ኣሜሪካ ዩራንየም-ቦምባ ታንኪ ንዩክረይን ከተዕጥቕ እያ

Published

ኣሜሪካ ከም ኣካል ናይቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት፡ ንዩክረይን ቦምባታት ታንክ ከምእተቕርብ ኣፍሊጣ።

ሩስያ ነተን ‘ኣብራምስ’ ብዝብል ዝፍለጣ ታንክታት ኣሜሪካ በቲ ኣካታዒ ዝዀነ ኣጽዋር ንምዕጣቕ ዝተወስደ ስጕምቲ ኮኒናቶ’ላ።

ዩክረይን በቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመን 17 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ ሚሳይል ንሩስያ ኣብ እትኸሰሉ ዘላ እዋን'ዩ ኣሜሪካ ነዚ ዘፍለጠት።

ሎሚ ለይቲ ዩክረይን ከምዘካየደቶ ዝጥርጠር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶንን ኣብ ከባቢ ሞስኮን ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ’ሎ።

ዘይተረጋገጸ ቪድዮ፡ ኣብ ማእከላይ ሮስቶቭ ዝተፈጸመ ፍንጀራ ዝመስል ፍጻመ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣመሓዳሪ ናይታ ከተማ ቫሲሊ ጎሉቤቭ ሓደ ሰብ ቀሊል መቝሰልቲ ከምዘጋጠሞን ብዙሓት መካይን ከምዝተሃረማን ይሕብር።

ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ነታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሩስያ እትርከብ ከተማ ዒላማ ከምዝገበራን ክልቲአን ተወቒዐን ከምዝወደቓን ገሊጹ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌይ ሶብያኒን ብወገኑ ንከተማ ራመንስኮየ ዒላማ ዝገበረት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እውን ተወቒዓ ከምዝወደቐትን፡ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘውረደትን ኣፍሊጡ።

ጸብጻባት ሩስያ ካብ ናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ንዩክረይን ሓድሽ ናይ ጸጥታ ሓገዝ ወግዓዊ ዝግበር ዘሎ፡ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ።

እቶም 120 ሚሜ ዝቝመቶም ቦምባታት ዩራንየም፡ ኣካል ናይቲ 175 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣሜሪካ ንዩክረይን ብሓገዝ እተቕርቦም ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ኰይኖም፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ናብ ዩክረይን ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ይግመት። ‘ኤም 1 ኣብራምስ’ ንዝበሃላ ኣዝየን ዘመናውያን ታንክታት ከምዝውዕሉ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

ጽንቃቕ ዩራንየም [Depleted uranium] ብተፈጥሮኡ ዩራንየም ኰይኑ ግን ከኣ ኵሉ ዘይኮነ ዝበዝሕ ራድዮኣክቲቭ ንጥረ ነገራቱ ክጐድል ዝተገበረ እዩ።

ዩራንየም ኣዝዩ ሓያል ባእታ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ጽንቃቕ ዩራንየም እዩ ነቲ ኣብ ታንክታት ዘሎ ዕጥቂ ንምድልዳል ዝውዕል።

ንብረት ለበስ ታንክታት ንምብሳዕ እውን ኣብ ጫፋት ጥይት ከምኡ’ውን ሞርታርን ታንክን ኣብ ዝትኩስዎም ተተኮስቲ ክግበር ይኽእል።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ሳይንሳዊ ኮሚቴ ሳዕቤናት ኣቶሚክ ጨረርታ፡ ንዝተመናመነ ዩራንየም ምቅላዕ ዘስዕቦ ርኡይ ናይ መርዛምነት ጉድኣት እኳ እንተዘይረኸበ፡ ካልእ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ጸዓት ግን ኣብ ልዕሊ ቍርጽራጽ ናይቲ ዝወደቐ ዩራንየም ዝሕዙ ውልቀሰባት ሓደጋ ጨረርታ ክህሉ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ናብ ዩክረይን ዩራንየም ዘለዎ ዝዀነ ይዅን ተተኮስቲ ከምዘይትሰድድ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ንሚሳይላት ሂማርስ ዝኸውን መሳርሒታት ጸረ-ኣጽዋርን ታክቲካዊ ስለያ ኣየርን ከምኡ’ውን ካልኦት ተተኮስቲ ንዩክረይን ክትህባ እያ።

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ነቲ ውሳነ "መርኣዪ ኢሰብኣውነት" ክብል ብምኹናን፡ ኣሜሪካ "ንውድቀት ናይቲ ሰራዊት ዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ጸረ-መጥቃዕቲ ዝበሃል [ወፍሪ] ከይትቕበል ኣብያ ንነብሳ ትደናገር ኣላ" ኢሉ።

ካብ ሰነ ጀሚሩ ዩክረይን ብጸረ-መጥቃዕቲ ዝረኸበቶ ግዝኣታዊ መኽሰብ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተዀነ፡ ጀነራላት እታ ሃገር ግን ነቲ ኣብ ደቡብ ዝነበረ ኣዝዩ ከቢድ ቀዳማይ መስመር ምክልኻል ሩስያ ከምዝጠሓስዎ ይገልጹ።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶነስክ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስትያንቲኒቭካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ህጻን ዝርከብዎም 17 ሰባት ተቐቲሎም።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ በቲ መጥቃዕቲ ንሞስኮ ክወቅስ ከሎ ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበትን።