እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቫግነር፡ 'ግብረሽበራዊ' ክትብል ብሪጣንያ ክትእወጅ እያ
ቫግነር ዝተባህለ ተዋጋኢ ሓይሊ ሩስያ፡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ክምደብ’ዩ።
እዚ ማለት፡ ኣባል ምዃን ወይ ነቲ ትካል ምድጋፍ ዘይሕጋዊ ዝገብር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ባይቶ ክቐርብ ዝተዳለወ እማመ-ትእዛዝ፡ ንብረት ናይቲ ጕጅለ ከም ግብረሽበራዊ ንብረት ተመዲቡ ክውረስ ዘኽእል እውን እዩ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ንቫግነር "ዓማጽን ኣዕናውን...ወተሃደራዊ መሳርሒናይታ ቭላድሚር ፑቲን ዝመርሓ ሩስያ እዩ” ክትብል ገሊጻቶ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዩክረይንን ኣፍሪቃን ዝሰርሖ ስራሕ፡ "ንዓለማዊ ድሕነት ሓደጋ" ምዃኑ’ውን ሓቢራ።
ሱኤላ ብራቨርማን ወሲኻ፡ "ቫግነር ብቐጻልነት ዘካይዶ ዘሎ ዘራጊ ንጥፈታት ንፖለቲካዊ ዕላማታት ክረምሊን ጥራይ እዩ ዘገልግል ዘሎ" ኢላ።
"ኣሸበርቲ እዮም፤ [እዚ] ንጹርን ቀሊልን እዩ። እዚ ትእዛዝ እገዳ፡ ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ንጹር ይገብሮ" ክትብል’ውን ተዛሪባ።
ጕጅለ ቫግነር፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዘካየደቶ ወራር ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ኰይኑ፤ ኣብ ሶርያ ከምኡ’ውን ሊብያን ማሊን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ይንቀሳቐስ።
ተዋጋእቱ ድማ ንዜጋታት ዩክረይን ብምቕታልን ብምግፋዕን ሓዊሱ ብብዙሕ ገበናት ይኽሰሱ።
ኣመሪካ ኣብ 2020፡ ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሊብያ - ትሪፖሊ ነተጕቲ ከምዝቐበሩ ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ሓምለ ድማ እቲ ጕጅለ "ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ቅትለትን ስቅያትን" ከምዝፈጸመ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጻ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መራሒ ቫግነር፡ የቭገኒ ፕሪጎዢን ኣንጻር ወተሃደራዊ መራሕቲ ሩስያ ዝፈሸለ ናዕቢ ብምምራሕ፡ መጻኢ ዕጫ ናይቲ ጕጅለ ናብ ዘይርጕጽነት ክወድቕ ከምዝገበሮ ይዝከር።
ነዚ ጕጅለ ኣብ 2014 ዝመስረተ ፕሪጎዥን ምስ ካልኦት መራሕቲ ቫግነር፡ ኣብቲ ብ23 ነሓሰ ዘጋጠመን 'ሓደጋ' ምዃኑ ዝዝረበሉ ዘሎን ምውዳቕ ነፋሪት ሞይቱ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ስም ናይቲ ጕጅለ ኣብ ጐድኒ ከም ሓማስን ቦኮ ሓራምን ዝበሉ ብሪጣንያ ኣሸበርቲ ዝበለቶም ጕጅለታት ክሰፍር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ሕጊ ግብረሽበራ - 2000 ብሪጣንያ [Terrorism Act 2000]፡ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ንሓደ ትካል ግብረሽበራዊ ኢሉ እንተኣሚኑሉ ናይ ምእጋድ ስልጣን ይህቦ።
መንግስቲ ነቲ ጕጅለ ንኽእግዶ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ካብ ኣባላት ባይቶ ጸቕጢ ተገይሩሉ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት’ውን ተመዓዳዳዊ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ዕዮ ደቪድ ላሚ፡ መንግስቲ ንቫግነር "ኣብ ዩክረይንን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተሓታቲ'ዩ" ብምባል ክእግዶ ተማሕጺኑ ነይሩ።
ላሚ ነቲ ብሰሉስ ዝቐረበ እማመ ብሓጐስ ብምቕባል፡ "እዚ ነዊሕ ዝጸንሐ'ኳ እንተዀነ፡ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ስጕምቲ ምውሳዱ ግን ጽቡቕ'ዩ። ሕጂ መንግስቲ ንፑቲን ብጎነጻዊ ገበን ክኸስስ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽቲ ዘርጊሑ’ሎ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ንብረት ፕሪጎዢንን ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝትን ብምዕጋት ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ እገዳ ከምዘንበረ ይዝከር።
ይዅን እምበር ኣደ መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢን ዓቃባዊት ኣባል ባይቶን ኣሊሻ ኬርንስ ኣብ ሓምለ "እገዳ እኹል ኣይኮነን፤ ዓባይ ብሪጣንያ ንጕጅለ ቫግነር ግብረሽበራዊ ትካል ኢላ ክትእግዶ ኣለዋ" ክትብል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ነይራ።
ጕጅለ ቫግነር ኣብ ሰነ ኣንጻር ጀነራላት ሩስያ ዘካየዶ ፍሹል ናዕቢ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ሞት ላዕለዎት ኣመራርሓኡ ብኸቢድ ከምዝተዳኸመ፡ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ወኪል ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ጽሒፉ’ሎ።
ብሕጊ ምእጋዱ ድማ ኣባላቱ ገንዘብ ንምንቅስቓስ ከምዘጸግሞም እቲ ጋዜጠኛ ሓቢሩ’ሎ።
ብተወሳኺ፡ ዩክሬናውያንን ካልኦትን ንቫግነር ብመንገዲ ኣብያተ ፍርዲ ብሪጣንያ ኣቢሎም ቢልዮናት ፓውንድ ብዝግመት ካሕሳ ክኸስዎ ሕጋዊ መሰረት ዘንጽፍ ክኸውን እዩ።