እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ሃዲመ ወጺአ' ሳምኤል ወልዳይ
ኣብዚ ቅንያት ሳምኤል ወልዳይ ዝተበሃለ ተቓላሲ ደምበ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ንፍሉይ ስርሒት ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ተታሒዙ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዝርከብ ‘ካርሸሊ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ ከምዝወጽአ ዝገልጽ ዜናታት ክጋዋሕ ቀንዩ።
ሳምኤል ወልዳይ መን’ዩ? ንምንታይ’ዩ’ኸ ናብ ኣስመራ ኣትዩ? መዓስ ተታሒዙ? ብኸመይ’ከ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ? ምስ ቢቢሲ ንውሕ ዝበለ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ - እንሆ፤
መተሓሳሰቢ፡ ሳምኤል፡ ንድሕነት እቶም ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎን ኣብ ዘዕረፈሉ ዝተፈላለየ ቦታታት ምስኡ ዝተራእዩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ እዋናዊ ስእሉ ከይንጥቀም ስለዝተማሕጸነና ህሉው ስእሊ ከምዘይተጠቐምና ንሕብር። ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ንዛንታ ሳምኤል ወልዳይ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ቢቢሲ፡ ድሕረ ባይታኻ ኣላልየና
ሳምኤል ወልዳይ፡ ሳምኤል ወልዳይ ገብረቃል እብሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ተወሊደን ዓብየን። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣብ መወዳእታ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ። ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታትን ተዋጋኢ ሰራዊትን ሰሪሐ። ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ሰሪሐ። ዳሕራይ ናብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ተመዲበ፤ ካብ ‘ግራውንድ መይንተናንስ ሲንየር መካኒክስ’ ክሳብ ማናጀር ኰይነ ሰሪሐ።
ኣብኡ እንከለኹ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታት ስለዘጋጠመኒ፡ ኣብ 2004 ካብ ኤርትራ ወጺአ ናብ ኣሜሪካ ኣትየ። ኣብ ፐንሰልቪንያ ኣብ ሓደ ካተርፒለር ካምፓኒ፡ ሃይድሮሊክ መካኒክ ሰሪሐ፤ ካብኡ ናብ ስያትል ቀይረ ኣብኡ’ውን ይሰርሕ ነይረ።
ኣብ መወዳእታ ናይ ሃገርና ኵነታት ባህ ዘብል ስለዘይነበረ፡ ካብ 2010 ጀሚረ ናብ ቃልሲ ብምእታው ብዝተፈላለየ መንገዲ ይቃለስ ነይረ። ኣብ 2018 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ሓደ ትካል ክኸፍት ወሲነ። እዚ እናገበርኩ እንከለኹ ኣብቲ ቃልሲ ብትርር ዝበለ ነገር ንምስታፍ እቲ ዝነበረኒ ትካል ደው ኣቢለ ዝነበረኒ ገንዘብ ናብቲ ምንቅስቓስ እቲ ቃልሲ ብምውዓል ናብቲ ቃልሲ ብኣካል ኣትየ። እቲ ዘጋጠመኒ ከኣ ኣብቲ ሰዓት እቲ’ዩ።
ቢቢሲ፡ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ዝተፈራረማሉ እዋን’ዩ ነይሩ፡ ሰላም እናተባህለ ናብ ትርር ዝበለ ዝበልካዮ ቃልሲ ምእታው ይጠዓዓምዶ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ቅድሚኡ’የ ኣብኡ ነይረ። ኣጋጣሚ እቲ ዶብ ክኽፈት እንከሎ ኣዲስ ኣበባ’የ ነይረ። ዶብ ይከፈት ዝመጸ ሰላም መጺኡ ይበሃል ብዘየገድስ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክሳዕ ዘየልገሰ ኣብ ሃገርና ብፍጹም ሰላም ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ኵናት፡ ደም ምፍሳስን ኣውያትን ደው ዝብል ኣይኮነን። ስለዚ ከምኡ ስለዝነበረ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየ ዝረኽቦም ሰባትን ሓደ ሓደ ዝሰርሖም ስርሓትን ነይሮም’ዮም። እዚ ታሕሳስ 2018’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ካብኡ ሰላም ምስ ኮነ ናብ ኣስመራ ኣትየ፤ ኣብ ኣላስካላ [ሆቴል] ሰለስተ መዓልትን ክልተ ለይትን ገይረ ነቶም ዝመደብክዎም ሰባት ረኺበ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ።
ዶብ ምስ ተዓጸወ’ውን ናይ ግድን ክኣቱ ስለዝነበረኒ፡ ብ13 ሰነ 2019 ብእግረይ ናብ ኤርትራ ኣትየ። ንደቀምሓረ ምስ ኣተኹ ሓደ ካብቶም ዝወደብናዮም ኮሎኔል ነይሩ፡ ንዕኡ ረኺበዮ። [ንሱ ግን] ሓሳቡ ቀይሩ ካልእ ዘረባ ምስ ኣምጽአ ብዘይሓሰብክዎ መንገዲ፡ ኣብ እንዳ ኢንተርነት እንከለኹ ክልተ ሰብ ከላሽንን ሓደ በዓል ሽጉጥን መራሒ መኪናን ኣባላት ጸጥታ መጺኦም ሒዞሙኒ።
ቢቢሲ፡ ንምንታይ ዕላማ ኢኻ ናብ ኣስመራ ትመላለስ ነይርካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እቲ ዕላማ ብዝርዝር ክነግረካ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝኾነ ብሕጽር ዝበለ፡ እቲ ቃልሲ ናይ ሓባር ቃልሲ ስለዝዀነ፡ ኣብኡ ዝወደብናዮም ሰባት ስለዝነበሩ ናይ ግድን ክረኽቦም ስለዝነበረኒ’የ ዝኣቱ ነይረ።
ኣብ ዝሃለና ኩርናዕ ዓለም ንሃሉ ብዘየገድስ ክንቃለስ እንተዄንና ተራኺብና ክንመያየጥ ስለዘለና፤ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም እናኸድኩ’ውን ከምኡ ይገብር ነይረ’የ። እዚ’ውን ክፋል ናቱ’ዩ፣ እቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝረኸብክዎ ኮሎኔል ’ውን ሓደ ካብኦም’ዩ።
ቢቢሲ፡ ካብኡ ናበይ ተወሲድካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ናብ ኣስመራ ወሲዶም፡ ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል ዝርከብ ሓደ ናይ እንዳ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት’ዮም ወሲዶሙኒ። ሳሎን ዘለዎ ዓቢ ኦፊስ’ዩ። ኣብኡ ሰለስተ ሓለፍቲ ጸኒሖሙኒ። ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ኣቢሉ እየ ኣትየ። ኣብኡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ጸኒሕና ዝተፈላለየ ሕቶታት ሓቲቶሙኒ።
ናብ ኤርትራ ክኣቱ እንከለኹ መንነተይ ቀይረ’የ ኣትየ። ስመይ ካልእ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርታ ኣይፈለጡንን። መን’ዩ ሰዲዱካ ኢሎም ብዙሕ ኣዋጢሮሙኒ ክሃርሙኒ’ውን ጀሚሮም።
ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብኦም ስኢሉኒ ከይዱ። ብኸመይ ኣረጋጊጽዎ ኣይፈልጥን መጺኡ እሸቱ ወልዳይ ምዓስ ድኣልካ ሽምካ ቀይርካ ኢሉኒ። ብኸምዚ ፈሊጦሙኒ። ኢደይ ንድሕሪት’የ ተኣሲረ ነይረ። ምዓስ ተሰሊፈ ነጊረዮም። ከምታ ተኣሲረያ ዝነበርኩ ከኣ ናብ ግቢ ወሲዶም ደርብዮሙኒ።
ቢቢሲ፡ እዚ ዅሉ ዝተፈጸመሉ ዕለት ክንደይ እዩ ነይሩ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እዚ 14 ሰነ 2019’ዩ ነይሩ። ንጽባሒቱ ኸኣ እቶም መጀመርታ ዝመርመሩኒ ሒዞም ናብ ሓሙሻይ መደበር ወሲዶሙኒ። እቲ ገዛውቲ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝወጻእክሉ ገዛውተይ ዝነበረ’ዩ። ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ከኣ ንዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣቢለ ኣብኡ ነይረ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ንበይንኻ ዲኻ ተኣሲርካ ነይርካ፡ እንድሕር ካልኦት መተኣስርቲ ነይሮምኻ፡ ከመይ ዝበሉ ሰባት’ዮም ምሳኻ ነይሮም?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ኣብ ናይ በይነይ ሸላ’የ ነይረ። ፌሮ ኣብ ኢደይ ኣሎ። ጸሓይ ክርኢ ኣይፍቀደንን’ዩ ነይሩ። ኣብኡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ጸኒሖምኒ። ደቂ ተጋደልቲ፡ ደቂ ስውኣት፡ ደቅና’ዮም ኣብቲ ቃልሲ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝሳተፉ ዝነበሩ’ዮም። ኣነ ኣብኡ እንከለኹ’ውን ዝተወሰኹ ነይሮም። ብድሕሪ እዚ ናብ መንደፈራ ቀይሮሙኒ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንድሕር ካብ ሸላ ዘይትወጽእን በይንኻን ነይርካ ብዛዕባ እቶም ካልኦት እሱራት ብኸመይ ኢኻ ክትፈልጥ ክኢልካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ወዲ ሰብ ዝተኣሰረ እንተተኣሰረ መትሓዚ የብሉን፣ ናትካ ጥበብ ተጠቒምካ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓበሬታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ስለዝዀንኩ’የ ኣብ ውሽጢ ሸላ እንከለኹ ሰባት ክውድብ ክኢለ፡ ዳርጋ ኣርባዕተ ጕጅለ ዝዀኑ ሰባት ወዲበ ነይረ።
ጉድጓድ ፍሒርና፡ መንደቕ ኣፍሪስና፡ ፍኒስትራ ሰይርና ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክንወጽእ ፈተነታት ንገብር ነይርና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ፊት ዝነበረት ፍኒስትራ ብምስባር ኵላትና ክንሃድም’ኳ መደብ እንተነበረ፡ እቲ ምህዳም ምስ ተጀመረ፡ እቶም ከምዚ ግበሩ ዝተባህሉ ከምቲ ዝተባህልዎ ስለዘይገበሩ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ሃዲሞም። ስለዚ ዘይክኣል ነገር የለን።
ቢቢሲ፡ ኣብ ሸላ በይነይ’የ ነይረ እናበልካ እዚ ዅሉ ክግብር ኣየጸግምን ዶ? ኣብቲ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንከለኻ’ኸ ትምርመር ነይርካ ዲኻ?
ቢቢሲ፡ ናብቲ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምስ መጻእኩ ንጽባሒቱ ሓደ ካብቶም መርመርቲ ካብ ሸላይ ወሲዱ ናብ መመርመሪ ወሲዱኒ። ሰለስተ ብሰለስተ ትኸውን መህረሚ መገምጠሊ ኵሉ ዘለዋ ክፍሊ እያ። ንዓይ ኣይሃረሙንን ብዙሕ ሕቶታት ግን ይሓቱኒ ነይሮም። እቲ መርመራ ንግሆን ምሸትን ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ቀጺሉ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከለኹ ብዙሕ ይሓምም ነይረ። እቲ ቤት ማእሰርቲ’ውን ብዘይ ብእኡ ቀታሊ’ዩ። ብድሕሪ እዚ ናብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ።
ቢቢሲ፡ መዓስን ንምንታይን ኢኻ ናብ መንደፈራ ተወሲድካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ኣይፈለጥኩን፡ ከምዝሰምዖ ዝነበርኩ በዓል ኣሮን ታደሰ በዓል ሸኽ እቶም ዝሙቱ ሽሞም ረሲዐየ ሸኽ . . . [ክዝክር ይፍትን]
ቢቢሲ፡ ሓጂ ሙሳ ድዮም?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ እወ ኣብኡ’ዮም ሞይቶም። ዓሰርተ፡ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበሩ ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ እሱራት ኣብኡ ነይሮም። ንኣብነት ወዲ ኣሜሪካ ዝበሃል ነይሩ ካብቶም ብጥሪ 21 ስርሒት ፎርቶ ዝተኣሰሩ። ብድሕሪ’ኡ ናብ ወንጀል መርመራ’ዮም ዝወስድዎም። ንዓይ’ውን ናብኡ ይወስዱኒ ይዀኑ’ዮም ዝብል ጥርጣረ ነይሩኒ። ንዓይ ግን ንደቡብ ገጾም ወሲዶም ናብ ፎርቶ መንደፈራ ወሲዶሙኒ።
ሕጂ ክሓስቦን ክሰምዖን እንከለኹ፡ እቶም ካብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ዝሃደሙ ሰለስተ ቈልዑ ብሰላም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፤ ሳምኤል ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ኣሎ ንሱ’ዩ ኣህዲምና ኢሎም ከምዝተዛረቡ ሰሚዐ። ነዚ ዘረባ ስለዝሰምዑ’ዮም ዝዀኑ ናብቲ ዝጸበበን ዝኸፍአን ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሙኒ።
ቢቢሲ፡ ናብ ፎርቶ መንደፈራ ምስ ተወሰድካ ኣብኡ ሰብ ጸኒሖሙኻ’ዶ? እቲ ቤት ማእሰርቲኸ ከመይ’ዩ ዝመስል?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እቲ ቤት ማሰርቲ ናይ እንዳ ጸጥታ እዩ። ኣዝዩ ጽንኩርን ጸቢብን’ዩ። እታ ኣነ ዝነበርክዋ ሸላ 2 ብ 2 ሜትሮ ፍኒስትራ ዘይብላ’ያ ነይራ።
ኣብኡ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምሳና ተኣሲሩ ዝነበረ ተቓላሳይ ኣብኡ ጸኒሑኒ። ብነዃል እየ ርእየዮ። ንሱ’ውን ኣቐዲሙ ግዲ ርእዩኒ ኰይኑ፡ ካብ ኣሜሪካ ዝተማላእክዋ ጐልፎ ነይራ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንከለና ዝሃብክዎ። ክፈልጦ ግዲ ሓሲቡ ነታ ጎልፎ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣብቲ ማዕጾ ሰጢሑዋ ኣነ ኸኣ በዚኣ ንሱ ምዃኑ ኣለልየዮ።
ጋዜጠኛ ዓብዱ ሄጂ’ውን ኣብኡ ሰለስተ ዓመታት ገይሩ ጸኒሑኒ። ኣብ ጥሪ 2021 ግን ናበይ ምዃኖም እንድዒ ካብቲ ቦታ ወሲደሞ። ድሒረ ናብ ካርሸሊ ምስ ተወሰድኩ ግን ኣብ ካርሸሊ ከምዘሎ ፈሊጠ። ካብ ኣሜሪካ ዝመጽአ ኣብርሃም ነጋሲ ዝበሃል ሰብ’ውን ኣብኡ ተኣሲሩ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ዕለት ክንደይ ኢኻ ካብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ናብ መንደፈራ ተቐይርካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ዕለት ኣይዝክሮን’የ ወርሒ መስከረም 2020’ዩ ነይሩ። ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምሳይ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዝገበረ ፌሮ ናብ መንደፈራ ምስ ከድኩን ብሕማም ምስ ተጠለቃዕኹን ተፈቲሑለይ።
ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ፡ ብውሕዱ ክትሸይን እንከለካ እቲ ፌሮኻ ይፍትሓልካ’ዩ፡ ኣብ መንደፈራ ግን ዋላ ክትሸይን እንከለካ ኣይፍትሓልካን’ዩ፡ ረሲሐ ጨንየ፡ መግቢ ዝበሃል የለን።
ቢቢሲ፡ መግቢ የለን ክትብል እንከለኻ. . .?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እንታይ ድዩ መስለካ፡ ኣብ ዓድና ከምእትፈልጣ እታ ዓደስ’ያ ዘላ፡ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣመጋግባ ንህዝቢ ኣለማሚደሞ’ዮም።
ዝበዝሓ ሰብ መሸላ ወዲ ዓከር’የ ዝበልዕ። ዓደስ እውን እንተተረኺቡ’ዩ። መግቢ የለን ክብለካ እንከለኹ ንጣር ንጣር ዓደስ ዘለዋ ማይ ጨብረቕረቅ ዝበለ ጸብሒ’ያ ትመጻና። ምስኡ ከኣ ርፍትት ዝበለ ጣይታ ወዲ ዓከር ይመጽኣና ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ መንደፈራ ክንደይ ጸኒሕካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ዳርጋ ትሽዓተ ወርሒ ገይረ፡ ብዙሕ ሓሚመ ናብ ሕክምና ክትከይድ ኢኻ ኢሎም ኣብ ወርሒ ሰለስተ 2021 ናብ ካርሸሊ ወሲዶሙኒ።
ቢቢሲ፡ መስከረም 2020 ናብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ ኢልካኒ፡ ኣብ መንደፈራ ኸአ ንትሽዓት ኣዋርሕ ጸኒሐ ትብል ኣለኻ፡ ምስኡ ዝጻረር ከኣ ወርሒ ሰለስተ ካብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ ትብል ኣለኻ፡ እዚ ከኣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ፍልልይ ኣለዎ፡ እቲ ኣዋርሕ ዝተደናገረ ይመስል ኣሎ'ሞ ከመይ እዩ'ዚ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ርግጸኛ’የ ትሽዓተ ኣዋርሕ’የ ኣብ መንደፈራ ጸኒሐ።
ቢቢሲ፡ ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ኣብ ሓዲኡ ጌጋ ኣሎ። ኣብ ካርሸሊ ምስ መጻእኻ’ሞ ንዓብዱ ሄጂ ርኢኻ’ዮ’ዶ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዓብዱ ሄጂ፡ በዓል ቢትወደድ በዓል ኣስቴርን ካልኦት ጉዳዮም ምስ ጥሪ 21 ዝተኣሳሰር ኵሎም ጠርኒፎም ካብ ካርሸሊ ወሲደሞም ኣብኡ የለውን።
ቢቢሲ፡ ካብ መንደፈራ ናብ ካርሸሊ ብምንታይ’ዮም ወሲዶሙኻ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ቶዮታ ላንድክሩዘር’ያ ምስ ኣውቲስታ ሰለስተ ካልኦት ሰባት ኣብታ መኪና ነይሮም፡ ለይቲ መጺኦም ንሕክምና ክትከይድ ኢኻ ኢሎም ካብ ሸላይ ኣውጺኦም ናብ ካርሸሊ ኣእትዮምኒ።
ቢቢሲ፡ እቲ ዝነበርካዮ ሸላ መፍለዪ እንተነይርዎ ኣበየናይ ቁጽሪ ኢኻ ነይርካ? ብየማንካ ብጸጋምካ በዓል መን ነይሮም?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እታ ዝነበርክዋ 26 – 2 ትበሃል ሸላ’ያ። ብየማነይን ብጸጋመይን ክልተ ሰባት ነይሮም። ሽዕኡ እቲ ብጸጋመይ ዝነበረ ወዲ፡ ነብሰ ቅትለት ፈቲኑ’ዶ ገለዶ ኢሎም ካብኣ ኣውጺኦም ናብ ካልኦት ሰባት ሓዊሶሞ። እቲ ብየማነይ ዝነበረ ኢሳይያስ ጸጋይ ዝበሃል ነባሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ዝቃለስ ዝነበረ’ዩ፡ ናብታ ጸጋመይ ዝነበረት ሸላ ቀይሮሞ።
ኣብኡ በዓል ዶክተር ፍጹም፡ ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ወልዱ ባርያ ዘለዉዎም ከኣ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 23 ነይሮም።
ቢቢሲ፡ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ከተዘራረቦም ዝኸኣልካ እሱራት ነይሮምዶ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብኡ ክትዘራረብ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ካርሸሊ ማለት ኣዝዮም ብዙሓት ዋርድያታት ዘለዉዎን ብጥብቂ ዝሕሎን ገዛ’ዩ። ሓቂ ንምዝራብ’ውን እቶም ዋርድያታት ኣዝዮም ‘ፕሮፈሽናላት’ዮም’። ኣብኡ ዝርኣዩን ዘይርኣዩን ዝበሃሉ እሱራት’ዮም ዘለዉ። ኣነ ከኣ ካብቶም ዘይርኣዩ ኰይነ፡ ኣብ ናይ በይነይ ሸላ’የ ነይረ።
ዋላ ካብቶም ሓለዋ ውሱናት ሰባት እንተዘይኰይኖም ኣይርእዩንን’ዮም። ንሽንቲ ክወጽእ እንከለኹ እቶም ካልኦት ኣብ ሸሸላኦም ምስ ኣተዉ’የ ዝወጽእ። እንተዀነ በቲ ዋርድያታት ክጽውዑ ትሰምዖን በቲ እቶም እሱራት ክዛረቡ እንከለዉ ትሰምዖን መን ኣበይ ኣበይ ኣሎ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ።
ቢቢሲ፡ ንቢትወደድ ኣብርሃ’ኸ ርኢኻዮዶ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣይርኣኽዎን፡ ንሶም’ውን ንዓይ ዝርኣዩኒ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ገለ ገለ ሸላታት ኣብ ሓደ ሸላ ክሳብ ሸሞንተ፡ ሽዱሽተ ሰባት ዝተኣሰሩ ኣለዉ፡ ንኣብነት በዓል ዶክተር ፍጹም ዘለዉዋ ሸላ ሸሞንተ ሰባት ኣለዉዋ። በዓል ወልዱ ባርያ ዘለዉዋ ሸላ’ውን ከምኡ።
ቢትወደድ ኣብርሃ ከኣ ኣብ ናይ በይኑ ሸላ’ዩ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ካብተን ኣብ ካርሸሊ ኣለዋ ዝበሃላ ደቂ ኣንስትዮኸ በዓል ኣስቴር ዮውሃንስን ሰናይት ደበሳይ ናታተን’ከ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣሎ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ካርሸሊ ደቂ ኣንስትዮ እሱራት ይዅና ሓለውቲ የለዋን። ምስ ካርሸሊ ሕቘ ንሕቘ ዝተዋሃሃበ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ስለዘሎ ንሱ ካልእ ምምሕዳር’ዩ። በዓል ኣስቴር ከኣ ኣብኡ’የን ነይረን። ካብ ወርሒ ክልተ ግን ናይ ሰናይት ርግጸኛ ኣይኰንኩን ንኣስቴር ግን ምስ በዓል ቢትወደድ ወሲዶማ’ዮም።
ብድሕሪኦም ሓሙሽተ ኣቕሽሽቲ ናይ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ካልእ ቦታ ብዙሕ ዓመታት ዝተኣሰሩ ናብ ካርሸሊ ኣምጺአሞም። ኣብ ወንጀል መርመራ [ካርሸሊ] ብሓፈሻ ካብ 90 ክሳብ 100 ዝኸውን እሱር’ዩ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ካብ ካርሸሊ መዓስ ኢኻ ሃዲምካ? በይንኻ ዲኻ’ኸ ወጺእካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ በየን በየን ኣቢልካ ካብ ኤርትራ ወጺኻ እንተኢልካኒ’የ ዘይነግረካ’ምበር እቲ ካብ ካርሸሊ ዝወጻኩሉ ኣገባብ ኵሉ ክነግረካ ይኽእል’የ።
ሎሚ ኣነ ይዛረበሉ ኣለኹ። ጽባሕ እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሓለውቲ’ውን ብኸመይ ወጺአ ክዛረብሉ’ዮም።
ኣነ ምስ ወጻእኩ ኵሎም ናይ ጸጥታ ይዅኑ እቶም ሓለውቲ ክፈልጡ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ’ዩ።
ኣነ ዝነበርክዋ ሸላ፡ ናብ ኣኽርያ ትወስድ ጽርግያ ሕቘኣ ኣብ ዝሃበት ናብ ካልኣይ መደበር [ፖሊስ] ዝቐረበት ኵርናዕ’የ ነይረ።
ኣነን ኢሳያሳ ጸጋይን ሓንቲ ካንሸሎ ኣብ ዘለወን ክልተ በበይነን ሸላታት ኢና ነይርና።
ኣብታ ሸላ ኰይነ ኣብ ከባቢየይ ብዝነበረ ነገራት ገይራ ኣስካላ መሳሊ ነገር ሰሪሐ’ያ መንደቕ ተሰቒለ ናብ ጽርግያ ነጢረ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሸላ ኴንካ ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣስካላ ዝኣክል ዓቢ ነገር ክትሰርሕ ክኢልካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እንታይ ይመስለካ፡ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ መጺኦም ይኸፍቱና፡ ኣለና’ዶ ሞይትና’ዶ ‘ቸክ’ ይገብሩና። ሰዓት ሸሞንተ ከኣ እቲ መግቢ ዝህብ መጺኡ ይኸፍተና። ሽዕኡ ደገ ወጺአ ናብ ዓይኒ ምድሪ ከይደ ሸይነሉ ዝሓደርኩ ጃሎን ይኽዕዎ። ንሱ ንዓይ ከፊቱ ናብቶም ካልኦት’ዩ ዝኸይድ። ክሳብ ዝምለሰኒ ከኣ ኣብታ ካንሸሎይ ዘወርወር ይብል።
እዚኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ደቒቕ’ያ። ኣብ ውሽጢ ኣእትዩ ከኣ ቁርሲ ሂቡ ይዓጽወና። ኣብ ምሳሕ ኣይንወጽእን ኢና። ናይ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ከኣ ይመጽእ ይኸፍተኒ። ሸይነ ንዓሰርተ ደቂቕ ዝኸውን ኣብታ ካንሸሎ ዘወርዘር ይብል።
ኣብታ ናይ ምሸት ክሸይን ኢለ ምስ ወጻእኩ ኣቐዲመ ኣዳልየዮ ዝጸናሕኩ በታ ዘላ ፊስቶ በታ ዘላ ጥስቲ በታ ዘላ ማዕጾ ናይ ሽቀቕ ከም ኣስካላ ተጠቒመ ናብ ዝባን እቲ መንደቕ ክድይብ ከምዝኽእል ተኣማሚነ ተዳልየ ጸኒሐ።
ከም ሓሳበይ ከኣ ብኣኣ ገይረ ደይበ ንኽወርድ ዝሕግዘኒ ከኣ ኮቦርታ ቆጻጺረ ጠልጠል ኢለ ንደገ ወሪደ። ነዊሕ ስለዝዀንኩ ከኣ ቁመተይ ሓጊዙኒ’ዩ። ዕድለኛ ኰይነ እግዚኣብሄር ፈቒድዎ ብሰላም ክወጽእ ክኢለ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዝባን እቲ መንደቕ ኣብ ኵሉ ኩርንዓት ዋርድያታት ኣለዉ፤ ብኸመይ’ዮም ክርእዩኻ ዘይክኣሉ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ ዋርድያ ኣለዉ፡ ኣነ ብርእሰ ተኣማንነት ክገብራ ዝኽእል ካብታ ካንሸሎ ናብ ዝባን ምድያብ’ያ፡ ብዋርድያ ከይርአን ብኸመይ ክዘልል ይኽእልን ዝብል ግን ኣብ ኢደይ ዝነበረ ነገር ኣይኰነን። ዋርድያ ክርእየኒ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ክፈልጥ ኣይክእልን’የ።
ኣብቲ ቤት ማእሰረቲ ኣነ ሓሚመ ሓኪም ጸውዑለይ ኢለዮም ኣብዮሙኒ’ዮም። ስለዚ ከምቶም መድሃኒት ስኢኖም’ዮም ሞይቶም ኢለ ዝግምቶም ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክመውት’የ። ስለዚ ክሃድም ክፍትን እንከለኹ’ውን ቶኵሶም ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም፣ ኣየናይ’ዩ ዝሓሸ ኢለ’የ ነቲ ምህዳም ሞት ከምዘለዎ እናፈልጥኩ መሪጸዮ።
ዋርድያ ኣይርኣየንን፡ ፍሉጥ’ዩ ብድሕረይ ኣሲረሞ’ዮም።
ቢቢሲ፡ እቲ መንደቕ እውን ትሪኮላታ ኣለዎ፡ ሓቐይ እንድየ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ ትሪኮላታ ኣለዎ፡ በላሕቲ ጠራሙዝ እውን ኣለዎ፡ ኢደይ ተሓራሪደ ደም እናፈሰሰኒ’የ ሃዲመ።
ብውሽጢ ካልእ ክዳውንቲ ደሪበ ስለዝነበርኩ ውጽእ ምስ በልኩ ናብ ዕዳጋ ላኸ ከይደ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝነበረ ክዳነይ ኣብኡ ደርብየዮ። ብ11 መስከረም 2022 [ቅዱስ የውሃንስ] ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን’ዩ ነይሩ። በዓል ስለዝነበረ ከኣ እቲ ካባቢ ጭው ጭው’ዩ ኢሉ ነይሩ።
እቶም ኣባላት’ውን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝብላዕ ዝስተ ኣዳልዮም ኣብ ምዝንጋዕ ስለዝነበሩ’የ ነታ መዓልቲ መሪጸያ።
ቢቢሲ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኣስመራ ክንደይ ጸኒሕካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ኣስመራ ኣይጸናሕኩን ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ’የ ወጺአ፡ ሕጂ በዚ ገይረ’የ ወጸአ ክብለካ ኣይደልይን’የ።
ቢቢሲ፡ ከምዚ ዓይነት ክስተት ከጋጥም እንከሎ ኬላታት ወይ ጽዑቕ ተፍትሽ ክግበር ይኽእል’ዩ፣ ዝተሓባበሩኻ ሰባት ስለዝነበሩ ዲኻ ክትወጽእ ክኢልካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኖ ዋላ ሓደ ዝተሓባበረኒ ሰብ ኣይነበረንን። ስድራይን ዝፈልጡንን ሞይቱ’ዩ ኢሎም ቀቢጾሙኒ’ዮም።
ኣነ ምስ ሃደምኩም ተደዋዊሎም ንኽወዳደቡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ሰዓታት ክወስደሎም’ዩ፡ ዝሑላት’ዮም። ኣነ ከኣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ነዊሕ ክጕዓዝ ይኽእል’የ። ኣነ ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ወጻእኩ ምሸት ሰዓት 11 ኣቢላ ሄሊኮፕተር ክትዘውር ጀሚራ። እዛ ሄሊኮፕተር ፍልይቲ ኰይና ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ብለይቲ ከተለሊ ትኽልእ ሄሊኮፕተር እያ። ኣነ ከኣ ካብቲ ትዘረሉ ዝነበረት ኣዝየ ርሒቐ ስለዝነበርኩ ግን ኣይተሰከፍኩን።
ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ድሒረ ከም ዝሰማዕክዎ ኣብ መላእ ኣስመራ ብርቱዕ ተፍትሽ ተኻይዱ፤ ንነዊሕ መዓልታት’ውን ይቕጽል ነይሩ።
ኣነ በረኻ በረኻ’የ ዝኸይድ ነይረ። ንነብሰይ ካብ ኣራዊትን ካብ ካልእን መከላኸሊ ዝኾነኒ ነገራት ሒዘ ስለዝነበርኩ ከኣ ፍርሒ ኣይነበረንን።
ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርኩሉ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጋጠመኒ ይኸፍእ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ኢኻ ዘለኻ፡ ብኸመይ ኢኻ ናብ ኣሜሪካ ክተከይድ ክኢልካ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ነዊሕ መዓልታት ዝወሰደ ኣዝዩ ድኻም ዝነበሮ ጕዕዞ’ዩ ነይሩ። ተጋዳላይ ብምንባረይ ብዙሕ ቦታታት ስለዝፈልጥ እቲ ከርተትን መከራን ስለዝፈልጦ ሓጊዝኒ ይኸውን፡ ዶብ ሰጊረ ሱዳን ኣትየ።
ኣብ ደቡብ ኤርትራ ውግእ ስለዝነበረ፡ ኣነ ጕዕዞይ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ’ዩ ነይሩ፡ እቲ ዝመርጽክዎ ቦታ ብዙሕ ምንቅስቓስ ናይ ሰራዊት ዘይነበሮ እዩ ነይሩ።
ናብ ሱዳን ምስ ኣተኹ ቀልጢፈ ናብ ኣሜሪካ ደዊለ። ንኢሳያስ ዓርቢ ሓርነት ረኺበዮ። ንሳቶም ናብ ኤምባሲ [ኣሜሪካ] ሓቢሮሙለይ። ኣሜሪካ ከኣ ኣይደንጎዩን ፓስፖርተይ ሒዞም መጺኦም ቦግ ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ኣትየ።
ቢቢሲ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጕዕዞኻ ኢና ኣሕጺርና ክንድህስሶ ፈቲንና’ሞ ምናልባት ክትውስኾ ትደሊ ነገር ከይህሉ?
ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ነዚ ቃለ መሕተት ዝገብሮ ዘለኹ ንዓኻ ወይ ነቲ ኣብ ሰለማዊ ህይወት ዝርከብ ሰብ ኣይኮነን። ንምንታይ እንተኢልካኒ ካብቶም ቀንዲ ዝስምዑ ራድዮታት ሓንቲ ቢቢሲ’ያ። ኵሎም እሱራት ተገዲሶም’ዮም ዝሰምዕዎ። ስለዚ እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ሳምኤል ወልዳይ ብሰላም ኣሜሪካ ከምዘለኹን እቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝገደፍክዎም ብጾት ኣነ ንዐኦም ከፍትሕ’የ ተኣሲረ።
ኣብኡ 30፡ 28፡ 20 ዓመታትን ካልእን ዝተኣሰሩ ሰባት ኣለዉ፡ ኣነ ኣምላኽ ተሓዊስዎ ሃዲመ ወጺአ፡ ዘይክኣል ነገር የለን። ኢድኩም ኣጣሚርኩም ኮፍ ኣይትበሉ፡ ዝግበር ዘበለ ኵሉ ግበሩ ክብሎም እደሊ።
ቢቢሲ፡ የቐንየልና ሳምኤል