ ዓረበት ብሓባር ክበልዑ ይእከቡ

ምንጪ ስእሊ, AODHAN BENSON

መግለጺ ስእሊ, ማሕበረሰባት ኣስላም ኣብ ሮሞዳን ጸሓይ ምስ ዓረበት ብሓባር ክበልዑ ይእከቡ

"ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ቅድሚ ናብ ጸሎት ምኻዱ፡ ጾሙ ዝፈትሓሉ መግቢ ብእዋኑ ከም ዝረኸበ ነረጋግጽ" ይብል።

"መግቢ፡ መስተታትን ፍረታትን ከምኡ'ውን ኣገደስቲ ተወሳኺ ወፈያታት ከም ዘይትን ሽኮርን ንዕድል።"

"ዝተጸገሙ ሰባት ከመይ ከም ዝነብሩ ብተመኩሮ ምፍላጥ ናይ ብሓቂ ደስ ዝብል እዩ ነይሩ።"

ኣብዚ እስላማዊ ቅዱስ ወርሒ ኣብ መዓስከራት ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ኢማራት ዓረብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር መግቢ ኢፍጣር ይዕደል።

እቲ ጠለብ ልዕሊ ዓቕሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ቤንሰን ይዛረብ።

"ምጭፍላቕ ክህሉ እዩ ዝብል ስክፍታ ስለዝነበረ፡ ሰባት ይደፍኡን ይድፍኡን ስለዝነበሩ ደው ክንብል ነይሩና" ይብል።

ንኣስላም፡ ሮሞዳን ንኻልኦት ንዝተጸገሙ ሰባት ዝሕግዙሉ እዋን ተገይሩ እዩ ዝረአ።

ቤንሰን፡ እቲ ዝረኣዮ ሰብኣውነት ከም ዝጸለዎ ይገልጽ።

ኣብቶም መዓስከራት ሓያሎ ጠለብ ኢፍጣር ኣሎ - ቤንሰን

ምንጪ ስእሊ, AODHAN BENSON

መግለጺ ስእሊ, ኣብቶም መዓስከራት ሓያሎ ጠለብ ኢፍጣር ኣሎ - ቤንሰን

"ብዙሕ ሰብ ወጺኡ ነቶም ሰራሕተኛታት ክሕግዝ ይደሊ፡ ደገፍ ክገብሩ’ውን ይደልዩ" ክብል ይውስኽ።

"ሰባት ጥርሙዝ ማይ ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም የቐምጡ፡ እዚ ድማ ነቶም ኩሉ ግዜ ንሰራሕተኛታት ህንጻ ጥራይ ዘይኰነስ ንተለኣኣኽቲ’ውን እዩ።"

ቤንሰን፡ ካብቲ ንሱ ከም መዘናግዒ ዕረፍቲ ዝገልጾ ውሽጣዊ ከተማ ዱባይ ወጻኢ ኣብ ገለ እዋናት ምስቲ 'ዓቃባዊ ሕብረተሰብ' ዝተቓለሰ’ኳ እንተዀነ፡ ብሓፈሻ ግን ኣወንታዊ ተመክሮ ከምዝዀነ ገሊጹ።

"ብዛዕባ ልምድታትን ባህልታትን ኢማራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሃይማኖት እስልምና ምፍላጠይ ብሓቂ ደስ ኢሉኒ" ኢሉ።

"ብዛዕባ እቲ ኩሉ ግዜ ብእወንታዊ መንገዲ ዘይግለጽ ሃይማኖት ዝያዳ እፈልጥ እየ።"