ቓዛ፡ ካብ ኣየር ዝድርበ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለምንታይ ኣካታዒ ኮይኑ?

Published

ኣመሪካ ምስ ዮርዳኖስ ብምትሕብባር ብሰሉስ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ን 36 ሽሕ ሰባት ምግቢ ካብ ኣየር ከምዝደርበየት ገሊጻ ነይራ፤ እዚ ኣብ ቀረባ መዓልቲታ ንካልኣይ ግዘ ዝተሳለጠ ሓበራዊ ስርሒት እዩ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብቲ ብዘይ እኹል ምግብን ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣታስት 300 ሽሕ ሰባት ዝርከቡሉ ሰሜናዊ ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ እቲ ካብ ኣየር ዝካየድ ዕደላ ምግቢ ተሳሊጡ ዘሎ፡፡

እንተኾነ እቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ከምዘየማልእ ዝገልጽዎ ዘለዉ መስርሕ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡

እዚ ናይቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምብጻሕ ጻዕሪ ውድቀት ዘመላኽት እውን እዩ፡፡

ኣብ ከይዲ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን በቲ ግብጺ እትቆጻጽሮ መእተዊ ራፋህን እስራኤል እትቆጻጸሮ መንገዲ ከረም ሻሎምን ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክኣትዋ ጸኒሐን፡፡ እስራኤል ፈላማይ ወታሃደራዊ ወፍሪ ዘካየደትሉ ሰሜናዊ ቓዛ ግን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተገሊሉ ጸኒሑ፡፡

ኣብ 20 ለካቲት፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ሕጊ ኣልቦነት ስዒቡ ብዘጋጠመ ዕግርግርን ጎነጽን ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ደው ከምዘበለ ገሊጹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ቓዛ ናብ ሓንቲ ብሰራዊት እስራኤል ተዓጂባ ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዛ ዝመጸት መኪና ንብጻሕ ዝዳፋእ ካብ ዝነበረ ህዝቢ ልዕሊ 100 ተቐቲሎም፡፡

ሰብመዚ ጥዕና ፍልስጤም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐተሉ ይገልጹ፡፡ ሰራዊት እስራኤል ግና መብዛሕተኦም ተጸቓቒጦም ወይ ድማ በተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ተረጊጾም ከምዝሞቱ ይገልጹ፡፡

‘ዘይእኹል ሓገዝ’

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሰሙናት ምስ ሰራዊት እስራኤል፣ ፈረንሳ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ኣመሪካን ዮርዳኖስን ብምትሕብባር ልዕሊ 20 ግዘ ካብ ኣየር ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ተደርብዩ፡፡

እስማዒል ሞቕበል ዝተባህለ ነባራይ፡ ብዓርቢ ኣእካል ጥረን ውሑዳት ንጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዘድልዩ ቀረባትን ካብ ኣየር ከምዝተደርበዩ ገሊጹ፡፡

ኣቡ ዮሱፍ ዝተባህለ ካልእ ውልቀ ሰብ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ዝወደቐ ሰብኣዊ ሓገዝ ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይረኸበ ገሊጹ፡፡

‘‘ናብ ሰማይ እናጠመትና ከለና ሃንደበት ናይ ሓገዝ ፓራሹታት ክወርድ ርእይና፡፡ እቲ ሓገዝ ካብቲ ዝነበርናሉ ኣስታት 500 ሜትሮ ርሒቑ ክሳብ ዝወድቕ ኣብ ዘለናዮ ኮይንና ርእይና፡፡ ኣብኡ ግን ብዙሓት ሰባት ነይሮም፤ እቲ ሓገዝ ግን ውሑድ እዩ፡፡ ስለዚ ምንም ክንረክብ ኣይከኣልናን’’ ይብል።

ሞቕበል፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ መሰረታዊ ጠለብ ከማልእ ዘይክእል ውሑድን እቲ ብኣየር ዝግበር ዕደላ ድማ ዘይምቹእ ከምዝኾነን እዩ ዝገልጽ፡፡

‘ክባርን ቅጥዒ ዘይብሉን’

ካብ ኣየር ቀረብ ምዕዳል ንፈለማ ግዜ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣጸጋሚ ከባቢ ንዝሰፈሩ ወታሃደራት ንምብጻሕ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1973 ምስተጠቐመሉ ግና ከምሓደ ጠቓሚ ኣገባብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ፡፡

ኣብ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከምዝሕብሮ ግና እዚ መስርሕ ‘‘ካልኦት ውጺታዊ ኣማራጺታት ዘይሰርሑ እንተኾይኖም’’ ክትጥቀመሉ እትኽእል ‘‘ናይ መወዳእታ ኣማራጺ’’ እዩ፡፡ ደቡብ ሱዳን ዕደላ ኣየር ዝተኻየደላ ናይ መወዳእታ ሃገር እያ፡፡

ዋና ጸሓፊ ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይን ነበር ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራትን ያን ኢግላንድ ‘‘ካብ ኣየር ሰብኣዊ ሓገዝ ምድርባይ፡ ክባር፣ ቅጥዒ ዘይብሉን መብዛሕትኡ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ዘይግበኦም ክበጽሕ ዝገብርን እዩ’’ ክብል ይገልጾ፡፡

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ድማ ብምኽንያት ምስ ነፈርቲ፣ ነዳድን ሰብሞያን ዝተተሓሓዙ ወጻኢታት፡ ብኣየር ዝካየድ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ብመሬት ዝካየድ ብሸውዓተ ዕጽፊ ዝኸበረ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡

ብተወሳኺ ምስ መካይን ክነጻጸር ብነፈርቲ ውሑድ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝጓዓዓዝ እቲ ትካል ይሕብር፡፡

ቀይሕ መስቀል ድማ፡ ሰባት ውሑስ ዘይኮነ ምግቢ በሊዖም ንሓደጋ ከይቃልዑ ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ቁጽጽር ከምዘድልዮ የረድእ፡፡

‘ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ክትፈጥር ኣለዋ’

ነባራይ ቓዛ ሳሚር ኣቡ ሳብሃ፡ ኲናት ደው ክብል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሓዛኣ እስራኤል ጸቕጢ ክትገብር ከም ዘለዋ ንቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ ገሊጹ፡፡

‘‘ከም ሓደ ናይ ቓዛ ዜጋ እዚ ንዓና ዝጠቕመና ኣይኮነን’’ ይብል፤ ‘‘ንሕና ኣመሪካ፡ እስራኤል ተዂሲ ደው ክተብል ጸቕጢ ክትገብርን ንእስራኤል ኣጽዋር ኲናትን ሚሳይላትን ምሃብ ደው ክተብልን ኢና እንደሊ፡፡’’

ገለ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ይህቡ፡፡

ሓላፊ ኦክስፋም ኣመሪካ ስኮት ፖል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ‘‘ ኣብ ቓዛ ዒላማ ዘይሓለወ ዕደላ ኣየር ካብ ምክያድ፡ ኣመሪካ ነቲ እስራኤል ዒላማ ከይፈለየት እተጥቀዓሉ ኣጽዋር ምቕራብ ደው ክተብል፣ ቅልጡፍ ምቁራጽ ተስኹስን ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክፍጸም ክትደፍእ፣ እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ፣ መንገድን ኣገልግሎታት ናይ ምኽፋት ግዴታኣ ክትዋጻእ ክትጸቅጥን ኣለዋ’’ ኢሉ፡፡

ካልኦት ግና እቲ ቅልውላው ኣዝዩ እናበርተዐ ይኸይድ ብምህላዉ ምግቢ ብዝኾነ መንገዲ ክባጻሕ ከምዘለዎ ይኣምኑ፡፡

ናይቲ ናብ ቓዛ ምግቢ ዝልእኽ ዘሎ 'ወርልድ ሰንትራል ኪችን' መስራቲ ሆዜ ኣንድሬስ ‘‘ብዝኸኣልናዮ መንገዲ ናብ ቓዛ ምግቢ ክነምጽእ ኣለና፡፡ ብባሕሪ እውን ክነምጽእ ኣለና’’ ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ‘‘መተሓላለፊ ባሕሪ ንምርካብ እትገበሮ ጻዕሪ ብዕጽፊ ክትውስኽ እያ፤ ብመሬት ዝካየድ ምብጻሕ እውን ክነስፍሖ ኢና’’ ኢሉ ነይሩ፡፡ እቲ ጻዕሪ ግን ዛጊድ ናብ ተግባር ኣይተሸረፈን፡፡

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ ፡ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይንን ዕደላ ኣየርን የሳልጡ ከምዘለዉ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ፡፡