ኤርትራ፡ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

Published

ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝርከብዎም 14 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ብሰንበት 14 ሚያዝያ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓንቲ ገያሾ ጽዒና ዝነበረት ኣውቶብስ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ ዝርከብ ድልድል ብምግምጣላ ዝሰዓበ'ዩ።

እታ ኣውቶቡስ ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ናብ ከተማ ተሰነይ ትጓዓዝ ዝነበረት ምዃና መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

ብዘይካ'ዚ 16 ሰባት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ካልኦት 38 ድማ ቀሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም፡ ሰብመዚ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምጥቃስ ሓቢሮም።

"ኣፈናዊ ግምታት'ኳ እንተሎ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ" እቲ ጸብጻብ ገሊጹ'ሎ።

እታ ዋንነታ ናይ ትካል መጓዓዝያ ሰታዮ ዝኾነት ዓባይ ኣውቶቡስ ካብ ኣስመራ 232 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ምስበጽሐት 4.5 ሜትሮ ከምዝጸደፈት ተፈሊጡ።

ነበርቲ ከተማ ባረንቱን ናብ ኣስመራ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሓደ "ጉጅለ ሓካይምን" ንግዳያት ሓደጋ ኣብ ምርዳእ ግደ ከምዝተጻወቱ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ብዛዕባ ጾታ ይኹን ዕድመ ናይቶም ግዳያት ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን።

ብብግዚኡ ኣብታ ሃገር ከጋጥም ዝጸንሐ ሓደጋ ኣውቶቡሳት ህይወት ብዙሓት ሰባት ክቐዝፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።