ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዛዕባ ዘሎ ወጥሪ ክዝቲ'ዩ

Published

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዝርከባ ሶማልያን ኢትዮጵያን ጉዳይ ኣልዒሉ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ሎሚ 19 ለካቲት 2024 ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ መረዳድኢ ውዕል፡ ካብ ዘልዕሎም ጉዳያት ሓደ ከምዝኸውን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ ዘሎ።

ጉዳይ ሶማልያ ከም ኣጀንዳ ዝሓዘ ባይቶ ጸጥታ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ከካይድ ውጥን ሒዙ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ብ'ኣፍሪቃዊ ጕጅለ 3' (A3) ዝፍለጥ ኣባል ባይቶ ጸጥታ፡ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ክዝተየሉ ኣለዎ ብዝብል ሕቶ ሰለስቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ ንሎሚ ተናዊሑ።

እቲ ብቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ከሃድእ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ክልቲአን ሃገራት ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ክሰሓሓባ ቀንየን ኣለዋ።

ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሸ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ናብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ከይኣቱ ከምዝዓንቀፍዎ ከሲሱ።

ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ልኡኽ ሶማልያ ኣብ ዋዕላ እቲ ሕብረት ንኸይሳተፍ ዕንቅፋት ኰይና ኣላ ብምባል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቕንዕናን ናጻን መርመራ ከካይድ ሓቲታ።

ኢትዮጵያ ብወገና ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ልኡኽ ሶማልያ፡ መንግስቲ ዝመደበሉ ኣባላት ጸጥታ ኣይንቕበልን ብምባል፡ ዓጀብቶም ናብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ’ቲ ሕብረት ከምዝተኸልከሉ ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ እንተኸኣለ’ኳ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ጻንሒት ኣቋሪጹ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ሃገራት ንምቕባል ዝወሰደቶ ጥንቃቐ ኣብ ግምት ብምእታው ፍጹም ዘይግቡእ ምላሽ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ዋዕላ ኣመልኪታ መግለጺ ዝሃበት ሚኒስተር ዲኤታ፡ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፡ "ካብቲ ባህሊ ዲፕሎማሲ ዝፈቕዶ ንላዕሊ ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሃን ንምስሓብን ዘይምኽንያታዊ ክስታት ንምዝርጋሕን ዝዓለመ'ዩ” ክትብል ወቒሳ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ጉዳይ ሶማልያ ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክመክር ምዃኑ ተገሊጹ።

ሶማልያ፡ ነቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ዝተፈረመ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ኣንጻር ልኡላውነተይን ግዝኣታዊ ሓድነተይን እዩ' ብምባል ምንጻጋ ይዝከር።

ከምኡ'ዉን፡ ኢትዮጵያ፡ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ናብ ግዝአታ ክትሕውሳ ትፍትን ኣላ ብዝብል'ቲ ጉዳይ ብህጹጽ ክረአ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዘተየሉ ብምዃኑ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክመኽረሉ የብሉን ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲአን ሃገራት "ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኣፍሪቃ" ብዝብል ኣጀንዳ ዕጹው ኣኼባ እቲ ጉዳይ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ፡ ኣልጀርያ፡ ሞዛምቢክን ሴራሊዮንን ዝሓቘፋ ሃገራት A3 ከምኡ’ውን ጒያና፡ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ዞባ፡ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ይዝተየሉ ከምዘሎ ኣስሚረን እዚ ክኽበር ኣለዎ ኢለን ነይረን።

ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ምኽባር ከምዘድሊ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦቦሳንጆ ብምልኣኽ ንክልቲአን ሃገራት ንምዕራቕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዝደገፈ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ናጻ ሃገር ምዃና ምስ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ካብ ዝፈረመትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምስሕሓብ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብቲ ስምምዕ፡ ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ 20 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ክትህባ ምስ ተሰማምዓት፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከም እትህቦ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ሶማልያ ኣባልነት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋርን ኣልሸባብ ዘስዕቦ ጸጥታዊ ስግኣት’ውን ከም ዝዝትየሉ ይግመት።