ኣመሪካ ‘ዘስካሕክሕ’ ብዝበለቶ መጥቃዕቲ እስራኤል ብዙሓት ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤት ላህያ ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 93 ሰባት ሞይቶም ወይ ደሃዮም ጠፊኦም ምህላዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

ኣሜሪካ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ "ዘስካሕክሕ" ክትብል ገሊጻቶ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ከምዝተሃርመ ክገልጹ እንከለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ከኣ ብኮቦርታ ዝተሸፈኑ ሬሳታት ኣብ መሬት የርእዩ።

ሰራዊት እስራኤል፡ "ኣብ ከባቢ ቤት ላህያ ሲቪላት ከምዝተጐድኡ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎ" ኣፍሊጡ’ሎ። ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ግን ገና ይምርመር ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጀባልያ፡ ቤት ላህያን ቤት ሓኑንን ወፍርታት ከካይድ ቀንዩ’ሎ።

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ጀባልያ ዝርከብ ሆስፒታል ከማል ኣድዋን ዝዀነ ሑሳም ኣቡ ሱፍያን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታትን መድሃኒትን ንሕሙማት ንምሕካም ዝቃለስ ዘሎ ሆስፒታል ህጻናት ይሕከሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

"እቲ ሰራዊት [እስራኤል] ንሰብሞያ ሕክምናናን ሰራሕተኛታትናን ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ ሆስፒታል ከማል ኣድዋን ብዘይካ ናውቲ ቀዳማይ ረድኤት ካልእ ዝተረፈ ነገር የለን" ይብል ኣቡ ሱፍያን።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወፍሪ ብምግባር ነቲ ሆስፒታል ዝተቘጻጸሮ ኰይኑ ተዋጋእቲ ሓማስ ይጥቀሙሉ ነይሮም ዝብል ምኽያት የቐርብ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር፡ ኣመሪካ "ኣብቲ መጥቃዕቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ብምጥፍኡ ኣዝያ ተሻቒላ ኣላ፤ ዘስካሕክሕ ፍጻመን ዘስካሕክሕ ውጽኢትን እዩ" ኢሉ።

በቲ መጥቃዕቲ፡ "ልዕሊ 20 ህጻናት ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻባት" ምውጽኦም እውን ጠቒሱ።

ብተወሳኺ፡ "ህይወት ሰላማውያን ሰባት ብዘሕዝን ኵነታት ምጥፋእ፡ እዚ ኲናት ንምንታይ ደው ክብል ከምዘለዎ ካልእ መዘኻኸሪ'ዩ" ይብል ሚለር።

እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ እትገብሮ ስርሒታት ሓማስ ዳግማይ ንኸይውደብ ካብ ዝብል ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ መንጐ ሲቪላት ተወሺጡ ከምዘሎ ትኸስስ፤ ሓማስ ግን ነዚ ይነጽጐ።

እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብ ጃባልያ 40 "ኣሸበርቲ" ከም ዝቐተለት ብምሕባር ኣብ ማእከላይ ቓዛ ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት "ብዙሓት ኣሸበርቲ ኣወጊደ” ኢላ። ገሊኦም "ኣብ ጥቓ ወተሃደራታ ነታጒ ንምቕባር ዝፈተኑ" ምዃኖም’ውን ሓቢራ።

ሰሜናዊ ቓዛ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ኰይኑ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኵነታት ይነብሩ ኣለዉ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንመላእ ህዝቢ ግዳይ ቦምባ፡ ከበባን ሓደጋ ጥሜትን ይገብር ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።

ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ መንጐ ሲቪላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ንሲቪላት ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቕዎምን ዘመልክት መግለጺ እስራኤል ቅቡል ከምዘይኰነ ኣፍሊጡ።

ፓርላማ እስራኤል ብሰኑይ 28 ጥቅምቲ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም - ኡንርዋ - [UNRWA] ኣብታ ሃገር ከይሰርሕ ክእግድ ከምዘድመጸ ይፍለጥ። እዚ ድማ ናብ ቓዛ ኣብ ዝካየድ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቢድ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ኣበጊሱ።

እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ግዝኣታ ንዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ነቲ ጕጅለ ክተጥፍኦ ወፍሪ ጀሚራ።

ኣብ ቓዛ ልዕሊ 42,924 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር። እዚ ኣሃዝ ሲቪላትን ዕጡቓትን ብንጹር ዘቐመጠ ኣይኰነን።

እስራኤል ንቢቢሲ ሓዊሱ ካብ ትካላት ሚድያ ዝመጹ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብ ቓዛ ክኣትዉ ስለዘይፈቐደት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይርዎ’ሎ።