ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሚያንማር ብውሕዱ 53 ሰባት ቀቲለን ተባሂሉ

ኣብ ፓ ዚ ግይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብጀትን ሄሊኮፕተርን  ከምዝተፈጸመ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሚያንማር፡ ብውሕዱ 53 ሰባት ብደብዳብ ሰራዊት ምያንማር ከምዝተቕትሉ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም።

ካብቶም ግዳያት ብውሕዱ 15 ደቂ ኣንስትዮን ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ከምዝርከብዎም'ኳ እንተገለጸ፡ ቢቢሲ ነቲ ቁጽሪ ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

እቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ሳጋይንግ እትርከብ ቁሸት ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ናይ ተቃውሞ ምሊሻ ብምቋም ናይ ገዛእ ርእሳ ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካትን ባዕሎም ከካይዱ ብምጅማሮም፡ ንሙቑጻይ ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እቲ ሓይሊ ኣብ ለካቲት 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱ ብተደጋጋግሚ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር እናተጠቐመ ይመጽእ ኣሎ።

ንግሆ ሰዓት 7፣00 ወትሃደራዊት ጀት ቦምባታት ከምዝተኮሰትን፡ ስዒባውን ሓንቲ ሄለኮፕተር ንከባቢ 20 ደቃይቕ ብዘይ ዕረፍቲ ነታ ቁሸት ከምዝደብደበታን ናይ ዓይኒ ምስክር ተቐማጢ እታ ቁሸት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልኦት ተቐማጦውን፡ ገለ ህንጻታት እናተቓጸሉ፡ ምውታት ኣብ መሬት ዛሕዛሕ ኢሎምን ዘሪኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ዘርጊሖም እዮም።

“ምናልባት ብሂወት እንተሃሊኹም ድምጺ ግበሩ፡ ንክንሕግዘኩም እና መጺና” ዝብል ድምጺ ናይቶም ብማእከል ፓ ዚ ግይ ዝተብሃለ ቦታ ንግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝደልዩ ዝነበሩ’ውን ይስማዕ።

ነቶም ሬሳታት ክቖጽሩ’ኳ እንተፈተኑ፡ ብዙሓት ተቆራሪጾም፡ ኣብ መንጎ ፋሕፋሕ ዝበለ ክዳውንቲን ዝተቓጸላ ሞተር ብሽክለታን ስለ ዝነበሩ ኣጸጋሚ ከም ዝነበረ ይገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፓ ዚ ግይ፡ ኣብቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ (PDF) ንምኽፋት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዝተሳተፉ ካብ ቀረባ ማሕበረሰባት ብዝመጹ ሰባት መሊኡ እዩ ነይሩ።

እቶም ኣባላት ፒዲኤፍ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሚያንማር ኣንጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕጥቃዊ ወፍሪ ዘካይዱ ወለንተኛታት ጸረ ዕልዋ መንግስቲ ዝኾኑ ምልሻታት እዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ በቲ ፍጻመ "ሰንቢደ እየ" ብምባል “እዚ ንኣህጉራዊ ሕግታት ብግልጺ ሸለል ምባልዩ” ክብል ገሊጽዎ።

"ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ወተሃደራትን ምስኡ ዝዛመዱ ምልሻታትን ካብ 1 ለካቲት 2021 ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ግህሰትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓተትቲ ምዃኖም ንምእማን ርትዓዊ ምኽንያት ኣሎ፡ ገሊኡ ድማ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል’ዩ " ይብል።

ብሰንኪ እቲ ሓድሕዳዊ ኹናት ኣሽሓት ሰባት ክቅተሉ እንከለዉ፡ 1.4 ሚልዮን ድማ ተማዛቢሎም። ከባቢ ሓደ ሲሶ ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ህጹጽ ሰባዊ ረዲኤት ከም ዘድልዮም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ኣብተን ብተቓወምቲ ዝቆጻጸራ ዓድታት ቦምባ ንምድብዳብ ኣብተን ናይ ሩስያን ቻይናን ነፈርቱ እዩ ዝምርኮስ። ምኽንያቱ ናይ መሬት ሰራዊቱ ኣብ ጽርግያታት ንምንቅስቓስ ኣብ ዝፍትነሉ መብዛሕትኡ ግዜ ብነተጉትን ብተጻወደ ነታጒን (IEDs) ይድብድብ ወይ ይውቃዕ ብምህላዉ'ዩ።

ይኹን እንበር እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብቶም ሰለማውያን ሰባት ዝለዓለ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል።

በዚ ድማ ኣብ መንጎ ለካቲት 2021ን ጥሪ 2023ን ብውሕዱ 600 መጥቃዕቲ ኣየር ብወተሃደራት ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ካብ ሰነድ ናይቲ ግጭት ዝከታተል ጉጅለ ኣክለድ (Armed Conflict Location and Event Data Project) ተሞርኲሱ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ ይሕብር።

ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ዝተመስረተ ኣብ ስደት ዝነበረ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት፡ ካብ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ መስከረም 2022 ብዝተኻየደ መጥቃዕትታት 155 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ኣብ ግዝኣት ካቺን ብሓደ ብሄራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተዳለወ ግብጃ፡ ናይ ሓይሊ ኣየር ጀት ሰለስተ ቦምባታት ብምድርባያ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማእከላይ ሚያንማር ኣብ እትርከብ ቁሸት ሌት የት ኮነ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ብነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ህጻናት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

ቁጽሪ ሞት ኣብ ፓ ዚ ግይ እንተተረጋጊጹ ከኣ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዘጋጠሙ ቀተልቲ ንጽል ፍጻመታት ሓደ ካብቶም ቀዘፍቲ ክኸውን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ጀነራል ሚን ኣንግ ሂላንግ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝካየድ "ተግባራት ሽበራ"ኢሉ ዝገለጾ ተቓውሞ ብዘየላቡ መንገዲ ክገጥሞ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።