መድሃኒት ብግቡእ ዘይምጥቃም ‘ስሚ' እዩ ዝቕየር

Published

ሓንቲ ከኒና ክተድሕነና ወይ’ውን ክትቀትለና ትኽእል እያ። ስለ ዝዀነ’ዩ ድማ መብዛሕትኦም ኣፋውስ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክሽየጡ ዘይፍቀድ።

ሓደ መድሃኒት ክንዕድግ እንከለና መዓስን ብኸመይን ከምእንወስዶ መምርሒ ዝወሃበናን’ውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ዘይስዕሮም ደቀቕቲ ነፍሳት ኣዝዮም በዚሖም ከም ዘለው እዩ ዝንገር።

እዞም ደቀቕቲ ነፍሳት ብመድሃኒት ክሞቱ እናተገብአ ዘይሞቱሉን እቲ ዝሓመመ ሰብ’ውን ዘይፍወሰሉን ኵነታት ብብዝሒ ይርአ ኣሎ።

እዚ ኸኣ ንሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘጨንቕ ዘሎ ጉዳይ ኰይኑ’ሎ። ዶ/ር እስከዳር ፍርዱ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ትሰርሕ ሐኪም እያ።

“እዚ ነገር ንዅሉ ሓኪም ዘጨንቕ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡” ትብል።

እዚ ጭንቀት ካብ ምንታይ ዝነቅል'ዩ?

መድሃኒት ዘይስዕሮም ነፍሳት

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ኣሞክሲሊን፡ ሜትሮኒዳንዞል፡ ሲፕሮፍሎክሲን ዝኣመሰሉ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒታት፡ ናይ ምፍዋስ ዓቕሞም እናደኸመ ክመጽእ ይስትውዓል ኣሎ። 

ዓቕሞም ዝዳኸም ዘሎ ግን እንታይ ሓድሽ ክስተት ስለዘሎ እዩ?

እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ገለ ሰባት ነዞም መድሃኒታት ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ ሰባት እናወሰዱ ስለዝጥቀሙ እዩ።

ሓያለ ኢትዮጵያውያን፡ ሓኪም ን7 መዓልቲ ዝኣዘዘሎም መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ምውሳድ ጀሚሮም ለውጢ ክርእዩ እንከለው፡ “ሒሹኒ'ኮ” ኢሎም ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም ከቋርፅዎ ይረኣዩ።

ከምዚ ዝበለ ኣጠቓቕማ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና የጠንቅቝ።

መድሃኒት ምቁራፅ ሳዕቤኑ ኣብቲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ሕብረተሰብ ከይተረፈ ዝጸሉ እዩ። እቶም ነፍሳት ምስቲ መድሃኒት እናተላመዱ ስለዝመጽኡ ተጻዋርነት የማዕብሉ።

ከምዚ ዝበለ ኵነታት ብነፍሳት ዝምዕብል ተጻዋርነት “Antimicrobial resistance” ተባሂሉ’ዩይፍለጥ። 

ነፍሳት ክቐትለልና ኢልና ንወስዶ መድሃኒት እቲ ዝድለ ፍወሳ ከየምጽአ ይተርፍ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ተህዋስያን ነቲ መድሃኒት ተጻዊሮም ኣብ ኣካላትና ሰሪቶም ይተርፉ።

ብኸምዚ ኣጠቓቕማ መድሓኒት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንሞት ተቓሊዖም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብልክዕ ዝፍለጥ ቍጽሪ የለን።

እዚ ብነፍሳት ዝምዕብል ተጻዋርነት መድሃኒት፡ ኣብ 2050 [ኣ.ኤ] እቲ ቀዳማይ ቀታሊ ከም ዝኸውን ክኢላታት ይንበዩ።

ኣብ ኢትዮጲያ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓካይምን ኣብ ዝሰርሑሎም ትካላት፡ ብነፍሳት ዝምዕብል ዘሎ ተጻዋርነት መድሃኒት የስተውዕሉ ከምዘለው ይዛረቡ።

ካብዞም ሓኻይም ሓደ ዶ/ር እስከዳር እዩ።

ኣብ ትካላት ጥዕና ተጻዋርነት መድሃኒት ዘማዕበሉ ነፍሳት ምርኣይ ልሙድ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ግን ናብ ሕብረተሰብ ከምዝወረደ ዘርእዩ ምልክታት ይረኣዩ ከምዘለው፡ ዶ/ር እስከዳር ይሕብር።

ዶ/ር እስከዳር ከምዝብሎ ብርክት ንዝበሉ ተሓከምቲ ዝተኣዘዘ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ውጽኢታዊ ኣይከውንን ዘሎ።

ንሰዓል፡ ንረኽሲ፡ ንውጽኣት እናበልና ከም ቀሊል ነገር እናረኣና ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም መድሃኒት ምዕዳግ ጌጋ ምዃኑ የጠንቅቕ።

እዚ ጕድለት’ዚ ዝፍጽሙ ዘለው ኸኣ እቶም ዓደግቲ ጥራይ ዘይኰኑስ እንተላይ እቶም ሸየጥቲ ትካላት - ፋርማሲታት’ውን እዮም። 

እዞም መድሃኒታት ብዘይ ሕጋዊ ትእዛዝ ሓኪም ከይሽየጡ ዝተባህለ እምበኣር ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ተመራመርቲ ጥዕና እዮሳይት ዝዀኑ፣ ገብረመድህን በዕደማርያምን ትንሳኤ ተክሌን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘሐተምዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ካብ 262 ፋርማሲታት እተን 166 ብዘይ ሕጋዊ ትእዛዝ ሓኪም መድሃኒታት ከም ዝሸጣ ይሕብር።

ስለምንታይ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት ዘይቅጽዓ?

ኣብዚ ምቍጽጻር ክገብር ዘለዎ በዓል መዚ መግቢን መድሃኒትን ኢትዮጵያ እዩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ እንታይ ዝገበሮ ነገር ኣሎ? 

ኣብቲ ትካል፡ ኣተሓባባሪ ግቡእ ኣጠቓቕማ መድሓኒት ዝዀነ ኣቶ ሚሊዮን ትርፌ፡ እቲ በዓል መዚ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ይዛረብ። እቲ በዓል መዚ ኣብ 7 ክልላት ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት’ኳ እንተለዎ፡ ብቐጥታ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ግን ጸገማት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ይህብ።

“ንሕና ኣብ ፌደራል ኢና ዘለና፣ ናብ ሓደ ክልል ኬድና እዚ ጌጋ ርኢና ኣለና እንተበልና ስጕምቲ ክንወስድ ግን ኣይንኽእልን። እተን ክልል ናይ ባዕልና ሓላፍነት እዩ እየን ዝብላ።”

እቲ ጸገም ኣብ ትካላት መሸጣ መድሃኒት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውልቀ ሰባት እውን ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ሚሊዮን፡ ብትህኪት፡ ኣቐዲሞም ዝገዝእዎ መድሃኒት ደጊሞም ምውሳድ ዝመርጹ ሰባት ከም ዘለው ይሕብር።

ወይ’ውን ናብ ፋርማሲ ከይዶም ባዕላቶም ዝፈልጦ መድሃኒት ይዕድጉ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሰብ ባዕሉ ይሕከም ኣሎ ማለት እዩ።

ሰባት ስለምንታይ እዮም ባዕላቶም መድሃኒት ክወስዱ ዝመርጹ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ክሊኒካል ፋርማሲ ዝዀነ ጌታቸው አለምቀረ፡ “ሕጽረት ግንዛበ ዘስዓቦ እዩ፡” ይብል።

“ኵሉ ሳዕ ኣብ መንጐ ተራ ሰባትን ዝተማህሩን ዘሎ ፍልጠት ይፈላለ እዩ።"

ሓደ-ሓደ ግዜ ዝሓሸና ይመስለና ይኸውን፣ ግን ሕማምና ይጋደድ እዩ ዘሎ።

ሓደ-ሓደ ግዜ ከሕውዩ ዝተሰርሑ መድሃኒታት ባዕላትና ሰኣን ግቡእ ኣጠቓቕማ ናብ ስሚ ንልውጦም ኣለና።