ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰኖም ጋዜጠኛታት ፖሊስ ይግባይ ብምባሉ ከይተፈትሑ ተሪፎም

ምንጪ ስእሊ, SM
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዞም ካብ መንጐ ዝተኣሰሩ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን፡ ቤት ፍርዲ እቶም ሰለስተ ብዋሕስ ክፍትሑ ክውስን እንከሎ፣ ንካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝምልከት ነጥቢ፡ ንፖሊስ ተወሳኺ ናይ መርመራ መዓልቲ ፈቒዱ።
እቶም ብዋሕስ ክፍትሑ ተፈቒዱሎም ዘሎ ጋዜጠኛታት፡ ማኔጂንግ ዳይሬክተር መጽሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ፣ ወናኒ ገበያኑ ሚድያ ሰለሞን ሹምየን ወናኒት ሮሃ ሚድያ መዓዛ መሓመድን እዮም።
እንተኾነ፡ ቤት-ፍርዲ መሰል ዋሕስ እኳ እንተፈቐደሎም፡ ፖሊስ ይግባይ ብምባሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይተፈትሑ ጠበቕኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ጠበቓ እዞም ጋዜጠኛታት ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ፡ “ፖሊስ ኣብ ብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ናብ ጠቕላላ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ሓቲቱ፣ ዳያኑ ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ሰዓት ስለዘይነበሩ መጋባእያ ይግባይ ነዚ ጉዳይ ኣይረኣዮን” ኢሉ።
ጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዘሎ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ኣራዳ መጋባእያ ኮይኑ፡ እቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ነፍሲወከፎም ብዓሰርተ ሽሕ ብር ዋሕስ ወጺኦም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከታተሉ ወሲኑ ነይሩ።
ጠበቓታትን ስድራቤትን እቶም እሱራት ድማ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ዘድሊ መስርሕ ንምምላእ ይጓየዩ ነይሮም።
እቶም ብዋሕስ ክወፅኡ ዝተበየነሎም ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹሙየ፣ መዓዛ መሓመድን ተመስገን ደሳለኝን ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክምለሱ ከምዝተገበረን ፅባሕ ረቡዕ ውሳነ ክወሃብ ትፅቢት ከምዝገብርን ጠበቓ ሄኖክ ሓቢሩ።
ብኻልእ ዜና ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣራዳ መጋባእያ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ያየሰው ሽመልስን መስከረም ኣበራን ንዘካይዶ ምርመራ ተወሳኺ ሽዱሽተ መዓልትታት ፈቒዱ ኣሎ።
ጠበቓ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ዝኾነ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን፡ ጋዜጠኛ ያየሰው ኣብ ዝመፅእ ሰኑይ እንደገና ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, YAYESEW
ጠበቓ ታደለ፡ ፖሊስ ንጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ "ሚድያ ብምጥቃም ህውከትን ናዕብን ብምልዓል፣ ሃይማኖታዊ ጎንፂ ብምፍጣርን ህዝቢ ኣብ መንግስቲ እምነት ክስእን ገይርካ ብዝብል እዩ ጠርጢርዎ" ኢሉ።
ብመሰረት ሓድሽ ኣዋጅ በዓልስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ በዞም ዝተፀርሑ ጉዳያት ንዝተጠርጠረ ሰብ "ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ይምስርት እምበር፡ ፖሊስ ክምርምር እዩ ዝብል የለን" ብምባል፡ ጠበቓታት እዚ መሰረት ገይሮም እንተተኻትዑ'ኳ፡ ቤት ፍርዲ ፖሊስ ንዘካይዶ ተወሳኺ ምርመራ ሽድሽተ መዓልቲ ከምዝፈቐደ ሓቢሩ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ይገብሮ ዘሎ ምርመራ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝተፈፀመ ጉዳይ ከምዝኾነ ዝሓበረ ጠበቓ ታደለ፡ "ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢትዮ ፎረም ኣብ ቴሌቬዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮ መደብ 'ንእገለ ቃለመሕተት ገይርካ ነይርካ' ዝብል እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ጋዜጠኛ ያየሰው ተሓቲትሉን ተኣሲርሉን ዝነበረ ጉዳይ እዩ፡ ንምንታይ ከምብሓድሽ ምልዓል ከምዝተደለየ ግልፂ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣስታት 18 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ።
ፖሊስ ንመብዛሕትኦም፡ ኣብ መንጐ ብሄራትን ሃይማኖታትን ናዕቢ ብምልዕዓል ክሲ ከም ዘቕረበሎም ቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ጃምላዊ ማእሰርቲ እቶም ሰብሞያ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺአ ነይረን።
መንግስቲ ግን እቶም ዝተኣሰሩ ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት እምበር “ምስ ሞይኦም ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት የለዉን ኢሉ” ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
