'ኣርባዕተ ደቃ ቀቲላ' ተባሂላ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝተኣስረት ኣደ ‘ይቕረታ’ ተሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, FAIRFAX MEDIA/GETTY IMAGES
ኣብ ሓደ እዋን፡ "ኣብ ኣውስትራልያ ዝኸፍአት ቀታሊት ጓል ኣንስተይቲ" ዝብል ሳጓ ዝተዋህባ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓድሽ መርትዖታት ንኣርባዕተ ዕሸላት ደቃ ከምዘይቀተለት ድሕሪ ምግላጹ ‘ይቕረታ’ ተሓቲታ።
ካትሊን ፎልቢግ፡ ንደቃ - ኣወዳት ካሌብን ፓትሪክን፡ ከምኡ'ውን ኣዋልድ ሳራን ላውራን ከም ዝቐተለቶም ዳያኑ ድሕሪ ምብያኖም፡ ን20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፋ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መርመራ ግን፡ ብተፈጥሮ ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ የመልክት።
ነዚ ስዒቡ ጉዳይ እዛ ጓል 55 ዓመት ኣደ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ምብልሻው ፍትሒ ኣውስትራልያ ተባሂሉ ኣሎ።
ወትሩ ካብቲ ገበን ንጽህቲ ምዃና እትዛረብ ወይዘሮ ፎልቢግ፡ ኣብ 2003 ብቕትለት ሰለስተ ካብቶም ህጻናት፡ ከምኡ'ውን ብዘይፍቓድ ቅትለት ቀዳማይ ወዳ ካሌብ ን25 ዓመታት ተኣሲራ።
ነፍሲ ወከፍ ህጻን ኣብ መንጐ 1989ን 1999ን፡ ኣብ 19 መዓልትን 19 ኣዋርሕን ዕድመኦም ሃንደበት ሞይቶም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ኣብቲ ፍርዲ ‘ሓኒቓ ቀቲላቶም’ ኢሎም በይኖም ነይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ይግባይን ኣብ 2019 ዝተገብረ ፍሉይ መርመራን ኣብቲ ጉዳይ ርትዓዊ ጥርጣረ ዝፈጥር ምኽንያት ኣይተረኸበን። እቲ ናይ መጀመርታ ብይን ወይዘሮ ፎልቢግ ድማ፡ ምኽንያታዊ መርትዖታት ዝያዳ ክብደት ዝሃበ ነይሩ።
ኣብቲ ብጥሮተኛ ዳኛ ቶም ባተርስት ዝምራሕ ሓድሽ መርመራ ግን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ምትሕምዟቝ ዓሌት ዘርኢ [ጂን] ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሞት እቶም ህጻናት ዘለዎም ርድኢት ከም ዝቐየሮ ተቐቢሎም።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒው ሳውዝ ዌልስ (NSW) ማይክል ዳሊ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ካብ ሚስተር ባተርስት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገበን ሚስ ፎልቢግ ገበነኛ ምዃና ርትዓዊ ጥርጣረ ከምዘሎ፡ "ጽኑዕ ኣቕዋም" ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣመሓዳሪ NSW ምሉእ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ንወ/ሮ ፎልቢግ ድማ ብቕልጡፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ኣዚዙ።
"ን20 ዓመታት ዝቐጸለ መከራ ኣሕሊፋ'ያ፤ ሰላም ይምነየላ" ዝበለ ሚስተር ዳሊ፡ ንኣቦ እቶም ቈልዑ ክሬግ ፎልቢግ'ውን ሓዘኑ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ መርመራ ጠበቓታት ሚስተር ፎልቢግ፡ ካብ ሓንቲ ስድራቤት ዝመጹ ኣርባዕተ ህጻናት ትሕቲ 2 ዓመት ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ክሞቱ "ዘይእመን" ምዃኑ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ኣብ 2003 ብዛዕባ ዳያሪ በዓልቲ ቤቱ ነበር፡ ምስ ኣደነት ብዝተሓሓዝ ዝገበረቶ ቃልሲ ዝገልጽ፡ ንመርመርቲ ምግላጹ፡ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ምኽንያታዊ ወይ ኵነታዊ መርትዖታት ኰይኑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ መርመራ ግን፡ እቶም ዳያሪታት ብሓንቲ እኹል ድጋፍ ዘይረኸበት ሓዘንተኛ ኣደ፡ ዝተጻሕፈ ናይ ምጽዋር ኣገባብ ምዃኑ ክኢላታት ሓሳብ ኣቕሪቦም።
እቲ ቅድመ ኵነት ዘይብሉ ይቕሬታ ንፍርዲ ሚስ ፎልቢግ ከምዘይስርዞ ሚስተር ዳሊ ገሊጹ።
ሚስተር ባተርስት ነቲ ጉዳይ ናብኡ ከቕርቦ እንተመሪጹ፡ እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ገበናዊ ይግባይ ውሳነ ምዀነ።
እዚ መስርሕ እዚ ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ።
ፍርዳ እንተተገልቢጡ ድማ፡ ድሕሪኡ ንመንግስቲ NSW ብሚልዮናት ዝቝጸር ካሕሳ ክትከስስ ትኽእል እያ።
ምስቲ ኣብ 1992 ብሰንኪ ሞት ጓላ ኣዛርያ ብጌጋ ዝተፈርደቶ 1.3 ሚልዮን ዶላር (690 ሽሕ ፓውንድ፡ 858 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ዝተኽሓሰት ሊንዲ ቻምበርለይን፡ ዝመሳሰል ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል እያ።
ሚስ ፎልቢግ ኣብ ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዓርካ ትሬሲ ቻፕማን ኰይና፡ ክትፍታሕ እንከላ ተራእያ።
ወይዘሮ ቻፕማን፡ ንኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እተን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ንካትሊን ዘስካሕክሃ ምንባረን እፈልጥ እየ፡ ድሕሪ ምስኣን ኣርባዕተ ደቃ ክትጻወሮ ዝጸንሐት ቃንዛን ስቓይን'ውን ኣይኮነን" ኢላ።
ንወ/ሮ ፎልቢግ ነጻ ንምውጻእ ንዓመታት ዝቐጸለ ወፍሪ፡ ሓደ ጕጅለ ክኢላታት ሕማም ምክልኻል፡ ኣዋልዳ ሳራን ላውራን፡ ሃንደበታዊ ወቕዒ-ልቢ ከስዕብ ዝኽእል ጀነቲካዊ ምትሕምዛቝ፡ ከም ዝካፈላ ምስ ረኸበ እዩ ጀሚሩ።
ደቃ ካሌብን ፓትሪክን’ውን ከምኡ ዝተፈለየ ጀነቲካዊ ምትሕምዛቝ ከም ዝነበሮም'ውን መርትዖታት ተረኺቡ፡ እዚ ድማ ምስቲ ብሃንደበት ዝጅምር ሕማም ዘውድቕ ዝተኣሳሰር እዩ።
ነቲ ካብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ዝመጸ ጕጅለ መጽናዕቲ ዝመርሐት ፕሮፌሰር ካሮላ ቪኑኤሳ፡ ቅድሚ ናሙናታት እቶም ህጻናት ምፍታኖም፡ ኣብ ዲኤንኤ ሚስ ፎልቢግ ሽዑ ንሽዑ ዘይተለምደ ጀነቲካዊ ጸገም ከምዘሎ ገሊጻ።
"እቲ ናይ መጀመርታ መርመራ ጌርና፡ ኣዝዩ ጥርጡር ዝመስል [ጂን] ፍልልይ ረኺብና...፣ ሽዑ'ውን ኣብ ሕዳር 2018፡ እዚ [ኣዝዩ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ]፡ ኣብቶም ህጻናት ተረኺቡ፣ ናይዚ ጸገም ግዳይ እዮም ዝዀኑ" ክትብል ተዛሪባ።
ፕሮፌሰር ቪኑኤሳ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስዚ ጀነቲካዊ ጸገም ዝተኣሳሰር ቀታሊ ክኸውን ዝኽእል ኵነታት ልቢ፡ ኣብ 134 ጥራይ ከምዝተራእየ ገሊጻ።
ንወ/ሮ ፎልቢግ ይቕረታ ንምባል ዝተወስደ ውሳነ፡ ንኻልኦት ኣብ ዘሕዝን ኵነታት ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተስፋ ክህብ ዝኽእል "ጽቡቕ ህሞት" ክትብል ገሊጻቶ።
"ብዛዕባ ደቀን ዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ፡ ወይ ድማ ጕድኣት ኣውሪደን ተባሂለን ዝተኸሰሳ ደቂ ኣንስትዮ ተሓቲትና ኣለና፤ እቶም ጉዳያት ድማ ከቢድ ጀነቲካዊ ጸገማት ዘስዓቦም ይመስሉ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
