እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣብ ዛዕባ ምግታእ ዋሕዚ ስደት ንትራምፕ እንታይ ኢላቶ?
ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውዲያ ሸይንባም፡ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ስደት ደው ከብሎ’የ ኢላ ብዝብል ተመራጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝሃቦ ርእይቶ መልሲ ሂባ።
ክልቲኦም ረቡዕ ብቴሌፎን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዝርርብ፡ ትራምፕ “ብሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ስደት ደው ከተብሎ ተሰማሚዓ፤ ብደቡብ ዘሎ ዶብ ክዕጾ’ዩ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ።
እታ ፕረዚደንት ነዚ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ መርገጺ ሜክሲኮ ዶባት ምዕጻው ከም ዘይኰነን፡ ጕዳይ ስደት ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ክፍታሕ ምግባር ከም ዝዀነን ተዛሪባ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዝመጽእ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ካብ ሜክሲኮን ካናዳን ዝኣትው ኣቑሑ 25 ሚእታዊት፡ ካብ ቻይና ንዝመጽእ ድማ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ከም ዘንብር፡ ብሰኑይ ተዛሪቡ ነይሩ።
ናብ ኣመሪካ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስን ደው እንተይሉ፡ እዞም ቀረጻት ከም ዝለዓሉ’ውን ገሊጹ።
ቻይና ናብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ዘሎ ‘ፈንታሊን’ ዝተባህለ ዕጸ-ፋርስ ደው ክሳብ እተብሎ ዝቕጽል እዩ ይብል።
ፕረዚደንት ሸይንባም፡ ኣመሪካ ንግዳዊ ኲናት እንተኣበጊሳ ሜክሲኮ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓንያ።
“ኣመሪካ ቀረጽ እንተወሲኻ፡ ሜክሲኮ’ውን ክትውስኽ’ያ” ኢላ።
እታ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ምስ ትራምፕ ዘካየደቶ ዝርርብ ቴሌፎን “ኣዝዩ ብሉጽ ዕላል” ነይሩና ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ ነይራ።
“ሜክሲኮ ኣብ ዙርያ ስደት ብዛዕባ ዘለዋ ስትራተጂ ተዘራሪብናሉ፡ ስደተኛታት፡ ኣብ ሜክሲኮ ይዕቈቡ ስለ ዘለው ናብ ሰሜናዊ ዶብ ከም ዘይበጽሑ ድማ ሓቢረዮ” ኢላ።
ድሒሩ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ክልቲኦም “ዝተሰማምዑሉ” ጕዳይ ዝተፈለየ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
“ሜክሲኮ ሰባት ናብ ደቡባዊ ዶብና ከይከዱ ደው ከተብሎ እያ፤ እዚ ድማ ብቕጽበት ተግባራዊ ክኸውን'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ሸይንባም ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ድማ፡ “ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር፡ ቅልውላው ስደት ንምብዳህ ብዛዕባ እንኽተሎ ዘለና ስትራተጂ’የ ኣብሪሀሉ። መርገጺ ሜክሲኮ ዶባት ምዕጻው ዘይኰነ፡ ኣብ መንጐ መንግስታትን ህዝብታትን ድልድል ምህናጽ ከም ዝዀነ” ግልጺ ክኸውን ኣለዎ ኢላ።
ዘይሕጋዊ ስደት፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ውድድር መረጻ ኣካታዒ ዛዕባ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ትራምፕ፡ ናብ ዋይትሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ መዓልቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክሰጕግ ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ብረቡዕ ምስ 10 መራሕቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ።
እዚ ብዛዕባ እቲ ትራምፕ ተግብራዊ ክገብሮ’የ ዝበሎ ቀረጽ ንምዝርራብ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ክሪስቲያ ፍሪላንድ፡ መንግስቲ ፈደራልን ዞባዊ መራሕቲን ኣብዚ ጕዳይ ስሙር መርገጺ ክሕዙ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢራ።
ኣመሓዳሪት ኣልበርታ ዳኒኤላ ስሚዝ፡ ትሩዶ ምስ መጻኢ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክላዘብ ዝኽእል ሰብ ድዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣልዒላ ነይራ።
ንሳ ንሲቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ኣብ መንጐ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘሎ ውልቃዊ ምትእስሳር ኣቕሊልና ክንርእዮ ዝግባእ ኣይመስለንን። ንሱ [ትሩዶ] ኣብ ልዝብ ክቐርብ ዝኽእል ልክዕ ሰብ እንተዘይኰይኑ ድማ፡ ልክዕ ሰብ ምህላው ከነረጋግጽ ኣለና” ኢላ።
ሰብመዚ ቻይና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ትራምፕ ክውስኾ’የ ዝበሎ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ በዓል ስልጣን ኤምባሲ ቻይና ግን ኣብ ንግዳዊ ኲናት ዝዕወት ሰብ ከም ዘየለ ገሊጹ።