ነታንያሁ ነቶም ጅሆ ንምፍታሕ እኹል ከምዘይሰርሐ ባይደን ነቒፉ

ምንጪ ስእሊ, White House
ጆ ባይደን፡ በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ንዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕን ተዅሲ ደው ንምባልን እኹል ስራሕ ኣይሰርሐን ክብል ነቒፉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካን ምክትል ፕረዚደንቱ ካማላ ሃሪስን ንተዘራረብቲ ወገናት ረኺቦም ብምዝርራብ እቲ እማመ ተግባራዊ ብዛዕባ ዝዀነሉ ጉዳይ ዘትዮም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ቓዛ ጅሆ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት እቶም 6 ከምዝተቐተሉ ምስተፈለጠ ኣብታ ሃገር ተቓውሞታት ድሕሪ ምብዝሖም እዩ።
‘ነታንያሁ እኹል ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ?’ ተባሂሉ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ባይደን "ኣይፋልን" ኢሉ። ኣመሪካ ተስፋ ከምዘይትቘርጽን፡ "ብዝተኻእለ መጠን እቲ ውዕል ንኽትግበር ክንደፍኣሉ’ውን ኢና" ኢሉ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ነዚ ዳሕረዋይ እማመ “እንተደሊኹም ተቐበልዎ ወይ ተሓሰምዎ" ከምዝበሉ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ።
እስራኤል ብሰንበት ኣብ ቓዛ ሬሳ ሽዱሽተ ጅሆ ድሕሪ ምርካባ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ እስራኤላዊ-ኣመሪካዊ ጅሆ ዝዀነ ሄርሽ ጎልድበርግ-ፖሊን ካብኣቶም ሓደ እዩ።
ሞት እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ኲናትን ጅሆታትን ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣስዒቡ ኣሎ።
ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ - ባይደንን ሃሪስን - ነቶም ጅሆታት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝቕጽል ስጕምትታት ከምዝተዘራረቡን፡ እዚ ድማ ምስ መሻርኽቲ ሽምግልና ዝዀና ቐጠርን ግብጽን ቀጻሊ ዝርርብ ዘጠቓልል ምዃኑን ገሊጾም።
ሚስተር ባይደን ድሕሪኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ብሞት ሚስተር ጎልድበርግ-ፖሊንን ካልኦት ሓሙሽተ ሰባትን “ከምዝሓዘነትን ከምዝተቘጥዐትን" ገሊጹ።
"ከይትጋገዩ፡ መራሕቲ ሓማስ ናይዚ ተግባሮም ዋጋ ክኸፍልሉ’ዮም” ኢሉ። ትማሊ ሰንበት ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱሊቫን ምስ ስድራቤታት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ተራኺቡ።
መርበብ ሓበሬታ ኣክሲዮስ፡ ሚስተር ባይደን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን "ናይ መወዳእታ ዝተበሃለ" ምፍታሕ ጅሆታትን ተዅሲ ደው ምባልን ዝብል እማመ ከምዘቕርብ ጸብጺቡ።
ስድራቤት ናይቲ ወተሃደር እስራኤል ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ጅሆ ዘሎን ኤዳን ኣሌክሳንደር፡ እስራኤል ነቲ እማመ “ኣላታን የብላን ግዜኡ ሕጂ’ዩ" ብምባል ክትቅበሎ ደፊኦም ኣለዉ።
ኣቦኡ ኣዲ ኣሌክሳንደር፡ ኣመሪካ እቲ ስምምዕ ንምትግባር ንዝገበረቶ ተወፋይነት ብምንኣድ፡ ወዱ ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጭወ ንደሓር፡ ብሰንበት ምስ ሚስተር ሱሊቫን ንመበል 15 ግዜ ከምዝተራኸበ ገሊጹ።
ሚስተር ኣሌክሳንደር፡ ሚስተር ነታንያሁ "ንናይ ሓጺር እዋን ፖለቲካዊ መኽሰብ ኢሉ ነቲ ኲናት የናውሖ’ሎ" ክብል ከሲሱ። "ግዜ ይሓልፍ ኣሎ፡ ካብ ቓዛ ድማ ተወሳኺ ሬሳታት ነውጽእ ኣለና፤ እዚ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።
ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝቃልሖ፡ ቅትለት እቶም ሽዱሽተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ሓገዝቲ ሚስተር ባይደን እቲ ውዕል ተግባራዊ ንክኸውን ንምድፋእ ከም ዘዕበዮ ሓቢሩ።
ኣመሪካ፡ ቐጠርን ግብጽን ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባልን እቶም ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ንምፍታሕን ዘጠቓልል ስምምዕ ንምርግጋጽ ንኣዋርሕ ፈቲነን እየን።
ምምሕዳር ባይደን፡ ሓማስ ነቲ ውዕል ዘይምቕባሉ ብምንቃፍ፡ ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድማ ነታንያሁ እቲ ስምምዕ ንኽትግበር ዘቕረቦም ጠለባት ቅድመ ኵነት ሓንኮልቲ ከምዝዀኑ ወቒሶም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

