እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሊፎርንያ ኣብ 2035 መሸጣ ብነዳዲ ጥራይ ዝሰርሓ መካይን ክትእግድ’ያ
ካሊፎርንያ ክሊማዊ ለውጢ ንምቁጽጻር ካብ 2035 ጀሚራ መሻጣ ብነዳዲ ጥራይ ዝሰርሓ መካይን ዝኽልክል ታሪኻዊ ሕጊ ኣጽዲቓ።
እዚ ካብ 2035 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓዲሽ ሕጊ፡ ከባቢ ዘይብክላ መካይን ንኽተኣታተዋ ዓሊሙ’ዩ ጸዲቑ ዘሎ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሰን ኣብ 2020 ብነዳዲ ጥራይ ዝሰርሓ መካይን ናይ ምንካይን ናይ ምእጋድን መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ካሊፎንያ ኣብ ኣሜሪካ እታ ዝጸዓቐ ህዝቢ ዝነብረላን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ቁጠባዊ ጽልዋ ዘለዋን ክፍለ ግዝኣት ከም ምዃና፡ እዚ ስጉምቲ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ዓቢ ስጉምቲ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብቲ ብቦርድ ጸጋታት ኣየር ካሊፎርንያ (CARB) ዝወጽአ ሕጊ፡ ኣብ 2026 ካብተን ኣብ ካሊፎርንያ ዝሽየጣ ሓደስቲ መካይን ብውሕዱ እተን 35 ሚኢታዊት ብኤለትሪክ፡ ሃይብሪድ ወይ ከኣ ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ክኾና ከምዘለወን ተደንጊጉ’ሎ።
እዚ ኣሃዝ ኣብ 2030 ናብ 68 ሚኢታዊት ኣብ 2035 ከኣ ናብ 100% ክብ ክብል ምዃኑ ተገሊጹ።
ቦርድ ጸጋታት ኣየር ካሊፎርንያ “እቲ ስጉምቲ ንካሊፎርንያን ንኻልኦትን ብዓቢኡ ኸኣ ንዓለም ታሪኻዊ’ዩ” ኢሉ።
እዚ ውሳነ፡ ክፈለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምምካትን ልቀት ካርቦን ኣብ ምክልኻልን ልዕሊ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓቲባ ትሰርሓሉ ከምዘላ ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።
39 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ሃገር ነይራ እንተትኸውን ብቑጠባ ንዓባይ ብሪጣንያ ብምብላጽ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ምተሰርዓት ነይራ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይቲ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ተስላ ዝኾነ ጆሴፍ መንደልሶን “ቦርድ ክፍሊ ጸጋታት ኣየር ካሊፎርንያ ዘጽደቆ ሕጊ፡ ከዐውት ዝኽእልን ንጽላት ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ባይታ ዘጣጠሕን’ዩ” ኢሉ
ከም ጀነራል ሞተርስ፡ ቮልክስ ዋገንን ቶዮታን ንዝኣመሰላ ኣፍረይቲ መካይን ዝጥርንፍ ማሕበር ግና፡ ናብ ብኤለትሪክ ጥራይ ዝሰርሓ መካይን ንምቕያር፡ ዓለም ብዙሕ ነገር ከምዝተርፋ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ሓዲሽ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን እንተኾይኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ከጽድቖ ኣለዎ።
እንተኾነ ማሕበር ኣፍረይትን ነዳድን ፔትሮከሚካልን ኣሜሪካ ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ትካል ምክንኻን ኣከባብን ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት ነዚ ናይ ካሊፎርንያ ጠለብ ክነጽግዎ ተማሕጺኑ።