እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 2023 ብነታጒ ዝተጐድኡ ሰለማውያን ሰባት ኣመና ወሲኹ - መጽናዕቲ
ዓመተ 2023 ካብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብዝዛየደ ቍጽሪ ብነታጒ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ሰለማውያን ሰባት ዝተመዝገበሉ ዓመት ኰይኑ ከምዝሓለፈ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዕጥቃዊ ዓመጻት ኣድሂቡ ዝሰርሕን ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩን ትካል ግብረሰናይ፡ ኣብ 2023 ብሰንኪ ነታጒ ዘጋጥም ሞት ሰለማውያን ሰባት ብ122 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።
እዚ ወሰኽ ብዓቢኡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እዩ።
ኣብ ዩክረይን፡ ሱዳን፡ ሚያንማርን ሶማልያን ዝተፈጠሩ ግጭታት እውን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝገብሮ መጽናዕቲ፡ ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ውድባት ከም መወከሲ ዝጥቀምሉ ኰይኑ መርትዖታቱ ንባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ’ውን ኣቕሪቡ’ዩ።
ኣብ 2023 ኣብ መላእ ዓለም ብውሑዱ 7,307 ነተጕቲ ከምዘጋጠመ ዝሓበረ እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድመኡ ዓመት ተመዝጊቡ ዝነበረ 4,322 ፍጻመታት ዝለዓለ እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሞት 15,305 ሲቪላት ዘስዓበ ክኸውን እንከሎ ካብ 2022 ብ122 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ቈሲሎም።
እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤል "ንኸምዚ ዝበለ ተዓጻጻፊ ወሰኽ" መጕዳእቲ ሰለማውያን ሰባት ከምዝዳረግ ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ እዚ ድማ ኣስታት ሓደ ሲሶ ናይቲ ዓለማዊ ጠቕላላ ክሳራታት ዝሓዘ’ዩ።
ኣብ ቓዛ 920 ነትጕ ዘጋጠመ ኰይኑ እዚ ድማ ሞት 9,334 ሰባት ከምዘስዓበ ተገሊጹ።
እቲ ነቲ መረዳእታ ዝስንድ ዘሎ ትካል፡ መርትዖታቱ ንዅሉ ጉድኣት ይምዝግብ እዩ’ኳ እንተዘይተበሃለ ግን ድማ ኣብቶም ቀንዲ ፍጻመታት ነትጕ ኣተኵሩ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
መርትዖታቱ ኣብ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዝወጽኡ ጸብጻባት ከምዘጠቓልል’ውን ይገልጽ።
ሓማስ ንዝወሰዶ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ብ7 ጥቅምቲ ዝተጀመረ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል’ውን፡ ኣብ ምውሳኽ ቍጽሪ ብነትጕ ዝተጐድኡ ሰለማውያን ሰባት ዓብይ ግደ ከምዝነበሮ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ገሊጹ።
ኣብ መላእ ዓለም ብነፈርቲ ዝውንጨፉ ተተኮስቲ ኣብ 2023 ብ226 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዝተሓበረ ኰይኑ ኣብ 2022 ካብ ዝነበሮ 519 ፍጻመታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 1,694 ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ።
እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ቅድሚ ምፍጻማ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ሰለማውያን ሰባት ንኸይሞቱ የኽእል’ዩ ዝበለቶም ስጕምትታት ከምዝወሰደት ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።
መጽናዕቲ እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ከም ዘመልክቶ ግን ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ነታጒ ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተጐድኡ ሰለማውያን ሰባት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።
ዳይረክተር እቲ ትካል ኢያን ኦቨርተን፡ መርትዖታቱ ኣብ ከተማታት ነታጒ ምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘይመጣጠን ሓደጋ ከምዘሕድር መንግስታት ዓቢይ መጠንቀቕታ ክኸውን ከምዘለዎ ይዛረብ።
እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ 2023 ኣብ ኣጠቓቕማ ካብ መሬት ዝውንጨፍ ተተኳሲ እውን ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።
እስራኤል 'ቀንዲ ተዋሳኢት ፍጻመታት ፍንጀራ ነታጕ’
ኣብ መላእ ዓለም፡ መንግስታት 77 ሚእታዊት ናይቲ ብሰንኪ ነታጒ ዝበጽሐ ሲቪላዊ ክሳራ ተሓተትቲ እዮም።
እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል እስራኤል፡ "ኣብ 2023 ኣዐርዩ ዝበዝሐ መጕዳእቲ ዝፈጸመት ሃገር እያ ነይራ" ይብል።
እስራኤል ብዝፈጸመቶም ልዕሊ 1000 መጥቃዕትታት 12,950 ሲቪላት ግዳይ ሞትን መቝሰልትን ኰይኖም ይብል።
ሩስያ ካልኣይቲ ኰይና፡ ኣብ ዩክረይን ዘካየደቶ ኲናት 8,351 ሲቪላት ከምዝተጐድኡ ተገሊጹ።
ኣብ ሱዳን፡ ሚያንማር፡ ሶርያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት እውን ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ጉድኣት ሰለማውያን ሰባት ዝለዓለ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።