ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናት ዘፃርይ ኮምሽን ንፈለማ እዋን ናብታ ሃገር ተጓዒዙ

ምንጪ ስእሊ, FB
ኣብ ኵናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፅራይ ዝቖመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።
እቲ ሰለስተ ክኢላታት ዘለዎ ጉጅለ ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 30 ሓምለ 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብር ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ብወግዒ ካብ ዝምስረት ንነዘ ኣብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ እንተካይድ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ንምብፃሕ እቲ ኮምሽን ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናይ ግድን ክዛተ ኣለዎ ብምባል፡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ኮምሽን ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ንምግባር ሓይሊ ዕማም ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ዳግማይ ምሉእን ዘይሻራውን ምርመራ ዘካይድ ናይ ምርምራ ጉጅለ ኣጣይሹ።
ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ብሓይልታት ፀጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈፂሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
እቲ ብኬንያዊት ጠበቓን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ዝምራሕ ኮምሽን ምርመራ፡ ንኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ስሪላንካዊት ራድሂካ ኮማራስዋሚን ሒዙ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብፃሕ ከካይድ።
ኣባላት እቲ ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ተዛተይቲ ከምዝላዘቡን፡ 30 ሓምለ ከኣ ብዛዕባ ምብፅሖም ወግዓዊ መግለፂ ከምዝህቡን ተፈሊጡ ኣሎ።
ቅድም ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ወግዓዊ ጌሮም ኔሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብእወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ፡ ኣብቲ ኵናት ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ።
ብመሰረት እዚ ተጣይሹ ዘሎ ሓድሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም።
ኣብቲ እዋን በቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ዳግማይ ምርመራ ዘካይድ ሓድሽ ኮሚሽን፡ ካልእ "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ኣለዎ ብምባል ከምዝተቓወምኦ ይፍለጥ።
እንተኾነ እቲ ባይቶ፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝፀንሐ ሓባራዊ ምርመራ "ዝምልእን" ተሓታትነት ክህሉ ዝገብርን ምዃኑ'ዩ ኣነፂሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
