'ከም ምሩኻት ይቖጽሩና ነይሮም' ዝተሰዱ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት

በቃል ኣላምረውን በላይ ማናየን
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

2018 [ግ] ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ዋላ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይተኣስረላ ዓመት እያ ነይራ። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝርዝር ናጽነት ፕረስ ዓለም 40 ደረጃታት ኣመሓይሻ መበል 110 ክትስራዕ በቒዓ።

በዚ ምኽንያት ብሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።

ኢትዮጵያ ብናጽነት ፕረስ ካብ እትነኣድ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን 54 ጋዜጠኛታት ካብታ ሃገር ሃዲሞም ከምዘለዉ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እዚ ጸብጻብ ካብ ዝዝርጋሕ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት እውን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ካብታ ሃገር ከም ዝሃደሙ ኣፍሊጦም።

ካብ ሃገር ዝሃደሙ ጋዜጠኛታት መስራቲ "ኣልፋ ሚድያ" በቃሉ ኣላምረውን መስራቲ "ኢትዮ ኒውስ" ባላይ ማናየን እዮም።

እቶም ጋዜጠኛታት ናብ ሞያኦም "ክምለሱ ስለዘይከኣሉ" ካብታ ሃገር ከምዝሃደሙ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ከኣ ን11 መዓልታት ፈታኒ ጉዕዞ እግሪ ኣካይዶም።

“እቲ ዝኸበደ መንገዲ ብእግሪ፡ ብመኪናን ብሞተር ሳይክልን ኢና ጌርናዮ። እቲ ዝነበረና ናይ መገሻ እገዳታትን ቁጽጽርን ንቡር ኣገባብ ጉዕዞ ክንጥቀም ኣየኽኣለናን" ክብል ነቲ ጉዕዞ ይዝከር በቃል።

እዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ'ዮም ተፈቲሖም።

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝነበሮም ፃንሒት፤ "ኣዝዩ ከቢድ" ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ናብ ኣዋሽ ኣርባ ቅድሚ ምስግጋሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሜክሲኮ ዝበሃል ከበቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ንሰሙናት ተኣሲሮም ነይሮም።

“ንስድራይ 'ስለዘይምለስ ኣይትብከዩ' ኢሎሙዎም”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

30 ሓምለ 2015 ዓ.ም ዩኒቨርስቲ ኒው ጀኔሬሽን ተማሃሮኡ የመርቕ ነይሩ። ጋዜጠኛ በቃል ካብቶም ተመረቕቲ ተምሃሮ ሓደ ዝነበረ ኮይኑ ብ"ዓለማዊ መጽናዕትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን" ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ።

ድሕሪ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ናብቲ ገዛኡ ዝኣተወ። ክሳብ ናብቲ ገዛ ዝኣቱ ኣባላት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ከምኡ’ውን ፌደራል ፖሊስ ከምዝስዓብዎ ይዝክር።

"ድሕሪ እቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ተኸታቲሎም መጺኦም። ኣብ ገዛ ምስ ኣተኹ ድማ ኣሲሮምኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ክኣስሩኒ ከለዉ ኣብቲ ገዛ ብዙሕ ግህሰት፡ ቁጥዐን ጸርፍን ነይሩ። ንስድራይ 'ስለዘይምለስ ኣይትብከዩ' ኢሎምዎም" ይብል።

ናይ ምረቓ ፌስታኡ ብግቡእ ከምዘይኣኽበረ ዝገልጽ በቃል ኣላምረው ንክልተ ሰሙናት ኣብ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ምስተኣሰረ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ከምዝተወሰደ ሓቢሩ።

ምስ በቃል ኣላምረው ዝተሰደደ ጋዜጠኛ በላይ ማናየ ብወገኑ ካብ 4 ኪሎ ናብ ገዝኡ እንዳኸደ እንከሎ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣሰረ የዘንቱ።

ንሱ፡ ከባቢ ሰዓት 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ ብፌደራል ፖሊስን ኣባላት ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሉ “ብቀጥታ ናብ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ተወሲደ" ይብል።

በላይ ኣብ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ንሰለስተ ሰሙን ከምዝተኣሰረን ሓንሳብ መቐበሊ ቃል ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ጸዊዖም “ሚድያታት ተጠቒምካ ድምጺ ፋኖ ትኸውን ኣለኻ። እቲ ዘሎ ኩነታት ንኽጋደድ ትሰርሕ ኣለኻ" ከምዝበልዎ ተዛሪቡ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ንኣስታት 26 መዓልትታት ምስተኣሰረ ድማ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ከምዝተሰጋገረ ንቢቢሲ ገሊጹ።

'መዓዝ ከምዝመውት እየ ዝሓስብ ነይረ'

ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብሰንኪ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ሽሙ ብሰናይ ዘይልዓል ኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ መዓስከር ንኣዋርሕ ዝተኣስሩ በቃልን በላይን ዝነበሮም ግዜ "ከቢድ" ክብሉ ይገልጽዎ።

"[ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ምስ በጻሕና] ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዋሽ ዝነበሩ እሱራት ረኺብና። የመና ተጎሳቝሎም ስለዝረኸብናዮም ኣብ ውሽጥና ዝተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ነይሩና" ይብል።

እቲ መዓስከር ብጫካ ዝተኸበበን ምስ ሩባ ኣዋሽ ዝዳወብን ምዃኑ እቶም ጋዜጠኛታት ይገልጹ።

ጋዜጠኛ በላይ ማናየ “ኣብቲ መዓስከር ሰልጠንቲ ወተሃደራት ኣለዉ። ኣብቲ ዝተኣሰርናሉ ገዛ ዝሕልዉ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኣለዉ" ኢሉ።

በላይ ናብ ኣዋሽ ምስ ተወሰደ፡ ብዛዕባ ሃለዋቱ ንስድራቤቱ ንምሕባር ክልተ ሰሙን ክጽበ ግድን ነበረ። ኣብተን ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊ መዓስከር ዘሕለፈን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዘይካ ምስቶም ምስኡ ዝተኣሰሩ ምስ ካልእ ሰብ ኣይተራኸበን።

“ካብ ደገ ዝኣቱ ሰብ የለን፤ ጠበቓ የለን። ስድራቤት የለን። ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፤ "ሓደስቲ ሰባት ክመጹ ከለዉ፡ እንታይ ይኸውን ኣሎ ኢልና ንሓትት" ክብል ይዝክር።

በላይ ማናየ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ኩነታት ክገልጽ ከሎ፡ "ካብቶም ወተሃደራዊ ሰልጠንቲ ዝተፈላለየ ምፍርራሕ ይመጸና ነይሩ" ኢሉ።

"ከም ምሩኻት እዮም ዝቖጽሩና። ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሲቪል ስራሕ ከም ዝጸናሕናን ክኢላታት ምዃንናን ኣይርድኦምን እዩ" ይብል ወሲኹ።

በቃል ኣላምረው እውን ብተመሳሳሊ “ንሕና ከም ወተሃደራት ኣብ ውግእ ዝተማረኽና ይመስሎም። ከም ምሩኻት ኢና ንቑጸር። ኣሊሽና ኣሊሽና ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ረኺብናዮም ኢሎም ይቕልዱልና ነይሮም” ይብል።

"ንጋዜጠኛታት ከም ዓብዪ ጸላኢ እዮም ዝቖጽሩና። ክቐትሉና ምዃኖም ይነግሩና ነይሮም። ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይንቀርብ፡ ከም ዘይንኽሰስ፡ ካልእ ስጉምትታት ግን ኣብ ልዕሌና ከም ዝውሰድ ሓቢሮምና" ይብል።

"ኣብዚ በረኻ ክመውት እየ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ። ብዛዕባ ሞት እየ ዝሓስብ ነይረ። እቲ ዘገድሰና ዝነበረ ሞት ጥራይ እዩ። መዓስ ከም ዝመውት እሓስብ" ክብል ኣብቲ እዋን ዝነበሮ ሓሳብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጋዜጠኛ በላይ ማናየ እውን "ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሒ ኢና ኔርና። መዓልታዊ ሞትን ሕየትን ኢና ንነብር ኔርና” ይብል።

ሓደ መዓልቲ ግን ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝመላለስ ሓሳብ ዝስዕር ፍጻመ ተኸሲቱ። ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈቲሖም።

ቅድሚ ምፍታሖም ግን ሰለስተ ኣባላት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ሓደ ኣባል ፖሊስ ፌደራልን በበይኖም ከምዘዘራረብዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ፀጥታ፤ “መጀመርታ ቁጽሪ ተሌፎንካን ኣድራሻኻን ክትቅይር ኣይትኽእልን ኢኻ። "ብዛዕባ ማእሰርትኻን ሃገራዊ ኩነታትን ንማዕከናት ዜና ዝኾነ ቃለ መሕትት ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ዝብል መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦም ተዛሪቦም።