ዶናልድ ትራምፕ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS AND GETTY
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ዓመታት ፈጺምዎ ዝተበሃለ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ቀሪብሉ።
እቲ ኣብ ሲቪላዊ ፍርዲ ኒውዮርክ ዝቐረበ ክሲ፡ ዶናልድ ኣብ ልዕሊ ጸሓፊት ዓምዲ ጋዜጣ ነበር ኢ ጂን ካሮል ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።
ትራምፕ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ፡ ብወረ ጥራይ ዝተጀመረ ኣይኰነን ክብል ሻውን ክሮውሊ ዝተበሃለ ጠበቓ ናይታ ከሳሲት ገሊጹ።
ጓል 79 ዓመት ካሮል፡ ትራምፕ ኣብ 1990ታት ኣብ ማንሃታን ኣብ ዝርከብ ድኳን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመላ ትኸስስ።
ትራምፕ ግን ነዚ ነጺግዎ’ዩ።
እቲ ጠበቓ፡ ካሮል ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ንኣዕሩኽታ ብምስጢር ከም ዝነገረት ሓቢሩ።
ብኣንጻሩ ድማ ጠበቓ ትራምፕ፡ እቲ ክሲ ዘይእመን ክብል ነጺግዎ ኣሎ።
"ነቲ ዘይእመን ትኣምኖ ዲኻ?" ክብል ጠበቓ ጆ ታኮፒና ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መኽፈቲ መደረ ሽዱሽተ ሰባትን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቖፈ ፓነል ገሊጹ።
እቲ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሲቪላዊ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ መንጎ እታ ኣብ መጽሔት ኤለ ጸሓፊት ዓምዲ ምኽርታት ዝነበረት ካሮልን ትራምፕን ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ድኳን በርግዶርፍ ጉድማን ዝተፈጸመ ዝበሃል ርክብ ዘማእከለ ክኸውን እዩ።
ካሮል፡ ምስ ወዲ 76 ዓመት ትራምፕ ኣብቲ ድኳን ናብ ዝርከብ ክፍሊ ቀምሽ ውሽጢ ድሕሪ ምኻዳ ናብ ሓደ መቐየሪ ክዳን ኣእትዩ ከም ዝዓመጻ ትገልጽ።
እቲ ፍጻመ "ንህይወታ ንሓዋሩ ቀይርዎ’ዩ" ይብል ጠበቓ ክሮውሊ፤ "ፍርሕን ሕፍረትን" ንዓመታት ስቕ ክትብል ከም ዝገበራ ድማ ይምጉት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካሮል ኣብ ፍርዲ ቀሪባ ክትምስክር ምዃና ጠበቓኣ ገሊጹ፤ ክልተ ሰራሕተኛታት በርግዶርፍ ጉድማን፡ ሓፍታን ከምኡ’ውን ካልኦት ንባዕለን ከምዝተጠቕዓ ዝገልጻ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን እውን ክቐርቡ እዮም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ብኣካል ክምስክር ድዩ ኣይምስክርን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። ጠበቓታት ካሮል ከም ምስክር ክጽውዕዎ መደብ ከምዘይብሎም ገሊጾም ኣለዉ።
ብሰሉስ ዳኛ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ገለ ክፋል ናይቲ መስርሕ ፍርዲ ክሳተፍ ድዩ ኣይሳተፍን ዝብል ጉጅለ ትራምፕ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ከነጽሩ ኣዚዙ’ዩ። እቲ ዳኛ፡ ምናልባት ትራምፕ ዝቐርብ እንተዀይኑ፡ ጸጥታ ቤት ፍርድን ሰራሕተኛታትን ንምድላው ግዜ ከም ዘድሊ ገሊጹ።
ጠበቓታት ትራምፕ፡ ኣብቲ ተፈጺሙ ዝተበሃለ ዓመጽ ብምትኳር፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝዀነ ሰብ ከይተዓዘበ ኣብ ሓደ ዕሙር ድኳን ከተማ ኒውዮርክ ከመይ ኢሉ ክፍጸም ከም ዝኽእል ንመጋባኣያ ሓቲቶም።
ካሮል ዝሃበቶ ጸብጻብ፡ "ዘይእመን" እዩ ኢሉ ይብል ጠበቓ ትራምፕ፡ ታኮፒና።
እዚ ፍርዲ፡ እቲ ንሳልሳይ ግዜ ንዋይት ሃውስ ክወዳደር ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ነበር ካልእ ሕጋዊ ጸገማት ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
እዚኦም ሲቪላዊ መስርሓት እምበር ገበናዊ ፍርዲ ኣይኰኑን፤ ይኹን’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል'ዩ።
ካሮል እንተተዓዊታ፡ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ተመሳሳሊ ክስታት፡ ንመጀመርታ ግዜ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ብሕጋዊ መንገዲ ክሕተት እዩ።
ትራምፕ፡ ሚስ ካሮል ተፈላጥነት ንምርካብ ዝፈጠረቶ ክሲ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ካሮል ነቲ ቃንዛ፡ ስቓይን ነባሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣትን ከም ዘስዓበላ ትገልጾ መጥቃዕቲ፡ መጠኑ ዘይተገልጸ ካሕሳ ትሓትት ኣላ።
ኣብ 2022፡ ኒውዮርክ ሕጊ ካብ ግዳያት ዓበይቲ ሰባት ኣጽዲቓ’ያ፤ እዚ ሕጊ እዚ ግዳያት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ግዜ ኣብታ ግዝኣት ካብቲ ብሕጊ ዝተወሰነ ግዜ ዝዛይድ ዝጸንሑ ክሲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከቕርቡ ዝፈቅድ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
