ፕረዚደንት ትራምፕ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ሰጕጉ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓለቓ ስታፍ ኣሜመሪካ ሲ.ኪዩ ብራውን ካብ ስራሑ ኣባሪርዎ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ወተሃደራዊ ስልጣን ዝነበሮ መኮነን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያራት'ዩ ተሰጕጉ።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ጀነራል ቻርለስ 'ሲኪዩ' ብራውን ንልዕሊ 40 ዓመታት ንሃገርና ንዝገበሮ ኣገልግሎት ከመስግኖ እደሊ፡" ክብል ጽሒፉ። እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ ካልኦት ሓሙሽተ ላዕለዎት መኮንናት'ውን ብተመሳሳሊ ይትክኡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ጀነራል ብራውን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንፕረዚደንትን ጸሓፊ ምክልኻል ሰራዊት ኣመሪካን ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት ዘማኸረ ካልኣይ ጸሊም መኮነን እዩ።

ጸሓፊ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ፒት ሄግሰት ቅድሚ ሕጂ ጀነራል ብራውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ምትእትታውን መደባት ፍሉይ ቈላሕታ ብምግባሩ ካብ ስርሑ ክባረር ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ድሒሩ ብዓርቢ፡ ሄግሰት ክልተ ተወሳኺ ላዕለዎት መኮንናት ካብ ስራሕ ከም ዝተባረሩ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ንሳቶም ድማ ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ኣድም ሊዛ ፍራንቸቲን ምክትል ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ጂም ስላይፍን እዮም።

ኣድም ፍራንቸቲ ንመጀመርታ ግዜ ንሓይሊ ባሕሪ ዝመርሐት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ብዓርቢ ዝተኣልዩ ሰለስቲኦም ላዕለዎት መኮንናት ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ዝተመዘዙ እዮም።

ሄግሰት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሰራዊትና ኣብቲ ቀንዲ ተልእኾኡ ማለት ምግታእ ኲናት፡ ምቅላስን ምዕዋትን ዘተኰረ ሓድሽ መሪሕነት ነቐምጥ ኣለና፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ነቲ ከም ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ወተሃደራዊ ጉዳያት ሲኣይኤ ኰይኑ ዘገልገለ ሞያዊ ፓይለት ኤፍ-16 ሌተናል ጀነራል ሓይሊ ኣየር ዳን ኬይን፡ ኣብ ቦታ ናይቲ ዝተባረረ ክትክኦ ምዃኑ ገሊጹ።

ጀነራል ብራውን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ናብ ወተሃደራት ይበጽሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ'ዩ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተላዕለ ሰሚዑ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ 2027 ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ተሓሲቡ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ እዩ ዝብል ሓበሬታ ክውረ ቀንዩ'ዩ።

ጀነራል ብራውን ኣብ 2020 ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ብዛዕባ ዓሌት ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ መዘራረቢ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኣሃድኡ ካብቶም ውሑዳት ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃኑ ዝተሰምዖ ጸቕጢ ዝገልጽን ብዛዕባ መረጋገጺ መንነቱ ሕቶታት ከም ዝቐርበሉን ዝገልጽ ሓጺር ቪድዮ ጠቂዑ ነይሩ።

ኣብ 2022፡ ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጀነራል ብራውን፡ ብዝሒ ኣመልከትቲ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንምዕባይ ዘኽእል ሓደሽቲ ረቛሕታት ዘተኣታተወ ክታም ኣምቢሩ ከም ዝነበረ ሓይሊ ኣየር ታይምስ ሓቢሩ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ብዙሕነት "ካብ መጠን ንላዕሊ ትዅረት ምግባር" ዝብል ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ነታ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣዛዚት ሓይሊ ባሕሪ ዝዀነት ኣድም ፍራንቸቲ ካብ መዝነታ ሰጕጉዋ።