ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ተቐይዱ

ምንጪ ስእሊ, Police Scotland
ምስቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ግላስጎ ስኮትላንድ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ዝተቐተለ ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብ5 መጋቢት ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቈሲሉ ተረኺቡ።
ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከም ዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ።
ፖሊስ ስኮትላንድ፡ ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ተኸሲሱ ከም ዘሎን ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤትፍርዲ ግላስጎ ከም ዝቐርብን ሓቢሩ።
ኣቐዲሞም ክልተ ኮተቴታት'ውን ብቕትለት ኣሜን ተኻላይ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዝርከቡ ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
እቲ ሓደ ወዲ 14 ዓመት ኰይኑ፡ ንኣሜን ብኻራ ወቒዑ ተባሂሉ ብቕትለትን መጥቃዕትን ክሲ ክምስረተሉ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ክሱስ ወዲ 15 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ክሲ ተመስሪቱዎ ኣሎ።

ምስ ኣቦኡ ኣብ ግላስኮ ዝነብር ዝነበረ ኣሜን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 'ንኽጸንሕ' መሰል ተዋሂብ ነይሩ'ዩ።
ኣሜን ተኽላይ ኣብ ጆርዳንሂል ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ'ዩ ዝምሃር ነይሩ።
ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣሜን ኣብ ሙዚቃን መራኸቢ ብዙሃንን ዝግደስን ምስ ኵሉ ዝወሃሃድ ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ።
ጓል 17 ዓመት ሓፍቱ ደሊና ኣቐዲማ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣሜን ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያ ረኺቡ ዶክተር፡ መሃንድስ ወይ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ክኸውን ይህንጠ ምንባሩ ገሊጻ።
ኣሜን ኣብ ግላስኪ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት'ዩ ተቐሚጡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
