እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝተዓረቑሎም 10 ነጥብታት እንታይ እዮም?
ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምክፍፋል ትማሊ ረቡዕ ብዕርቂ ከም ዝተፈትሐ ብወግዒ ተገሊጹ እዩ።
ብሲኖዶስ ተወጊዞም ናይ ባዕሎም ሓድሽ "ሲኖዶስ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ዝነበሩ ሰለስተ ጳጳሳት፡ ብመንጎኝነት ኣተዓረቕትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ናብታ ቤተክረስትያን ተመሊሶም ኣለዉ።
ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስትያን ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ውሻጣዊ ጸገም ብመሰረት ስርዓትን ቆኖናን እታ ቤተክርስትያን ከም ዝተፈትሐ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።
መፍትሒ እቲ ሽግር ብዝምልከት መግለፂ ኣብ ዝተወሃበሉ እዋን ሓላፊ ቤተ ክህነት እታ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣብርሃም "ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝተመለሱ ሰለስቲኦም ኣቦታት ንእግዚኣብሔር ተመስግን" ብምባል ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ ኣቦታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዘጠናኽር፡ ምፍልላይ ዘጥፍእ፡ ኣገልግሎት ዘስፍሕ መንገዲ ክኽተሉ ከም ዝግባእ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታትን ምስ ቋንቋ ብዝተኣሳሰር ዝለዓል ሕቶ ብቤተክርስትያን ክምለስ ከም ዘለዎን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ክቕፅል ምዃኑን ተገሊፁ ኣሎ።
እቶም ዓሰርተ ነጥብታት እንታይ እዮም?
እቲ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ፀገም ንምፍታሕ ኣቦታት ብዕለት 8 ለካቲት 2015 (ግእዝ) ዝገበርዎ ስምምዕነት ነዞም ስዒቦም ዝቐረቡ ዓሰርተ ነጥብታት የጠቓልል።
- እታ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነነቶምን ዝወገዘቶምን ሰለስተ ሊቀ ጳጳሳት - ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን - ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ሃገረ ስብከትን መዓርግን ክምለሱ፡
- እቶም በቶም ሰለስተ ኣቦታት ሽመተ ጵጵስና ዝተቐበሉ ኣቦታት ናብ ክህነቶም ክምለሱ ተወሲኑ። ካብቶም ዝተመዘዙ ድማ ብመሰረት ስርዓት ቤተ ክርስቲያን እቶም መዐቀኒ ዘማልኡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ክሽየሙ፡
- ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብቋንቋ ኦሮሚያ ትምህርቲ፡ ቅዳሰን ካልኦት ኣገልግሎት ንክወሃብ ዝተጀመረ ስራሕ ንጠለባት ህዝቢ ብዘዕግብ መንገዲ ክጠናኸር፡
- ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከባ ዝተዳኸማ ኣብያተ ክርስቲያናት ቋንቋ እቲ ከባቢ ብዝዛረቡ ኣገልገልቲን ኣገልግሎትን ክጠናኸራ፡
- ኣብዞም ከባቢታት እቲ ቋንቋ ንኽፈልጡ ዘሰልጥኑ ዝያዳ ኮሌጃትን ማእከላት ስልጠናን ክኽፈት፡
- ንሃገረ ስብከት ኦሮምያ፡ እቲ ቋንቋ ዝፈልጡን በቲ ቋንቋ ዘገልግሉን ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ኣኼባ ካህናት ክሽየሙ፡
- ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት፡ ፋይናንስ፡ ምምዳብን ምቑጻርን ዝረኣዩ ክፍተታት ብመጽናዕቲ ክመሓየሹን ክጠናኸሩን ምግባር፡
- ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ንምጥንኻርን ንመጻኢ ወለዶታት ኣርኣያ ንምግባርን፡ ኣሰራርሓኣ ብመጽናዕቲ ብምምሕያሽ ንቀጻሊ ወለዶ ምርካብ፡
- ሚድያታት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ መማህራን ኣቦታትን ጽልኢ ካብ ዝለዓዓሉ ነገራት ክቑጠቡ ይምሕጸን፤ ነቶም ነዚ ኮነ ኢሎም ዝገብሩ ድማ ይኹንን፡ ከምኡ’ውን፡
- ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት ንውሽጣዊ መንነታ ንምፍታሽ፡ ሓድነታ ንምድልዳልን ኣገልግሎታ ንምስፋሕን ክውዕል ከም ዝግባእ ይጠቅስ።
እቲ ምስሕሓብ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሰለሰተ ጳጳሳት ካብ ሶኖዶስ ወጻኢ ብኢደወነኖም ልዕሊ 20 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም'ዩ ጀሚሩ።
ነቶም ጳጳሳትን ዝሸምዎም ኤጲስ ቆጶሳትን ዝተቓወመ እቲ ሲኖዶስ ኣብቲ ምምቕቓል ኢድ መንግስቲ ኣለዎ ክብል ኣሚቱ ነይሩ።
ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ ኩነታት ኣብታ ሃገር ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት ኣሕዲሩ ጸኒሑ'ዩ።