ሓንቲ መንእሰይ ን54 ኮሌጃትን 1.3 ሚልዮን ዶላርን ስኮላርሺፕን ዝተዓወተትሉ ምስጢር እንታይ እዩ?

ዳያ ብራውን

ምንጪ ስእሊ, Daya Brown

Published

እታ ብ54 ኮሌጃት ኣሜሪካ ተቐባልነት ዝረኸበትን ናይ 1.3 ሚልዮን ዶላር ነጻ ዕድል ትምህርቲ ዝተዓወተትን መንእሰይ፡ እዚ ከመይ ክኸውን ከምዝኸኣለ ንቢቢሲ ተብርህ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣነባብራ ደቂ ሰባት ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣምጺኡ።

በዚ ምኽንያት ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ምኻድ ክቝጠቡን ብኣማራጺ ዲጂታላዊ ኣገባብ ክመሃሩን ኣብ ገዛኦም ተዓጽዮም ይውዕሉ ነይሮም።

ዳያ ብራውን ዝተባህለት ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ ዌስት-ሌክ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ እትመሃር መንእሰይ’ውን ታሪኻ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ብኢንተርነት ኣብ እትመሃረሉ ዝነበረት እዋን እያ፡ ንዝቕጽል ላዕለዋይ ትምህርታ ክትመሃረለን እትደሊ ኮለጃት ዝርዝር ምምዝጋብ ዝጀመረት።

ዳያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንዓይ መህደሚ እዩ ነይሩ። ንነብሰይ ቃል ኣትየ። 'ኔትፍሊክስ ዝበሃል ነገር ፈጺመ ኣይከታተልን፡ መደበይ ከዕወት ኣለኒ’ ኢለ" ኢላ።

ዳያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንጋዜጠኝነት፡ ግጥምን ክትዕን ዝነበራ ፍቕሪ፡ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ብምስታፍ መጻኢኣ ክትውጥን ሓጊዝዋ።

“ብዝያዳ ብንጹር ንኽሓስብ ይሕግዘኒ። ዓለም ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ደው ኢላ'ኳ እንተነበረት፡ ብዛዕባ መጻኢ እንሓስበሉን እነስተንትነሉን እዋን'ውን እዩ ነይሩ" ትብል።

ክትመሃረለን እትደሊ ዩኒቨርሲቲታት ዝርዝር እናመዝገበት ከላ፡ ጐድኒ ጐድኒ ድማ ነጻ ዕድል ትምህርቲ እደሊን የመልክትን ነይረ ትብል።

"ንዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምኽፋል ንዓይ ዘይሕሰብ ኣማራጺ እዩ" እትብል ዳያ፡ ነቲ ክቡር ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክኸፍሉ፡ ስድራኣ ኣብ ጸቕጢ ከተእትዎም ኣይደለየትን።

ዳያ ብራውን

ምንጪ ስእሊ, DAYA BROWN

ብዓቕሊ ምጽባይ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ካብተን ዩኒቨርሲቲታት 'ተቐባልነት ረኺብኪ' ዝብል ደብዳበታት ክመጸላ ጀሚሩ።

"ብልዕሊ 50 ዩኒቨርሲቲታት ተቐባልነት ረኺበ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ድማ 1.3 ሚልዮን ዶላር ስኮላርሺፕ ረኺበ" ትብል ዳያ።

ካብቲ ዝበለጸ ዩኒቨርሲቲ ‘ተቐባልነት ረኺብኪ’ ዝብል ደብዳበ ምስ በጽሓ ግን ነቶም ካልኦት ክትገድፎም ተገዲዳ።

“ኣብ ልዕሊ 70 ዩኒቨርሲቲታት ኣመልኪተ። ዩኒቨርሲቲ ዱክ ምስ ተቐበለኒ ግን ነቶም ካልኦት ገዲፈዮም” ትብል።

ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ጓል 18 ዓመት ዳያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ትምህርታ ክትቅጽል ወሲና።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ‘ቪዥዋልን ሚድያን’ ናይ መጀመርታ ዓመት ትምህርታ ክትጅምር እያ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሓደ ዓመት ነጻ ዕድል ትምህርቲ እውን ሂቡዋ። ብተወሳኺ ብስም ቢል ጌትስ ዝተመስረተ ናይ ጌትስ ስኮላርሺፕ ንምርካብ ቀዳመይቲ ሕጽይቲ ኰይና ኣላ።

“ንዓይ እቲ ናይ ጌትስ ስኮላርሺ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ዕድላት ትምህርቲ ሓደ ስለዝዀነ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ይኸፍል" ትብል።

ስለምንታይ እዩ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ምሕታት ክንድዚ ዝኣክል ኣዝዩ ከቢድ?

ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ተደጋጋሚ ቅጥዕታት ምምላእ ንብዙሓት ኣድካሚ ክኸውን ከሎ፡ ንዳያ ግን ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ኣይነበረን።

“እቲ ዝኸበደ ነገር ምጽባይ እዩ ዝመስለኒ። ምስ ግዜ ግን ዓቕሊ ተማሂረ” ትብል።

ኣብዚ እዋን፡ ዳያ ካልኦት ተመሃሮ እውን ናብ ዝመረጽዎ ዩኒቨርስቲታት ኣትዮም ናይ ምምሃር ዕላማኦም ንምዕዋት ንምሕጋዝ ትጽዕር ኣላ።

"ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮን ጸለምቲ ተመሃሮን፡ ንሳ ክትገብሮ እንተኽኢላ ‘ኣነ'ውን ክገብሮ'የ' ክብላ ከነቓቕሕን ሓይሊ ክህቦምንን ተስፋ እገብር" ትብል።

ዩኒቨርሲቲታት ንኽቕበላና መመልከቲና እንታይ ከጠቓልል ኣለዎ?

ዳያ፡ ነጻ ዕድላት ትምህርቲ ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዘመልክተትሉ እዋን ዝሓገዝዋ ሰለስተ ነገራት ጠቒሳ ትምዕድ።

ሓገዝ ሕተት፥ “ምስ ኣማኸርቲ ዩኒቨርሲቲን ኣሰልጠንቲ ሞያን ተዘራረብ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ተመሃሮ ካብ ዝምልከቶም ዩኒቨርሲቲታት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ክሓቱ ይፈርሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዩኒቨርሲቲታት ነዞም ጉዳያት ዝተመደቡ ሰባት ኣለዉ፤ ስርሖም ንተመሃሮ ምሕጋዝ ጥራይ እዩ።"

ድልው ኩን፥ “እቲ መስርሕ ልዕሊ ዓቕሚ ውጥረትን ትህኪትን ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ። እቲ ንሓደ ዩኒቨርሲቲ ዝጸሓፍካዮ ኣፕሊኬሽን ወይ ድርሰት ገለ ምምሕያሻት ብምግባር ንኻልእ ዩኒቨርሲቲ ዳግማይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።”

ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታትካ ተጠቐም፥ "ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታትካ ንዩኒቨርሲቲታት መን ምዃንካ ምስክር እዩ። ዩኒቨርሲቲታት ብዛዕባ መን ምዃንካ ዝዓሞቐ ርድኢት ክረኽባ ይደልያ። ነዞም ንጥፈታት እዚኦም መን ምዃንካ ዝያዳ ንምግላጽን መጻኢ መደባትካ ንምሕባርን ተጠቐመሎም።"

ዳያ ዋላ'ኳ፡ ኣብ ድሮ ምጅማር ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ እንተዀነት፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተጸሚዳ ኣላ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ከላ ኣብ ዝመስረተቶ ኩባንያ ፕሮዳክሽን ትሰርሕ ኣላ።

ዕላማ እቲ ኩባንያ፡ ብመንእሰያት ዝተጻሕፉን ዝተዳለዉን ግጥሚ፡ ሙዚቃ፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ከምኡ’ውን ፊልምታት ምእካብን ምልላይን ምዃኑ ትዛረብ።

“ሓድሓደ ግዜ ስለምንታይ እየ እዚ ዅሉ ዝገብር ዘለኹ ኢለ እሓት። ኰይኑ ግን ሽዑ ንሽዑ፡ ‘ህይወት ሰባት ክትቅይሪ ትፍትኒ ኣለኺ፤ እዚ ድማ ጽቡቕ እዩ። ክትደፍእሉ ኣለኪ’ ዝብል ምላሽ እረኽበሉ” ትብል።