ቀታል ወድና ከይፈለጥና ኣይንዓርፍን ኢና!

ማርክ ድሕሪ ምጥፍኡ ዝዘውር ዝነበረ ናይ ቤት ትምህርቲ ስእሉ
Published

ወላዲኡ ካብ መንበሪ ገዛኦም 11 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ሜሪደን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሓደ ገረብ ሬስኡ ከምዝተረኽበ ምስተነግሮም ሰምቢዶም ከምዝወደቑ ይዝክሩ።

ሬስኡ ክርእዩ ናብ ፖሊስ ምስ ከዱ፡ ውላዶም ነብሱ ከምዝቐተለ ተነጊሩዎም። ይዅን እምበር እቶም ስድራ እታ ነብሱ ቐቲሉ እትብል ዘረባ ኣይተቐበልዋን። ሬሳኡ ብኸመይ ከም ዝተረኽበ ምስ ፈለጡ ብዝያዳ ጥርጣረ ኣሕዲሮም።

ነብሱ ከምዘይቀተለ ርግጸኛታት ነይሮም። ምስቲ ዝነበሮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ውሱንነት ነቲ ዝተሓንቀሉ ገመድ ክቛጽርን ክሳብ'ቲ ሬሳኡ ዝተረኽበሉ ጫካ ብሽክለታ ዘዊሩ ክኸይድ ኣይክእልን’ዩ ስለዝበሉ፡ ንመርመራ ፖሊስ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሎም ተኸራኺሮም።

“ፖሊስ ግን ኣብ ገረብ ተሓኒቑ ምስ ረኸብዎ ነብሱ ቐቲሉ ኢሎም ወሲኖም። ይዅን እምበር ትኽክልን ፍትሓውን ኣይኮነን” ትብል ወላዲቱ።

“ሓገዝ ክንደሊ እንከለና ናብ ፖሊስ ኢና ንኸይድ፤ ግን ከመይ ገይሩ ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ተግባርን ገምጋምን ክፍጽም ይኽእል” ክትብል እውን ትሓትት። ፈለማ፡ እቲ መርመራ ፖሊስ መርመራ ኣብ ልዕሊ እቶም ስድራ ስለ ዘተኮረ ነቶም ክልተ ደቆም ምስ ፈተውቶም ንኽጸንሑ ከምዝሰደድዎም እውን ትዛረብ። እታ ሕጂ ኣደ ሰለስተ ቘልዑ ኮይና ዘላ ሸሪል ሓፍቱ ኣብቲ ዕለት ማርክ ሓዋ ንገዛ ንኽመጽእ ትጽበ ከምዝነበረት ትዝክር።

እቶም ስድራ ንምሉእ ህይወቶም እቲ ሓዘን ኣይተፈልዮምን። ኣብ ርእሲኡ፡ ድሕሪ ሞት ማርክ ሸሞንተ ዓመት፡ በዅሪ ውላዶም ራስል እውን ብሓደጋ ሞተር ሳይክል ብምማቱ ካልእ ከቢድ ሓዘን ኣጋጢሙዎም።

ፖሊስ፡ ድሕሪ ሞት ማርክ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ብ2002 ሓዲሽ መርመራ ጀሚሩ።

ብቐደሙ'ውን ጉዳይ ወደይ ብግቡእ ኣይተታሕዘን ዝብል እምነት ዝነበሮም ወላዲኡ፡ “እቲ መርመራ ዋላ’ኳ ንማርክ ኣይክመልሶን እዩ” እኳ እንተበሉ እቲ መርመራ ምጅማሩ እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ይዛረቡ።

ፖሊስ፡ ሓደ ብራያን ፊልድ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ኤውሮጳ ብቕትለት ተኸሲሱ ከምእተኣስረ ምስፈለጠ እዩ እንደገና ነቲ ፋይል ከፊቱዎ።

እቲ ሰብ ንሮይ ቱቱል ዝተባህለ ወዲ 41 ዓመት ሓረስታይ ብ1968 ሰብ ምቕታሉ ምስተኣመነ ንሕልፈት ተፈሪዱ። ብድሕርዚ ፖሊስ ናይቶም ምላሽ ዘይረኸበሎም ጉዳያት ቅትለት፡ ምስዚ ሕጂ ብገበኑ ዝተኣመነ ሰብ ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ጥርጣረ ስለዘሕደረ ነቲ ናይ ማርክ ፋይል እንደገና ከፊትዎ።

እዚ ሕጂ ብቕትለት ማርክ ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብ ኣቐዲሙ ኣይተሓተተን። ኣብቲ እዋን’ቲ ፖሊስ ኣብቲ ማርክ ዝነብረሉ ገዛውቲ ናብ ዝነበሩ ቘልዑ እዩ ኣድሂቡ ነይሩ።

እቲ ናይ ቅትለት መርመራ ምስ ተጀመረ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ብጥርጠራ ተኣሲሮም ነይሮም።

ብቕትለት ማርክ ዝሕተት ሰብ ግን ኣይተረኽበን። ክሲ እውን ኣይተመስረተን። በዚ ከኣ ቤተሰቡ መልሲ ኣይረኸቡን።

ሮይን ዊኒፍሬድን ክሳብ ሎሚ ማርክ ነብሰቕትለት ፈጺሙ ኢሎም ኣይኣምኑን

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ነቲ ጉዳይ ባዕላቶም ተታሓሒዞምዎ ምህላዎምን እቲ ሕብረተሰብ ክተሓባበሮምን ብፈይስ ቡክ ሓቲቶም ኣለው።

እቲ ናይ ፈይስ ቡክ ገጽ እውን እቶም ገበርቲ ሰናይ ወለንተኛታት መርመርቲ እዮም ከፊቶምዎ። ሽሪል ሓፍቱ፡ እቲ ገበን ካብ ዝተፈጸመሉ ግዜ ብዙሓት ሰባት ዘቕረቡላ ሰነድ ኣለዋ። እቶም ወለንተኛታት መርመርቲ'ውን ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓበሬታ ይኣኻኽቡ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሪፖርተር ፊልም ቻነል -4፡ ሬሳኦም ናይ ዘይተረኽበ ሞት ደቂ 11ን 13ን ምስ ጸብጸበ፡ ናይ ማርክ ሞት እውን ምስኡ ክተኣሳሰር ከምዝኽእል ተጠርጢሩ።

ኣብዚ እዋን ስድራ ቤት ማርክን ናይቶም ክልተ መወትቲ ቈልዑን እቲ ፋይል ተኸፊትዎ ዘሎ “ፊልድ” ዝተባህለ ሰብ ቀንዲ ተጠርጣሪ ምዃኑ ይግምቱ።

ማርክ ቅድሚ ምማቱ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ካብቲ ገዛውቲ፡ መገዲ 10 ደቒቕ ብእግሪ ርሒቑ ዝነብር ዝነበረ ፊልድ ነቲ ቕትለት ፈጺምዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ዓብዩ’ሎ።

እንተዀነ፡ ፖሊስ እቲ ብቕትለት ዝጥርጠር ዘሎ “ፊልድ” ካብቲ ገዛውቲ መገዲ 90 ደቒቕ ብመኪና ርሒቑ ከምዝነብር እዮም ገሊጾም። ብዛዕባ እቲ መንበሪ እቲ ውልቀ ሰብ ግን ዛጊት ዝተፋለለየ ሓበሬታ እዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ፖሊስ ኣብ ኣለሻ ኣስከሬን ማርክ

እቶም ወለንተኛታት መርመርቲ፡ “ኣድህቦና ንማርክ ፍትሒ ከምዝረክብ ምግባር እዩ። ሓዘንናን ሓሳብናን ንማርክ ክርስዕዎ ምስ ዘይከኣሉ ወለዱን አዕሩኽቱን ቤተሰቡን እዩ።

ከም ኵሉ ዘይተፈትሐ ፋይላት ገበን ከኣ ሓድሽ ሓበሬታ እንተረኺብና ነቲ ጉዳይ ክንከታተሎ ድሉዋት ኢና” ኢሎም።

ወላዲት ማርክ እውን ቀታሊ ወዳ ናይ ምርካብን ምፍላጥን ዓቢ ሃንቀውታ ኣለዋ።

“ማርክ እቲ ዝግባኦ ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ከኣ ቀታሊኡ ምስ ተታሕዘን ምስተፈልጠን እዩ ክውን ዝኸውን” ትብል።