ትግራይ፡ ኣብ ከባቢታት ዓፋር ብዛዕባ ዝተኻየደ 'ውግእ' እንታይ ንፈልጥ?

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቃት ትግራይን ኣብዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ከባቢታት ዓፋር ከምዝተታዀሱን ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከምዝወረደን ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ነቲ ኣብ መዳውብቲ ዓፋርን ትግራይን ዘጋጠመ ግጭት ኣመልኪቶም፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ብቢሮ ፀጥታን ሰላምን ኣቢሉ ብ 03 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግ]፡ ኣብ ዝውፀኦ መግለፂ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢታት ዓፋር ዝርከቡ ዕጡቓት ተደጋጋሚ ትንኮያታት ይካየድ ከምዘሎ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ "ሎሚ'ውን ንኻልኣይ ግዜ ካብ ክልል ዓፋር፡ ፍሉይ ቦታ ጠብጣብ ተበጊሶም አብ ከባቢ ደደርባ ኣብ ዘሎ ኣሃዱ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሓደ ተጋዳላይ ብመስዋእቲ ተፈልዩና 'ሎ፡" ኢሉ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዘጓነፈ ኵነታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዘራርብ ዝቐነየ ዀይኑ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንመራሒ እቶም ዝኽሰሱ ዘለዉ ዕጡቓት ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ - ወዲ ኣንጥሩ - መብርሂ ሓቲቱ።
ወዲ ኣንጥሩ፡ "ክፍጠር ዘይደንደልዮ ጐንፂ እዩ፤ ምኽንያት ኣብ መንጐ ክልተ ኣሕዋት እዩ ዝካየድ ዘሎ " ድሕሪ ምባል፡ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝቐጸለ ተዅሲ ከምዘተኻየደ ኣረጋጊፁ።
"እቲ ኵነታት ናብ ጐንፂ ከምርሕ ኣይንደልን፡ ነዚ ኢና ድማ ኣብ ዓፋር ፀሓይ [ሃረሩር] ንውቃዕ ዘለና፤ እንተዀነ ዶብ ሰጊሮም ናብ ናይ ዓፋር ግዝኣት ኣትዮምን ከቢቦምን እዮም ተዅሲ ከፊቶምልና" ይብል።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ገፆም ተንቀሳቒሶም፡ንሓፂር እዋን ዝተተዀሱ ኰይኖም፡ እቲ ህዝቢ 'ኣብ እዋን ዘርኢ ውግእ ኣይትኽፈቱልና፣ ክንዓርቀኩም ኢና' ኢሉ ከምዝለመኖምን ናብ ቦታኦም ከምዝተመልሱን ዝዛረብ እቲ ጀነራል፡ ቃሎም ኣኽቢሮም፡ ጠቕሊሎም ናብ መሬት ዓፋር ከምዝሰገሩ ይገልፅ።
እቲ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወፅአ መግለፂ ግን፡ እቲ ተዅሲ ብትንኮያ እቶም ዕጡቓት ከምዝተጀመረን፡ ኣብ መሬት ትግራይ ከምዝዀነን እዩ ዝገልፅ።
"እቲ መደብ [ዕለት ክልተ ከምዝወርዱ] ንፍልጥ ነይርና ኢና" ዝበለ እቲ ጀነራል፡ እቶም ሓይልታት ባዕሎም ንባዕሎም ከምዝፋለጡን፡ ኣባላቱ 'ግደፉ፤ ኣይትፀግዑና' ኢሎም ከምዝለምኑዎም'ውን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ " 'ሱቕ ኢልካ ኢድካ ሃብ ጨምላቕ' እናበሉ እናተፃረፉ ናብ ቅድሚት መፂኦም ተፀጊዖም፣ ብየማነ ጸጋም ናይ ዲሽቃን ብሬንን ተዅሲ ከፊቱሎም፣ ድሕሪ እዚ ግን ናይ ፍርቂ ሰዓት ውግእ ተኻይዱ፤ ናይ ጨበጣ ውግእ እዩ ተኻይዱ" ኢሉ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ልክዕ ከባቢ ይዅን ዝተጀመረሉ ኵነታት ብናፃ ወገን ከረጋግፅ ኣይከኣለን።
እቲ ቢሮ ኣብ ዝሓለፈ እዋን 24 ነሓሰ 2017 [ግ]ኣብ ዘውፀኦ ተመሳሳሊ መግለፂ፡ "ኣብ ልዕለይና ይውሰዱ ንዘለዉ ናይ ጥፍኣት ተበግሶታት ንምምካት ዓርስና ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ንኽንወስድ ዝደፋፍእ እዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ናይ ሕጂ መግለፂኡ ድማ፡"እዚ መዕነዊ ተግባር ዝቕፅል እንተዀይኑ ግን ነዚ ይመርሑን የተሓባብሩን ኣብ [ልዕሊ] ዘለው ኣካላት መምሃሪ ስጕምቲ ከም እንወስድ ነፍልጥ" ክብል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተሓንዩ ኣሎ።
እቲ ጀነራል፡ካብ ሰለስተ ኣርሚታት ተዋፂኦም ዝመፅኡ ሓይልታት፡ ዳንደ ካብ ዝበሃል ከባቢ ንቝልቍል ወሪዶም፡ ናብ መሬት ዓፋር ኣትዮም ክባ ከምዝፈፀሙሎም እዩ ዝኸስስ።
"ንሳቶም እዮም ጀሚሮሙዎ ዝበሃል ሓሶት እዩ፤ እታ ተዅሲ ዝተኻየደትላ ማይ ዘላታ እያ፡ 'እታ ማይ ኣበይ እያ' ትርከብ ኢልኩም ባዕልኹም ክተፃርዩ ትኽእሉ ኢኹም።"
ብዛዕባ እቲ ኣብ ውግእ ዝሞተ ኣባል፡ 'ንሓዝን' ዝበለ ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፡"ናይ ሓባር ኪሳራ እዩ፤ ንመኸተ ዘሰለፍናዮም ተጋደልትና እዮም። እቲ ዝተሰውአ ይዅን እቲ ኣብ ዝተረፈ ሰራዊት 'ቲዲኤፍ' ተገዲዱ እዩ ናብ ውግእ ዝኣቱ ዘሎ 'ምበር፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ፤ ኣባልና ከምዝተሰወአ ኢና ንቘፅሮ " ኢሉ።
ድሕረ ባይታ
ኣብ መዳውብቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዝነቀሳቐሱ ዝንገረሎም፡ ደገፍ መንግስቲ ፈደራል ከምዘለዎም ዝኽሰሱ ዕጡቓት፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝወፅኡ ኰይኖም፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓትን ንዕኡ ዝድግፉ 'ካብ ኮር ንላዕሊ' ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ንምቅላስ በረኻ ከምዝወፅኡ እዮም ዝገልፁ።
ኣብ ቀረባ፡ ንባዕሎም 'ሓይልታት ሰላም ትግራይ' ዝብል መፀውዒ ዝሃቡ እቶም ዕጡቓት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ ተቐልቂሎም፡ ሰንዓለ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ፡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝተታዀሱ ኰይኖም፡ እዚ ናይ ሕጂ ተጓንፎ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, HB
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ለውጢ ኣመራርሓ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፁ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ህዝባዊ ተቓውሞ ተልዒሉ ነይሩ።
ንሱ፡ "ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ" ዝብል።ብዛዕባ'ቲ ክመጽእ ዝኽእል ዝበሎ ሓደጋ ግን ብዝርዝር ኣይገለጸን።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

