ስምይቲ ኤርትራዊት ስነጥበባዊት ሻም ጌሹ ብሓደጋ መኪና ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, SM
ትማሊ ቀዳም 04 ለካቲት 2023፡ ኣብ መስመር ኣስመራ ምጽዋዕ፡ ከባቢ ዓርበ ረቡዕ ብሓደጋ መኪና ዝዓረፈት ስምይቲ ኤርትራዊት ስነ-ጥበባዊት መንእሰይ ሻም ጌሹ፡ ሎሚ ሰኑይ 06 ለካቲት ሓመድ ኣዳም ከምእትለብስ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣብቲ ጕዕዞ ምስኣ ዝነበረ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምስኣ ዝተጐድአ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ተመሃራይ ቀዳማይ ክፍሊ ንእሽቶ ወዳ ሜሎዲ ዘልኣለም፡ ትማሊ ኣብ መካነ መቓብር ሓዝሓዝ - ኣስመራ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰን እቲ መጠናዊ መጕዳእቲ ዘጋጠሞ በዅሪ ውላዳ ግን ሕክምናዊ ረድኤት ተገይርሉ ኣብ ደሓን ኵነታት ከምዘሎ ምንጭታትና ኣረዲኦም።
እታ ብቋንቋታት ትግረ፡ ትግርኛን ዓረብን እትደርፍ፡ ብድምጻን ፍቱው ባህሪያታን ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ልዑል ተቐባልነት ዘሕደረት ድምጻዊት ጓል 31 ዓመት ሻም ጌሹ፡ ኣብ ባጽዕ ንዝቕመጡ ቤተሰብ ርእያ እናተመልሰት እያ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ።
ሻም ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ኣብ ስነ-ጥበብ ንዝነጥፉ ወለዳ ኣቦኣ ጌሹን ወላዲታ መሊካ መሓመድን እናረኣየት ስለዝዓበየት፡ ፍቕሪ ስነጥበብ ኣብ ውሽጣ ከምዝሰረጸ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መጠይቓት ትገልጽ።
ካብ ንእስነታ ኣብ ዓበይትን ተኸታተልትን ፊልምታት ቋንቋ ትግረ ብምውሳእ ክእለታ ዘመስከረት ሻም ጌሹ ድምጻዊት ጥራሕ ዘይኮነት ተዋሳኢትን ተለሃይትን እውን እያ ነይራ።
ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ጥበብ ፍሉይ ተውህቦን ዓቕምን ከምዘለዋ ዘርኣየት ሻም፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2010፡ ፍርያታ ካብ 10 ብቛንቋ ትግረ ዝተደርፋ ብሉጻት ዜማታት ከምእተሸለመት ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ሓቢራ ነይራ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈለላየ እዋን ሓንሳእ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ሽወደንን ኖርወይን ካልእ ሳዕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድን ጂዳን፡ ካልአ እዋን ድማ ኣብ ኩወይት ባህላዊ ምርኢታት ዘቕረበት ሻም፡ 'ጐተና ህድሞ' ብዘርእስታ ብቋንቋ ትግርኛ ብእተዚማ ደርፊ ትግርኛ ኣብ ኣፍሪቃ ስልማት "ኳር ኣዋርድስ" ተዓዊታ ምንባራ ይፍለጥ።
ሻም ጌሹ ካብቶም ኣብ ስነ ጥበብ ኤርትራ ብቝልዕነቶም ዝተሳተፉን ኣብ መስርሕ ብዘጥረየቶ ጻዕርን ተመኵሮን፡ ካብቶም ሕሩያት ስነ ጥበበኛታት ሃገር ክትከውን ከምዝበቕዐት፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ዝሰረጹ ፍርያታ ከምዘመልክቱ ኣድነቕታን ፈተውታን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገልጽዎ ናይ ሓዘን መልእኽታት ይምስክሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
