ኲናት ዳርፉር ሱዳን፡ 'ነዛ ንኽንሸይን ኢና ንሽቝረር'

Published

ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዳርፉር፡ ዋላ’ኳ ተዅሲ ደው እንተበለ፡ ምሊሻታት ዓረብ ንመኽዘናት፡ ዕዳጋታትን ኣባይትን ዒላማ ይገብሩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ክቕተል እንከሎ፡ ሓደ ሱዳናዊ ሰራሕተኛ ረድኤት ከኣ ኣብ ትሕቲ ዓራቱ ይሕባእ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብ ከተማ ኤል ጀነይና ብተሌፎን ንቢቢሲ ዝተዛረበ ዓብደለጢፍ ኣ'ጠይብ "ናብ ሽንቲ ቤት እውን ክኸይድ ኣይክእልን እየ" ኢሉ።

እቲ ግጭት ነቲ ተደጒሉ ዝነበረ ዓሌታዊ ወጥሪ ከም ዘጓሃሃሮ ከኣ ገሊጹ።

ዳርፉር ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃን ዓረብን ብዝተላዕለ ጐንጺ ንዓመታት ኣብ ከቢድ ህውከት እያ ነይራ።

ኣብ 2003 እቶም ኣዕራብ ዘይኰኑ ብኣድልዎ ኣማሪሮም ኣንጻር መንግስቲ ብረት ምስ ኣልዓሉ፡ እቲ መንግስቲ ኣዕራብ ሚሊሻ ናይቲ ከባቢ ብምልዕዓል ኣንጻር እቲ ተቓውሞ ከቢድ ሕነ ፈድዩ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን - ዳርፉራውያን ጕጅለታት ንድሕነቶም ክብሉ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ይነብሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ምስቶም ምስ ሰራዊት ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ምትእስሳር ዘለዎም ሚሊሻታት ዓረብ፡ ነቲ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ይጥቀምሉ ኣለው።

ተወላዲ ካርቱም ሱዳን ወዲ 26 ዓመት ኣማኻሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሚስተር ኣ'ጠይብ "እቲ ግጭት ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ’ዩ ጀሚሩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ዕጡቓት ምሊሻታት፡ ንዕዳጋታት፡ መኽዘናት፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ሆስፒታላትን፡ ሕጂ ከኣ ንኣባይቲ የጥቅዑ ኣለዉ። ኣነ ኸኣ ተራይ ይጽበ ኣለኹ።

"ሕጂ እኳ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዘሎ ካንሸሎ ኣብ ጥቓ መሕጸቢ ነብሲ ገና ተዅሲ ኣሎ። ነዛ ንኽሸይን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ደቓይቕ ተጸብየ፡ ኣረጋጊጸ እየ ዝኸይድ” ኢሉ።

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ምሉእ ሰሙን ከቢድ ኲናት ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ ኣሎ። ብረቡዕ፡ ምክትል ፖሊስ ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር፡ ብሪጋደር ጀነራል ዓብደልባቒ ኣልሓሰን መሓመድ፡ ብጥይት ከም እተቐትለ ተሓቢሩ።

እቲ ተዅሲ እቶም ሰላማውያን ሰባት ነቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝርከብ መደበር ፖሊስ እታ ሃገር ወሪሮም ኣጽዋር ድሕሪ ምምንዝዖም ንጽባሒቱ’ዩ ተፈጺሙ።

ሚስተር ኣ'ጠይብ፡ "ምሊሻታት ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ንዅሉ መዓስከራት ናይቶም ተመዛበልቲ ከኣ ኣቃጺሎሞ ኣለው" ክብል ሓቢሩ።

"ሕጂ እቶም ተመዛበልቲ ንቤት ጽሕፈት ፖሊስ ብምጥቃዕ ዓጢቘም ኣለው። ብሰሉስ ንነብሶም ክከላኸሉ'ኳ እንተፈተኑ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ሞይቶም ኣለው” ኢሉ።

ሚስተር ኣ'ጠይብ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኤሌክትሪክ ስለ ዘይነበሮ ባተሪ ተሌፎኑ ክመልእ (ቻርጅ ክገብር) ካብ ገዛኡ ክወጽእ ምስ ፈተነ እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣጋጢምዎ።

"ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝጸዓና ፒክ ኣፕ መካይን ዝነበሩ ዕጡቓት ሚሊሻታት ዓረብ ብሕርቃን ክዕዘቡና ርእየ።

"ድሕሪኡ፡ ናብ ቤተይ ተመሊሰ፡ ንተሌፎነይ ካብቲ ናይ ጸዓት መኽዘነይ፡ (ፓወር ባንክ)፡ መሊአያ። ሕጂ ግን እቲ ባትሪ ክትውድእ ተቓሪባ ኣላ። ምሸት ክትጽንቅቕ ትኽእል እያ" ዝብል ኣ'ጠይብ ክወጽእ ከምዝደሊ ግን ተስፋ ዘቝርጽ ምዃኑ ይገልጽ።

"ኣነን መሳርሕተይን ክንሃድም ተዘራሪብና ኣለና፤ እንተዀነ ዕድል ዝበሃል ኣይረኸብናን።"

እቲ ንሱ ዝሰርሓሉ፡ 'ዎር ቻይልድ' ዝተባህለ ግብረሰናይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ነቶም ካብ ካልእ ከባቢታት ሱዳን መጺኦም ኣብኡ ዝሰርሑ ኣባላቱ ከውጽኦም ይፍትን እኳ እንተሎ ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎ ከምዘሎ ይገልጽ።

ካናዳዊ ኣካያዲ ስራሕ 'ዎር ቻይልድ' ዳራ ማክሌድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ንሰራሕተኛታትና ንምድጋፍ ኵሉ ዝከኣለና ንገብር ኣለና፣ እንተዀነ ሕጂ ኣብ ኤል ጀነይና እውን እቲ ግጭት እናሓየለ ስለዝኸደ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ይዅን ፈተነ ንኽገብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፔርቴስ፡ ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ጕጅለታት፡ "ነቲ ኵነታት ብምምዝማዝ ነቲ ግጭታት የጓሃህሩዎ ኣለዉ" ኢሉ።

"እቶም ኣብ ዳርፉርን ካልኦት ዞባታትን ንዝርከቡ ኣህዛብ ውሕስነት ጸጥታ ክህቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተዋሳእቲ፡ ንባዕላቶም ኣብቲ ውግእ ብንጥፈት ይዋስኡ ብምህላዎም፡ እቲ ኵነታት እናገደደ ይኸይድ" ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ዳርፉር ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: እቶም ብስርዓት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ዝተመልመሉ ሚሊሻታት ዓረብ፡ ጃንጃዊድ ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ ነይሮም።

እቲ ኵናት ምስተባርዐ ብዙሓት ዓድታት ነዲደን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ተቐቲሎም። በዚ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ቀዳማይ ጃምላዊ ቅትለት እተፈጸመሉ ፍጻመ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እቲ ብናይ ቀደም ኣባላት ምሊሻታት ጃንጃዊድ ዝቘመ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (RSF)፡ ንጥቕሞም ክብሉ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ወጥሪ የጓሃህርዎ ከይህልው ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ እዋን ኣልበሽር ብጃንጃዊድ ኣብ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኢድ ከምዝነበሮም ዝኽሰሱ ሓለፍቲ ካብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምምላጦም ዝገልጽ ዜና'ውን ነቲ ተኣፋፊ ኵነታት ከጋድዶ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ካብኣቶም ሓደ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ኣሕመድ ሃሩን ኰይኑ፡ በቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገባናት ኲናት ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ይድለ።

በቲ ግጭት ዝተሃሰየ ከባቢታት ምዕራብ ዳርፉር ጥራሕ ኣይኮነን። ጋዜጠኛን ተጣባቕን ሰብኣዊ መሰላትን ኣሕመድ ጉጃ፡ ምሊሻታት ኣብ ደቡብ ዳርፉር ከተማ ኒያላ ንሰላማዊያን ሰባት የሸብሩ፡ ይዘምቱን ይሰርቁን ንብረት የዕንዉን ከምዘለው ንቢቢሲ ኒውስደይ ሓቢሩ።

ሚስተር ኣ'ጠይብ እቲ ኲናት ከብቅዕን ንሱ ካብቲ ከባቢ ክወጽእን ይደሊ።

"ኣብ ካርቱም ዘለው ስድራቤተይ ክርኢ እደሊ እየ። ዕድል እንተዘይረኺበ ንፖርት ሱዳን ክኸይድ እየ። ኣብኡ ኣዝማድ ኣለዉኒ። ወይ እውን ዶብ ጫድ ናባና ኣዝዩ ቀረባ ስለዝዀነ እቲ ኵነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ኣብ ጫድ ክጸንሕ’የ።"

ይዅን እምበር ኣብ ዳርፉር ተዂሲ ደው ክሳብ ዘይበለ ነቶም ዘፍቅሮም ሰባት መዓስ ክርእዮም ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን እየ።