እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ካናዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብውሑድ 10 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ካናዳ ግዝኣት ማእከላይ ሳስካችዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብውሑድ 10 እንትሞቱ ካልኦት 15 ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።
እቶም ግዳያት ኣብ 13 ቦታታት ዝተረኸቡ ኮይኖም ነቲ መጥቃዕቲ ብፍምጻም ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ንምሓዝ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።
ነበርቲ ካብቶም ዝተዓጠቑን ሓደገኛታትን ከም ዝዀኑን ዝተገለጸ ዕጡቓት ንባዕሎም ክሕልዉ እውን ተነጊርዎም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ጀሚስ ስሚዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ካራ ኣብ ካናዳ ካብ ዘጋጠሙ ቀተልቲ ፍጻመታት ሓደ ኰይኑ፡ ናብ ሞባይል ስልኪ ነበርቲ እታ ግዝኣት ሓደገኛ ሰባት ከም ዘለዉ ዝገልጽ መልእኽቲ መጥንቀቕታ ተላኢኹሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ እቲ ሓደጋ “ዘሰንብድን ልቢ ዝሰብርን” ክብል ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።
ፖሊስ ብወገኑ ቁጽሪ ዝቖሰሉ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝኸዱ 15 ሰባት ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ግዳያት ዒላማ ናይቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ከምዝነበሩ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ገሊኦም ግን ብኣልማማ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ምዃኖም ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠሩ ደምያን ኣንደርሰንን ማይለስ ኣንደርሰንን ዝተባህሉ ክልተ መንእሰያት ስእሊ ዘርጊሑ ሃደን የካይድ ኣሎ።