ዩናይትድ ማዕረ፡ ቸልሲ ኸኣ ክትሰዓር ይግመት

Published

ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ዝዀነ ክሪስ ስቶንስ፡ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ጸወታታት ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣመልኪቱ ካብ ዝሃቦ ግምታት፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ፣ ቸልሲ ድማ ኣብ ሜዳኣ ክትሰዓር እያ ዝብል ገምጋም ሂቡሉ'ሎ።

ብሓፈሻኡ ግምታት ስቶንስ ኣብ መበል 31 ሰሙን ጸወታታት ፕረሚየርሊግ እንግሊዝ ብኸምዚ ዝስዕብ ይንበብ፤

ኣስቶንቪላ - ኒውካስል

ክልቲአን እዘን ጋንታታት ኣብ ጽቡቕ ቍመና እየን ዝርከባ። ኣስቶንቪላ ኣብ ዝሓለፈ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ጸወታታት ዓወት ኣመዝጊባ እያ።

ኒውካስል’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ግጥማታ ዓወት ቀኒዑዋም ሓምሻይ ተኸታታሊ ዓወት ከተመዝግብ ሓሊና እያ ናብ ቪላ ኣምሪሓ ዘላ።

ስቶንስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጸወታ ብማዕረ ውጽኢት ክዝዛዘም ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ኒውካስል ምስ ብሬንትፎርድ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ ጸወታኣ፡ ተጻወትታ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ ዕረፍቲ ዘርኣይዎ ብቕዓት ዝድነቕ እዩ። ስለዚ እዚ ጸወታ ብዓወት ኒውካስል ክፍጸም ተኽእሎኡ ዓቢይ እዩ።

ግምት፡ ኣስቶን ቪላ 1 - 2 ኒውካስል

ቸልሲ - ብራይተን

እታ ኣብ ዘይርጕእ ኵነታት እትርከብ ቸልሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ጸወታኣ ጐል ዝበሃል ኣየመዝገበትን። ላምፓርድ ኣሰልጣኒ ኰይኑ ዳግማይ ናብታ ጋንታ ድሕሪ ምምላሱ’ውን እንተዀነ፡ ኣርባዕተ ተኸላኸልቲ ኣኽቲቱ’ውን ብዎልቭስ ተሳዒሩ እዩ።

ላምፓርድ፡ ንጋንታኡ ቅልጡፍ ዓወት ከምጽኣላ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ። እንተዀነ፡ እታ ዓወት ሓሪምዋ ዘሎ ለንደናዊት ክለብ፡ ካብ ብራይተን ነጥቢ ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ ምዃኑ እዩ ስቶንስ ዝግምት።

እቶም ብማራኺ ጥበብ ጸወታ ዘርእዩ ብራይተናውያን ኣብ ዝሓለፈ ብቶተንሃም ዝተመንጠልዎ ነጥቢ፡ ሎሚ ካብ ቸልሲ ክከሓስዎ ምዃኖም ዘሎ ግምት ልዑል እዩ።

ግምት፡ ቸልሲ 0 - 1 ብራይተን

ኤቨርተን - ፉልሃም

ፉልሃም ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው ዳርጋ ካልእ ጋንታ እያ ኰይና። ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ጸወታታት ተሳዒራ እያ። ማርኮ ሲልቫ፡ ካብዚ ግጥም ምስ ኤቨርተን ነጥቢ ንምርካብ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።

እዚ ግጥም ነታ ናብ ታሕተዋይ ሊግ ንዘይምምላስ ትጽዕር ዘላ ኤቨርተን ወሳኒ ስለዝዀነ፡ ክትዕወት ከገድሳ እዩ።

ግምት፡ ኤቨርተን 1 - 0 ፉልሃም

ሳውዝሃምፕተን - ክሪስታል ፓላስ

ኣብዚ ጸወታ ግምት ምሃብ ኣመና ከቢድ እዩ። እታ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ዘላ ሳውዝሃምፕተን፡ ግጥም ሞትን ሕየትን ከተካይድ ምዃና ርጕጽ እዩ።

ክሪስታል ፓላስ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ቅድም ዓላሚኣ ሮይ ሆድሰን ካብ እትኣቱ ኣብ ክልቲኡ ጸወታኣ ዓወት ቀኒዑዋ’ሎ።

እታ ኣብ ሓደ ወርሒ’ውን ሓሙሽተ ሸቶታት ከተቝጽር ዘይከኣለት ዝነበረት ፓላስ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ሊድስ ዘመዝገበቶ ሓሙሽተ ሸቶታት ኣገራሚ ፍጻመ ኰይኑ እዩ ተመዝጊቡ።

ሳውዝሃምፕተን ብወገና፡ ግድን ዓወት ስለዘገድሳ እቲ ግጥም ሓያል ክኸውን ከም ዝኽእል ብኣጋ ይግመት።

ግምት፡ ሳውዝሃምፕተን 1 - 1 ክርስታል ፓላስ

ቶተንሃም - ቦርንማውዝ

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ንቦርንማውዝ ዝተሓተ ግምት እዩ ነይሩኒ። እንተዀነ፡ እዛ ጋንታ ብእተመዝግቦ ዘላ ውጽኢት ክድነቕ ጀሚረ’ለኹ፡ ይብል ስቶንስ።

ኣብ ዝሓለፈ ምስ ሌስተር ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ፡ ብርግጽ ዓወት ዝግባኦም እዩ ነይሩ። እንተዀነ ናብ ቶተንሃም ተጓዒዞም ክዕወቱ እዮም ዝብል ግምት ግን የብለይን።

ቶተንሃም ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ፡ ብብራይተን ክትሰዓር እያ ዝብል ግምት እዩ ነይሩኒ። እንተዀነ ካብዚ ጸወታ ዕድላ ጸቢቝ ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ።

ቦርንማውዝ ካብዚ ጸወታ ነጥቢ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ ኢለ እሓስብ እየ፤ እንተዀነ ሶንን ኬንን ክዝክር እንከለኹ ድማ እቲ ጸወታ ንረብሓ ቶተንሃም ክኸውን’ዩ ኢለ እድምድም።

ግምት፡ ቶተነሃም 2 - 0 ቦርንማውዝ

ዎልቭስ - ብሬንትፎርድ

ብሬንትፎርድ፡ ዓወት ካብ እተመዝግብ ኣርባዕተ ጸወታታት ሓሊፉዋ’ሎ። ኣብ ሊግ ኣውሮጳ ንምስታፍ ዕድል ዘለዋ ብሬንትፎርድ፡ ከም ኣጀማምራኣ ኣፈጻጽማኣ ከተጸብቕ ከምእትደሊ ርጕጽ እዩ።

እዚ ዓመተ ውድድር ዝኸበዳ ዎልቭስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታኣ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ዘመዝገበቶ ዓወት ዓቢይ ምንቕቓሕ ክፈጥረላ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ጸወታ ብውሑዱ ዘይክትስዓር ትኽእል እያ ኢለ እግምት።

ግምት፡ ዎልቭስ 1 - 1 ብሬንትፎርድ

ማንቸስተር ሲቲ - ሌስተር ሲቲ

ዘተሓሳስበኒ ብዛዕባ ኣሰልጣኒ ለዲን ስሚዝ እዩ፤ ንክለብ ሌስተር ዝተረከበሉ ግዜ ብመሰረቱ ጥዑም ኣይኰነን።

ናብ ሜዳ ኣልኢቲሓድ ኬድካ ንማንቸስተር ሲቲ ምስዓር ፈጺሙ ዘይከኣል ሓላፍነት እዩ ተጻዒንዎ ዘሎ።

ሲቲ፡ ተሪፍዋ ኣብ ዘሎ ኵሉ ጸወታታት እንተተዓዊታ ቻምፒዮን ምዃና ከተረጋግጽ እያ። ስለዚ፡ ዝዀነ ጸወታ ንሲቲ ናይ ዋንጫ እዩ። ኣብ ጻዕሪ ንእትርከብ ሌስተር ከኣ እዚ ጸወታ ኣመና ወሳኒ እዩ።

ግምት፡ ማንቸስተር ሲቲ 3 - 0 ሌስተር ሲቲ

ሰንበት

ዌስትሃም - ኣርሰናል

እዚ ግጥም፡ ኣርሰናል ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣንፊልድ ዝኸሰረቶ ነጥቢ፡ ናብ ዓወት እተቋምተሉ ወሳኒ ግጥም ክኸውን እዩ። 2 ብ 0 ክትመርሕ ጸኒሓ መወዳእታኡ ማዕረ ዝተፈላለየት ጋንታ፡ ዳርጋ ከም ዝተሳዕረት ዝሕሰብ’ኳ እንተዀነ፡ እቶም መድፍዐኛታት ነታ ካብ ሊቨርፑል ዝረኸብዋ ሓንቲ ነጥቢ፡ ብኽብሪ ክትርአ እዩ ዝግባእ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ዌስትሃም ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ፡ ኣርሰናል ነቲ ምስ ሲቲ ዘለዋ ፍልልይ ነጥቢ ኣጽኒዓ ክትቅጽል ትኽእል እያ ዝብል ግምት እዩ ዘለኒ።

ዌስትሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፉልሃም’ኳ እንተሰዓረት፡ ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን፡ ጽባሕ ሰንበት’ውን ክትሰዓር እያ ኢለ እየ ዝግምት።

ግምት፡ ዌስትሃም 0 - 2 አርሰናል

ኖቲንግሃም ፎረስት - ማንቸስተር ዩናይትድ

እዚ ጸወታ፡ ብፍላይ ንኖቲንግሃም ዓቢይ ትርጕም እዩ ዘለዎ። ኣብ ዞባ ምምላስ እትርከብ ኖቲንግሃም፡ ኣከታቲላ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ጸወታኣ ዓወት ዝበሃል ኣይረኣየትን።

ምምላስ ካሲሜሮ ካብ መቕጻዕቲ ንማንቸስተር ዩናይትድ ሓይሊ ዝህብ ምዃኑ ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ጸወታ ግን ዩናይትድ ክትስዕር እያ ዝብል ግምት የብለይን።

እታ ኣብ ሜዳኣ ጽቡቕ እትጻወት ኖቲንግሃም፡ ኣብዚ ናይ ጽባሕ ጸወታኣ ማዕረ ነጥቢ ክትማቐል እያ ኢለ እግምት።

ግምት፡ ኖቲንግሃም ፎረስት 1 - 1 ዩናይትድ

ሰኑይ

ሊድስ - ሊቨርፑል

ኣብዚ ናይ ሰኑይ ጸወታ፡ ካብ ሊቨርፑል እንታይ ዓይነት ጸወታ ክጽበ ምዃነይ ክግምት’ውን ኣይክእልን። እታ ኣንጻር ኣርሰናል ዝረኣናያ ሊቨርፑል ካልእ ትድነቕ ጋንታ እያ ነይራ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ድኽም ኢላ ዝጅመረት’ሞ ኣብ ካልኣይ ተኣምር ዝዀነ ጸወታ ዘርኣየት ሊቨርፑል፡ እቲ ብቕዓት’ቲ ኣብ ናይ ሰኑይ ኣንጻር ሊድስ እተካይዶ ግጥም ክትደግሞ እያ ኢለ ግን ኣይግመትን።

ግምት፡ ሊድስ 1 - 1 ሊቨርፑል