እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ዓሌታዊ ጸርፊ ዝተቛረፀ ኣኼባ ላዕለዋይ ባይቶ
ኣብ ሞንጎ ኣኼባ ላዕለዋይ ባይቶ ፈረንሳ፡ ማርተን ቢሎንጎ ዝተብሃለ ጸሊም ኣባል ባይቶ ብዛዕባ ስደተኛታት ሓሳቡ እናሃበ እንከሎ፡ ካልእ ኣባል ሕሉፋት የማናውያን “ናብ ኣፍሪቅኦም ክምለሱ ኣለዎም” ድሕሪ ምባሉ እቲ ኣኼባ ብዕግርግር ከምዝተቋረጸ ተገሊጹ።
ነቲ ዕግርግር መገበሲ ዝኾነ ዘረባ ዝተዛረበ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ፡ ነቶም ንባሕሪ ኣቋሪጾም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት’ምበር ነቲ ዝዛረብ ዝነበረ ማርተን ቢሎንጎ ዓሊሙ ከምዘይተዛረበ ድሒሩ መግለጺ ሂቡ።
ኣብ ፈረንሳ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣባል ባይቶ ማርተን ቢሎንጎ ነቲ ዘረባ ‘ዘሕፍር’ዩ” ክብል ነቒፍዎ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ኢሊዛቤት ቦርነ ብወገና ንዘረባ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ ብምኹናን “ንዓሌትነት ዝኸውን ቦታ የለን” ዝብል መልሲ ሂባ።
ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ሎሚ ኣማስይኡ ብምእካብ ኣብ ልዕሊ ነቲ ዕግርግር መበገሲ ዝኾነ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ እንታይ እግዳ ከምዝግበረሉ ውሳነ ከመሓላልፍ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ማርተን ቢሎንጎ ኣብ እዋን ኣኼና ብዛዕባ እታ 234 ስደተኛታት ጽዒና ናብ ወደባት ፈረንሳን ጣልያንን ከይትጽጋዕ ተኸልኪላ ዘላ 'ኤስኦኤስ' ተባሂላ እትጽዋዕ ካብ ባሕሪ ስደተኛታት ንምድሓን እትንቀሳቐስ መርከብ ናብ ወደብ ፈረንሳ ንክትጽጋዕ ፍቓድ ንኽውሃባ ኣብ ዝሓተሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ ኣብ ሞንጎ ዘረብኡ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ “ናብ ኣፍሪቅኦም ክምለሱ ኣለዎም” ክብል ብዓውታ ተዛሪቡ።
ኣፈጉባኤ እቲ ባይቶ መን ከምዝተዛረበ ኣብ ዝሓተተትሉ ብዙሓት በቲ ዓሌታዊ ዘረባ ዝተቖጥዑ ኣባላት ባይቶ ‘ውጻእ ውጻእ” ዝብል ዘረባ ከስምዑ ጀሚሮም።
ማርተን ቢሎንጎ ብወገኑ “ሕጂ ኸኣ ብሕብሪ ቆርበተይ ጀሚርኩም፡ ኣነ ኣብ ፈረንሳ ተወሊደ ዝዓበኹ ኣባል ባይቶ’የ” ኢሉ።
እቲ ዕግርግር ስለዝነሃረ ግን ኣፈጉበኤ እቲ ኣኼባ ክቋረጽ ወሲና።
ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ፡ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ከምዝተዛረበ ብምሕባር ነብሰ ምክልኻል ክገብር’ኳ እንተፈተነ እቲ ዕግርግር ግን ክሃድእ ኣይክኣለን።
ንስለ'ቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ግን ይቕሬታ ሓቲቱ።