እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያን ቱርኪን ዝኸተማኦ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስምምዕ እንታይ ዝዓለመ’ዩ?
ባይቶ ሶማልያ ምስ ቱርኪ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሕ ዓቢይ ስምምዕ ምክልኻልን ቍጠባዊ ምትሕብባርን ከምዘጽደቐ ተገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ቱርኪ ንሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ከተዕጥቕን ከተሰልጥንን ከምኡ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ መራኽብ ኣብ ማያት ሶማልያ ከተዋፍርን እያ።
እቲ ስምምዕ፡ ጸጥታ ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ምዕባይ ዓቢይ ስጕምቲ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን'ዩ።
ቢቢሲ ሶማልኛ ዝረኸቦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ወተሃደራዊ መራኽብ ቱርኪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግዝኣት ባሕሪ ሶማልያ ኣትየን ክዋፈራ እየን።
ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድን ዘይምርግጋእን ዝጸንሐት ሶማልያ ምስ ቱርኪ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ንግብረሽበራ፡ ሽፍትነት፡ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ስግኣታትን ንምምካት ዓቕሚ ከም ዝህባ ይንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ እቲ ምስ ቱርኪ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ "ኣብ ባሕሪ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሓዊሱ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽእ ዝዀነ ይዅን ጥሕሰትን ስግኣት ግብረሽበራን" ንምክልኻል ክውዕል ምዃኑ ገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ኣብ መንጐ ሶማልያን ቱርኪን ዝተፈረመ ሰነድ ክሳዕ ሕጂ ንህዝቢ ኣይተገልጸን።
ኢትዮጵያን ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን፡ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ምእታው እዚ ዓመት ዝኸተማኦ ሰምምዕ፡ ንሶማልያ ኣቘጢዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ከምትረክብን ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ፡ ኣብ ርእሲ ገለ ምቅሊት ቍጠባዊ ረብሓታት ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ከምትህብን ይንገር።
እታ ንሶማሊላንድ ከም ግዝኣታ እትቘጽር ሶማልያ ግን እቲ ስምምዕ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዝጥሕስ እዩ ብምባል ነቲ ስምምዕ ብትሪ ነጺጋቶ እያ። ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባት እውን ነቲ ስምምዕ ክዅንኑ ከምዝጸውዐት ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ ሶማልያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍ ክትረክብ ጻዕሪ ክትገብር ድሕሪ ምጽናሓ ድማ ኣብዚ እዋን ምስ ቱርኪ ቍጠባውን ወተሃደራውን ስምምዕ ተፈራሪማ ኣላ።
ቢቢሲ ሶማልኛ ካብ ምንጭታቱ ከምዝተረድኦ፡ ዝርዝር ናይቲ ብረቡዕ ባይቶ እታ ሃገር ዘጽደቘ ስምምዕ፡ ናብቲ ባይቶ ይኹን ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብወግዒ ኣይቐረበን።
እቲ ስምምዕ ካብ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ ደገፍ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ዳይረክተር ፋውንዴሽን ቅርሲ ሞቓድሾ ሙርሳል ሳኒ እውን፡ እቲ ስምምዕ ንረብሓ ሶማልያ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝኣምን ገሊጹ’ዩ።
ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ካብ 2012 ጀሚሩ ብሕብረት ኣውሮጳ ተሓልዩ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ሕጂ ምስ ቱርኪ ዝተገብረ ስምምዕ ኣብቲ ከባቢ ዝያዳ ሓይልታት ክዋፈሩ ዝፈቅድ እዩ።
ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ቍጽሮም ዘይተነጸረ መራኽብን ሰራዊትን ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ተዋፊሮም፡ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ዳግማይ ንኽውደብ ክሕግዙ እዮም።
ቱርኪ ሰራዊታ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተዋፍር እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ካብ ግዝኣታ ወጻኢ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ብ50 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሃነጸት ዝዝከር እዩ።