ዝተቘጥዑ እስራኤላውያን ስምምዕ ምፍታሕ ጅሆ ክግበር ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቓዛ ብሓማስ ካብ ዝተጨወዩ ሰባት ናይቶም ሽድሽተ ሬሳታት ብወተሃደራት ድሕሪ ምርካቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ብቝጠዐ ናብ ኣደባባያት ወጺኦም።
ባንዴራ እስራኤል ዝተኸደኑ ሰልፈኛታት ኣብ ተልኣቪቭ፡ ኢየሩሳሌምን ካልኦት ከተማታትን ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን መንግስቱን፡ እቶም ኣብ እዋን መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተታሕዙ ዝተረፉ ጅሆታት ንኽፍትሑ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ እኹል ስራሕ ከምዘይሰርሑ ከሲሶም።
እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰላማዊ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ህዝቢ ሓፁራት ፖሊስ ሰይሩ፡ ኣብ ተልኣቪቭ ከኣ ንሓደ ዓብይ ጽርግያ ዓጽዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ዓብይ ማሕበር ሰራሕተኛታት እስራኤል ዝዀነ ‘ሂስታድሩት’ ኣብ ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ስምምዕ ንኽግበር ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ብደረጃ ሃገር ሓፈሻዊ ኣድማ ንሰኑይ ክካየድ ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን እዩ።
እቶም ሽዱሽተ ሬሳታት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከባቢ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ገለርያ ብቐዳም ከምዝተረኽቡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቶም ግዳያት፡ ካርሜል ጋት፡ ኤደን የሩሻልሚ፡ ሄርሽ ጎልድበርግ-ፖሊን፡ ኣሌክሳንደር ሎባኖቭ፡ ኣልሞግ ሳሩሲን ማስተር ሳጅን ኦሪ ዳኒኖን ከምዝበሃሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሽዱሽተኦም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ወተሃደራቱ ብቐዳም ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ቅሩብ ኣብ ዝተረፎም ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
እዚ ድማ ነቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ተቓውሞ ዘበገሰ ኰይኑ፡ እቲ ናብ ኣደባባያት ዝወጽአ ህዝቢ ንመንግስቲን ንነታንያሁ ብውልቂን ነቶም ዝተረፉ ጅሆታት ከድሕኑ ኣይከኣሉን ብዝብል ከሲሱ።
ካብቶም ሰልፈኛታት ገሊኦም ንገጽ ነታንያሁ ዝመስል መሸፈኒ ንዝገበረ ሓደ ሰብ ከቢቦም "ብህይወት፡ ብህይወት ንደልዮም" እናበሉ ክጭድሩ ተሰሚዖም።
ሓደ ሰልፈኛ ድማ "ንስኻ ኢኻ መራሒ፣ ንስኻ ኢኻ ድማ ተሓታቲ" ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ተራእዩ።
ብተወሳኺ ሰልፈኛታት "ኣባላት ፖሊስ ንመን ኢኹም ደኣ ትሕልዉ ዘለኹም? ብኣኹም ሓፊርና” ክብሉ ተሰሚዖም።
ገሊኦም ኣብ መንገዲ ሓዊ ብምንዳድ ኣብ ጐድኒ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ደው ከምዝበሉ ዝገልጽ ብጫ ሪባን ተሸፊኖም ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝነበረ ኤሊ ሽቲቪ፡ ወዱ ኢዳን ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ።
"እቶም ውሳነታት ዝወስዱ ክበራበሩ ተስፋ ንገብር። ድሕሪ ሕጂ ግዜ የብልናን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ወሲኹ "ንወደይ ኣዝየ እናፍቘ። ኵሎም ስድራቤታት እውን ዳርጋ ጅሆ ዝተትሓዙ እዮም" ኢሉ።
ካልእ ኣብ ተልኣቪቭ ንሰልፊ ዝወጽአት ኖጋ በርክማን "ድሕሪ ሕጂ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ከምዘይትኽእል" ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ሕጂ ሕጊታት ክንጥሕስን ገለ ክንገብርን ከምዘለና ሰባት ተገንዚቦም ኣለዉ፤ ናይ ሎሚ ምሸት መበገሲ ጥራይ'ዩ" ትብል።
ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ደገ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሓት ሰልፈኛታት ተኣኪቦም ተራእዮም ኣለዉ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያኢር ላፒድ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ይሕብራ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ኣቐዲሙ ነታንያሁ ኣብ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ስምምዕ ንኽኣቱ ዘገድድ ኣድማ ክካየድ ንዝቐረበ ጻውዒት ደጊፉ ነይሩ።
መራሒ ናይቲ ነቲ ኣድማ ዝጸውዐ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝዀነ ኣሮን ባር-ዴቪድ "ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና። ስምምዕ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ኣብ ክንዲ ውዕል ሬሳታት ዝሓዘ መዐሸጊ ኢና ንቕበል ዘለና" ክብል ቍጠዐኡ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መድረኽ ስድራቤታት ናይቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ሬሳኦም ዝተረኽበ ሽዱሽተ ሰባት "ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ካብ ሓማስ ንዝበጽሖም ግህሰት፡ ስቅያትን ጥሜትን ድሕሪ ምስጋሮም ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ከምዝተቐትሉ” ገሊጹ።
"እቲ ስምምዕ ንምፍራም ዝተፈጠረ ምድንጓይ ሞት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣስዒቡ'ሎ" ይብል እቲ መድረኽ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል፡ ነቶም ዝተረፉ ሰባት ዘፍትሕን ድሕነት እታ ሃገር ዝሕሉን ስምምዕ ንምውሓስ ውፉይ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ። እንተዀነ "ጅሆ ንዝተትሓዙ ዝቐተለ ውዕል ዝደሊ ኣይኰነን" ኢሉ።
ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ፋይናንስ ቤዛለል ስሞትሪች፡ "ንረብሓ ሓማስ" ዝውክል እዩ ብምባል ነቲ ኣድማ ኰኒንዎ’ሎ።
ካልኦት ግን ደጊፎም ንቕድሚት ወጺኦም ኣለዉ። ከንቲባ ከተማ ተልኣቪቭ ሮን ሁልዳይ ድማ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብቲ ትማሊ ዝነበረ ኣድማ ክጽንበሩ ፍቓድ ምሃቡ ተፈሊጡ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

