እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኔታንያሁ ስለ ምንታይ'ዩ ብዘረባ ማክሮን ተቘጢዑ?
ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ጉዳይ እቲ ዝጋደድ ዘሎ ኣመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ተቖጢዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማክሮን፡ ፍራንስ ኢንተር ንዝተባህለ መደብር ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሐትት“ሕጂ ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከነተኵር ኣለና። ናብ ኲናት ቓዛ ዝለኣኽ ኣጽዋር ደው ከነብሎ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዋላ’ውን ጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦታት ይቐርብ እንተሃለወ፡ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ከም ዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ እስራኤል ናብ ሊባኖስ ኣጋር ሰራዊት ምልኣኻ ልክዕ ኣይኰነን ክብል ነቒፉ፤ "ናብ እስራኤል ዝወሃብ ኣጽዋር እገዳ ይገበር" ክብል ውን ተዛሪቡ።
ነዚ ስዒቡ ኔታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ “መሕፈርቲ ኢኹም” ብምባል ማክሮንን ካልኦት እገዳ ኣጽዋር ክግበር ኣለዎ ንዝበሉ ምዕራባውያን መራሕትን ነቒፉ።
ንሱ ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፡ “እስራኤል ካባኹም ሓገዝ ትርከብ ኣይትርከብ፡ ክትዕወት እያ” ብምባል "እገዳ ይገበር ዝብል መሕፈሪ’ዩ” ኢሉ።
ማክሮን፡ ሃገሩ “ዝዀነ ዓይነት ኣጽዋር ናብ እስራኤል ኣይልኣኸትን። ከም ዝመስለኒ፡ ንሕና ንብሎ ዘለና ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን” ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ “ጌጋ’ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ንድሕነት እስራኤል’ውን እዚ ጽቡቕ ኣይኰነን” ብምባል ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ እስራኤል “ንክትጽላእ” ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ ጠቒሱ።
ሕጂ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ “ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጕዳይ” እዩ ብምባል “ሊባኖስ ካልእ ቓዛ ክትከውን ኣይግባእን” ኢሉ።
ንዘረባ ማክሮን ምላሽ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ፡ ኣብ ጐኒ እስራኤል ደው ዘይትብል ዝዀነት ሃገር ኣብ ጐኒ ኢራንን መላፍንታን ደው ከም ዝበለት’ዩ ዝቑጸር ኢሉ።
“ፕረዚደንት ማክሮንን ገለ መራሕቲ ምዕራብን ናብ እስራኤል ኣብ ዝለኣኽ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣለዎ ይብሉ ኣለው። ሕፍረት ንዓኣቶም”።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ፈረንሳ፡ “ወትሩ መሓዛ እስራኤል እያ። እንተዀነ ኔታንያሁ ዝሃቦ መልሲ ቁጥዐ ዝሓዘለን ካብ መንፈስ ምሕዝነት እስራኤልን ፈረንሳን ዝርሓቐን” ምዃኑ ጠቒሱ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እስራኤል ንነፍሳ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዋ’ዩ ብምባል፡ ጽባሕ ሰኑይ ንስድራ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ዝተወስዱ ፈረንሳውያን እስራኤላውያን ረኺቡ ከም ዘዘራርቦም ተሓቢሩ።
ጽባሕ ሰኑይ 7 ጥቅምቲ 2024፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓደ ዓመት ክመልኦ እዩ።
ኣብቲ እዋን 1200 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለው ኣስታት 251 ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝኸፈተቶ ኲናት ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።