እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እናተባህለ ሓሓሊፉ ኲናት ይቕጽል
ኣብ ሱዳን ን72 ሰዓታት ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ዝተበጽሐ ስምምዕ ይሕሎ'ኳ እንተሎ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ኲናት ይቕጽል ኣሎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን፡ ኣብ ጥቓ ህንጻታት ቲቪን ራድዮን ካርቱም ኲናት ከም ዘሎ፡ ካብ ከተማ ኦምዱርማን ብተሌፎን ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ "ነዳዲ ዝበሃል የለን" ሕጽረት ሓካይም ኣሎ፡ ሰባት መግብን ገንዘብን ንኽረኽቡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው፡ ኢሉ።
እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ ምቍራጽ ተዅሲ ዓርቢ ከብቅዕ'ኳ እንተነበሮ፡ ሰራዊት ሱዳን ከናውሖ ወሲኑ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ግጭት ኣብ መንጐ መራሕቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ተቐናቓኒ ጕጅለ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ብዝተኻየደ ናይ ስልጣን ቅልስ ብ15 ሚያዝያ ጀሚሩ።
ዑስማን ካብ ኡምዱርማን ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብታ ኣነ ዝነብረላ ኡምዱርማን ዘለው፡ ጽሩይ ማይን መግብን ንምርካብ ኮነ መዐደጊ ሃለኽቲ ነገራት ዝኸውን ጥረ ገንዘብ የብሎምን። ባንክታት ኰነ ካልእ ናይ ገንዘብ ትካላት ተዓጽዩ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ዋላ እውን ከምቲ ቅድሚ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዝነበረ እንተዘይኰነ፡ ድምጺ ጠያይትን ቦምባታትን ሕጪጭታ ነፈርቲ ውግእን ይሰምዕ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
"ፍርሒ ስለዘለና ክንድቅስ ኣይከኣልናን። ኣብ ከባቢና ጠያይትን ቦምባታትን ስለዝዘንብ ደቅና ብፍርሒ ተዋሒጦም ኣብ ምድሪ ኢና በጥ ንብል። ሓቂ ይሓይሽ ግን ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት እቲ ኵነታት ቅሩብ ተመሓይሹ እዩ።
"ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይከኣልናን። ብሰንኪ ቀጻሊ ነትጕ ቦምባታትን ዝናብ ጠያይትን ኣብ ምድሪ በጥ ኢልና ኢና አሕሊፍናዮ።"
ኣብቲ ግጭት፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ሓያሎ ነቝጣታት መፈተሺ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ገለ ሰራዊት ካብቲ ከባቢ ብምንስሓቦም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ፍዅስ ኢሉ’ሎ።
ብምቕጻል፡ "[እቶም ሰራዊት] ኣብ ኡምዱርማን ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዝገዓዙ ካብ ካልእ ምንጭታት ሓበሬታ ረኺበ እየ" ኢሉ።
ዑስማን፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት፡ ከም መዕርፎ ነፈርትን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሰራዊትን ንዝኣመሰለ ኣገዳሲ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩ ይዛረቡ ኣለው። እንተዀነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይዅን መስመር ተሌፎን ድዅም ምዃኑ ሓቢሩ።
"ንሓያሎ ዓመታት ሪፖርት ክገብር ጸኒሐ እየ። ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ውግእ ሓድሕድ ሸፊነ እየ። ኣብ ዳርፉር ከይተረፈ ነይረ እየ። ንዓይ ግን እዚ ኵነታት ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ሞት ኣሎ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "እቲ ቀንዲ ኣሸጋሪ ነገር፡ እቲ ሓቂ ስለ ዘይፍለጥ፡ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ምንጻር እዩ” ድሕሪ ምባል፡ "ብዛዕባ'ዚ ዘብርህን ሓሳብ ዝህብን ሳልሳይ ኣካል የለን" ኢሉ።
ዋላ’ኳ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል እንተተገለጸ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ 12 መዓልታት እንተ ወሓደ 459 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
ኣቐድም ኣቢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብሰንኪ ሕማም፡ ሕጽረት ማይን መግብን፡ ንቡር ኣገልግሎት ጥዕና ብዘይምርካብን ብዙሓት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ከምዝነበሮ ይፍለጥ።
እቲ ውግእ ደው ካብ ዝብል ኣትሒዙ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ካብታ ሃገር የውጽኣ ኣለዋ።
ብረቡዕ ልዕሊ 1,600 ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ብመርከብ ስዑዲ ዓረብ ግዒዞም። ጀርመንን ፈረንሳን ድማ ኵሎም ዜጋታተን ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ገሊጸን።
ብሪጣንያ እውን፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ብመገዲ ላርናካ ቆጵሮስ ኣቢላ ንዜጋታት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ እስታንስተድ ኣእትያ።
ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ዲያስፖራ ናይጀራያ'ውን፡ ተመሃሮ ናጀርያውያን ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ከምእተጀመረ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሱዳን ክሳዕ 5,000 ዝዀኑ ናይጀርያውያን ክህልዉ እንከለው፡ እቶም 3,500 ዝዀኑ ተመሃሮ ምዃኖም እዩ ዝእመን።
ይዅን ምበር፡ ሓንቲ ኣብ ሱዳን እትመሃር፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ እተወልደት ተመሃሪት፡ ናብተን ናይ ህይወት ኣድሕን በረራታት ንምብጻሕ እኹል ነዳዲ ከምዘይብላ ገሊጻ።
ካብ በርሚንግሃም ዝኸደት ጓል 20 ዓመት ሳማር ኣ'ጣይብ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ ከባቢ ካርቱም ምስ ሓደ ዘመዳ ተዓቚባ ከምዘላ ሓቢራ።
ንሳ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሱዳን ተመሃሪት ሳልሳይ ዓመት ሕክምና ኰይና፡ ናብቲ ወለዳን ኣሕዋታን ዘለውዎ ብሪጣንያ ክትምለስ ትጽበ ኣላ።
"ጋዝ የብልናን፡ ነዳዲ ዝዕድል እንዳ ነዳዲታት እውን ጥርሑ እዩ" ትብል ሳማር።
"ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት፡ ቀጻሊ በረራታት ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ግን ናብኡ ዘብጽሕ ጋዝ እንተዘይረኺበ ክተርፍ እየ" ኢላ ።
ዋላ’ኳ ዋጋ ነዳድን ትኬት ኣውቶቡሳትን ኣዝዩ ወሲኹ እንተሎ፡ ሰባት ብኣውቶቡሳትን መካይንን ካብ ካርቱም ይወጽኡ ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ ነበር ኣሕመድ ሃሩንን፡ ካልኦት ሰበስልጣን ነበርን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘየለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኮበር ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ተኣሲሩ ዝነበረ ኣሕመድ ሃሩን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘየለ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለው።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን፡ ፕረዚደንት ነበር በሽር፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምውልዑ፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ከምዝገዓዘ ሓቢሮም።
በሽርን ሃሩንን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዳርፉር ኣብ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ግደ ኣለዎም ተባሂሎም ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ክሲ ይቐርበሎም።
ሃሩን፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቴሌቪዥን ጣይባ ሱዳን ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ንሱን ካልኦት ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ መቕጻዕቶም ዝፍጽሙ ዝነበሩ ናይ ስርዓት በሽር እሙናት ሰባትን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጹ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ይዅን እምበር ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ምስተመልሰን ትካላት ፍትሒ ግቡእ ስርሐን ምስ ጀመራ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።