ሰራዊት ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምላስ ሓድሽ ሰነድ ስምምዕ ኣውጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደው ንምባል ዘኽእል፡ ስልጣን ንሲቪላውያን ጉጅለታት ንምርካብ ዘኽእል ቈራጽ ስጕምቲ ተሰማሚዖም።
በዚ መሰረት፡ ንኽልተ ዓመት ዝቕጽል፡ ብሲቪላውያን መራሕቲ ዝመሓደር መሰጋገሪ እዋን ዝምልከት ሰነድ ስምምዕ ኣብ ካርቱም ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብወግዒ ተቓሊዑ።
እንተዀነ እቶም ስሩዕ ተቓውሞታት ጐደና ከካይዱ ዝጸንሑ ደገፍቲ ዲሞክራሲን ተቓወምቲ እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራን ዝዀኑ ሰልፈኛታት ግን፡ ነዚ ነጺጐምዎ ኣለዉ።
ሱዳን፡ ኣብ 2019 ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ፡ ኣብ ዓዘቕቲ ቅልውላው ተሸሚማ እያ ጸኒሓ።
ኣብ 2019 ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ንወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ብዝወከሉ ዝቘመ፡ ‘ሓይልታት ሓርነትን ለውጥን’ ዝብል ጥምረት ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ተሰማሚዖም።
እቲ ብቐንዱ ዘይጠዓዓም ዝነበረ ሕብረት፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ንሲቪላውያን ወኪሉ ዝነበረ ናይቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ምስ ገለፎ ኣብቂዑ።
ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ምስቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ዝገበሮ ስምምዕ ምቕርሐ ስልጣን ሰፊሕ ተቓውሞታት ምስ ገጠሞ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ወተሃደራዊ ጀነራላትን ሲቪላውያን መራሕቲን ነዚ ሓድሽ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሞም፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ካርቱም ጽንብል ተኻይዱ።
ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ስምዒት ህዝቢ ንምቕስቃስ፡ "ወተሃደር መዓስከር ጥራይ እዩ ዝምልከቶ!" ዝብል ፍሉጥ ህዝባዊ ሰውራዊ ጭርሖ ደጋጊሙ።
እዚ ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት - መብዛሕትኦም መንእሰያት ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን - ነቲ ስምምዕ ዝቃወም ሰልፍታት፡ ኣብ ጐደናታት ከካይዱ ተራእዮም።
ኣህጕራዊ ናእዳ ዝረኸበ ሱዳናዊ ሰራሕ-ፊልም ሓጁጅ ኩካ፡ ተቓውሞ ንምምራሕ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምትእምማን ተበቲኹ እዩ፤ ሰራዊት ሕጂ'ውን ደጊሙ ክጥሕሶ [ነዚ ስምምዕ] ይኽእል'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ እቶም ኣውራ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ - ኣልቡርሃንን፡ ምክትሉ ሕሜቲን- ኣብ ስልጣን ምህላዎም እዩ። ሰባት ተቐቲሎም፡ ቈሲሎም፡ ተኣሲሮም፡ ብዘይ ተሓታትነት ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ።"
እዚ ናይ ትማሊ ስምምዕ፡ ዋላ'ኳ ገና ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይብሉን፡ ብዛዕባኡ ገለ ዕቃበታት’ውን እንተሃለወ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ከም ሓደ ፈላሚ እወታዊ ስጕምቲ'ዩ ዝርአ።
ብዘይካ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሕርያ ጕጅለ ምክልኻልን ጸጥታን ንሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክህብ’ውን ወሲኑ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መን ከም ዝኸውን ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሓይልታት ጸጥታ ንዝተቐትሉ ዓሰርተታት ሰልፈኛታት ጸረ-ዕልዋ፡ ፍትሒ ምርካብ ዝምልከትን ካልኦትን ገና መዓልቦ ዘድልዮም ወሰንቲ ጉዳያት ኣለዉ።
እቶም ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዝድግፉ ዝነበሩ ዕጡቓት ጕጅለታት’ውን ተዋሲኖም ስለዘለዉ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ምስ መንግስቲ ዝፈረምዎ ስምምዕ ብጽቡቕ እንተዘይተታሒዙ፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ልዕሊ ውሳነታት መንግስቲ፡ ሕጂ’ውን ላዕለዋይ ስልጣኑ ዝሕሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ጽልዋኡ ተጠቒሙ ንሲቪላውያን መራሕቲ ቅሳነት ክኸልእን መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክዓናቕፍን ከም ዝኽእል፡ ብዙሓት ስክፍታኦም የስምዑ ኣለዉ።
ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ግን፡ እቶም ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ ምዝርራብ ክፍትሑ እዮም፡ ይብሉ።
ኣፈኛ ሓይልታት ሓርነትን ለውጥን ኣልዋዚቕ ኣልበሪር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዕላማታት ናይቲ ስምምዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ ምሕደራ ምምስራት፡ ናጻ ፖለቲካ ሃዋህው ምፍጣርን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ምብጻሕ’ዩ” ኢሉ።
ዛጊት እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ወይ መዓስ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ግን ገደብ ግዜ ኣይተቐመጠን።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ዓረብን ምዕራባውያን መንግስታትን ክልቲኦም ወገናት ንኽላዘቡ ጸቕጢ ክገብር ዝጸንሐ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ጥምረት እዩ።
ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ስምምዕ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዋ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ እዚ ስምምዕ "ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ መንጐ እቲ ኣህጉራዊ መልእኽቲ ዮሃናን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዘሎ ጽንብልን ኣብ ጐደናታት ዘሎ ስምዒታትን ግን ዝተፈራረቐ ሃዋሁ እዩ ዘለዎ።
ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ’ዚ ንምጅማር ‘ቲ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝዓለወ ሰውራ ክትዝክር እያ።
ንኣርባዕተ ዓመታት ከኣ፡ ነቲ ካብ ናጽነታ ኣትሒዙ ካብ መብዛሕትኡ እዋን ታሪኻ ዘምለጠ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጽውዕ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብቐጻሊ ይካየድ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
