ካናዳ፡ መጥቃዕቲ ካራ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ኣሕዋት እቲ ሓደ ሞይቱ ተረኺቡ  

Published

ካብ ጥርጡራት እቲ ብሰንበት ኣብ ሳስካችዋን ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሓደ፡ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣስከሬን ናይቲ ደምያን ሳንደርሰን ዝተባሃለ ጥርጡር ኣብቲ ብዙሓት ግዳያት ዝርከቡሉ ከባቢ ጀምስ ስሚዝ ክሪ ነሽን እዩ ተረኺቡ።

እቶም ብካራ 10 ሰብ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ መንእሰያት ኣሕዋት ከምዝኾኑ  ዝሓበረ ፖሊስ፡ ማይልስ ሳንደርሰን ግን ኣብ ከተማ ረጂና ክህሉ ከምዝኽእል ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካናዳ ካብ ዝተፈጸሙ  እቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ካልኦት 18 ሰባት እውን ቆሲሎም እዮም።

ነበርቲ፡ እቲ ሓደ ጥርጡር ይህደን ከምዘሎ ዝገልጽ ተደጋጋሚ ናይ መጥንቀቕታ መልእኽቲ ናብ ስልኮም ይለኣኸሎም ኣሎ።

ኣብቲ ኣለሻ፡ ፖሊስ ግዝኣታት ሳስከችዋን፣ ማኒቶባን ኣልበርታን ይሳተፉ ኣለዉ።

ፖሊስ ነቲ ኣብ 13 ከበቢታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምጽራይ ዘለዉ ኮይኖም፡ እቶም ጥርጡራት ብቕትለት ተኸሲሶም እዮም።

ብተወሳኺ እቲ ሞይቱ ዝተረኸበ ጥርጡር ኣብ ሰብነቱ ዝረኣይ ጉድኣት ከምዘለዎን ንባዕሉ ዝጎደአ ከምዘይመስልን ተገሊጹ።

ኣብ ቀይዲ ዘይወዓለ ሳይረስ እውን ተመሳሳሊ ኣካላዊ ጉድኣት ክህልዎ ከምዝኽእልን ናብ ማእከል ሕክምና ክቕልቀል ተኽእሎ ከምዘሎን ፖሊስ ኣፍሊጡ፤ ኣብ ቅትለት ሓዉ ኢድ እንተለዎ ግን ኣይተገለጸን።

እቲ ጥርጡር ተደጋጋሚ ገበን ብምፍጻም ዝተመዝገበ እዩ።