እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ድሕሪ 7 ዓመት ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ
ቀዳማይ ሚኒሰተር ብሪጣንያ ነበር ደቪድ ካሜሮን ካብ መንግስቲ ብዝተገበረሉ ጻውዒት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ንፈለማ እዋን ሎሚ ሰሉስ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ክምለስ እዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ርሺ ሱናክ እውን ትማሊ ንዴቪድ ካሜሮን ናብ ቅድሚት ፖለቲካ ዘምጸአ ዘይተገመተ ምትዕርራይ ድሕሪ ምክያዱ፡ ምስ ሓድሽ ካቢኒኡ ክራኸብ እዩ፡፡
ካሜሮን፡ ነቲ ንስዊላ ብራቨርማን ተኪኡ ጸሓፊ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ክሰርሕ ዝተሸመ ጀምስ ክለቨርሊ እዩ ተኪእዎ፡፡
ብራቨርማን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ለንደን ድሕሪ ዘቕረበቶ ነቐፌታ እያ ካብ መዝነታ ተባሪራ፡፡
ብሰኑይ ኣባል ‘ሃውስ ኦፍ ሎርድስ’ ኮይኑ ዝተሸመ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ኣብ 2016 ካብ ሓላፍነቱ ካብ ዝወርድ ንደሓር ካብ ፓርላማ እታ ሃገር ወጺኡ ጸኒሑ፡፡
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኒተ ሽመት ብምስጢር ሒዝዎ ብምጽንሑ፡ ካሜሮን ናብ ፖለቲካ ክምለስ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረን።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስር ብሪጣንያ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ሃገር ካብቶም ዝለዓሉ ሓላፍታት መንግስቲ ከምዝሓዘ እውን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡
እቲ ዜና ገና ኣብ ዝተሰመዐሉ፡ ንሱ ድሮ ምስ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዝተዘራረበ መግለጺታት ይወጽእ ኣሎ።
ክልቲኦም ሰብመዚ ኣብ ምጥንኻር ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ኲናት ዩክረይንን ከምዝዘተዩ ተገሊጹ ኣሎ፡፡
እቲ መግለጺ ‘‘ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኲናት፣ መሰል ርእሰ ምክልኻል እስራኤልን ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ዘኽእል ተኹሲ ደው ኣብ ምባልን ተዘራሪቦም’’ ክብል ገሊጹ፡፡
ርሺ ሱናክ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝገበሮ መደረ ‘‘ሓድሽ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ምሻሙ ከምዘሐጎሶ’’ ብምሕባር እቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ሓድነት ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቡ፡፡
ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዓቃባዊ ሪቻርድ ሆልደን ምስ ቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ካሜሮን ናብቲ ሓላፍነት ጽቡቕ ተመኩሮ ከምዘምጽእ ተዛሪቡ፡፡
እንተኾነ፡ ብምምላስ ሎርድ ካሜሮንን ኩሎም ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ሕጉሳት ኣይኮኑን፡፡
ሓደ ኣባል ባይቶ ድሮ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ መተኣማመኒ ድምጺ ክካየድ ደብዳበ ኣእቲዩ ኣሎ፡፡ እንተኾነ፡ መንበር ሱናክ ንምንቕናቕ ተወሰኽቲ 53 ሰባት ነቲ ደብዳበ ክድገፍዎ ኣለዎም፡፡
ተቓወምቲ ውድባት፡ ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ናብ ሓላፍነት ምምጻእ፡ ነቲ ርሺ ሱናክ ቃል ዝኣተዎ ሓድሽ ምጅማር ዝበቅዕ እንተኾይኑ ንምሕታት ግዘ ኣይወሰደሎምን፡፡
መራሒ ሊበራል ዲሞክራት ሰር ኢድ ዴቪ እቲ ስጉምቲ ‘‘ናይ ተስፋ ምቑራጽ ይመስል’’ ክብል ተሰሚዑ፡፡
ካልኦት ድማ ሽመት ሎርድ ካሜሮን ክዕገት ይጽውዑ ኣለዉ፡፡