ጳጳስ ፍራንሲስ ደቂኣንስትዮ ኣብ ጉባኤ ከድምጻ ታሪኻዊ መሰል ሂቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣሕሊፈምዎ ዘለዉ ሓድሽ ውሳነ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ደቂኣንስትዮ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ድምጸን ክህባ ዝፈቅድ እዩ። እዚ ስጕምቲ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።
እዚ ብረቡዕ ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ ሕግታት፡ ንሓሙሽተ ሃይማኖታዊ ደናግል ኣብቲ ኣካል ኣማኻሪ ጳጳስ ዝዀነ ሲኖዶስ መሰል ምምራፅ ዝህብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ጉባኤ ከም ተዓዘብቲ ኰይነን ክሳተፋ እዩ ዝፍቀደለን ነይሩ።
ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ኣብዚ ጸላዊ ጉባኤ ደቂተባዕትዮ ዝበዝሕ ድምጺ ክህቡ እዮም።
ይዅን’ምበር እዞም ጽገናታት፡ ኣብታ ንዘበናት ብደቂተባዕትዮ ተዓብሊላ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ሮማ፡ ከም ኣመና ዓቢይ ለውጢ ዝርአ እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጉባኤ ወግዐ-ቅስና ደቂኣንስትዮ (ደቂኣንስትዮ ኣቕሽቲ ክዀና ዝሕለቕ)፡ ነዚ ሓድሽ ጽገና፡ “ብመስትያት ኣብ ዝተሰርሐ ናሕሲ ዝርአ ነቓዕ” ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ተሓላቒ ትካል፡ “ንዓመታት ተወከልትን ኤጲስ ቆጶሳትን ቫቲካን፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሲኖዶስ ድምጺ ከይህባ ተቓዊሞም እዮም። እቲ ዘይተነገረ ምኽንያት ድማ ጾታዊ ኣድልዎ እዩ” ክብል ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
“ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ሲኖዶስ ምሉእ ብምሉእ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዝውክል ኣካል ኰይኑ ክዓቢይ ድማ ነተስፎ” ኢሉ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ሲኖዶስ እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ስልጣን ሰንሰለት ብምርሓቕ፡ ካህናት ንዘይኰኑ ብኢድ ዝተመረጹ 70 ኣባላት፡ መሰላት መረጻ ከም ዝዝርጋሕ ኣፍሊጦም።
እቶም ጳጳስ፡ ካብዚ ኣሃዝ እተን ፍርቂ ደቂኣንስትዮ ከም ዝዀናን፡ መናእሰይ ንምሕዋስ'ውን ትዅረት ከም ዝተገበረ ተዛሪቦም።
ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ እቲ ሲኖዶስ ብጹእ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪች፡ “እዚ፡ ወሳኒ ለውጢ’ምበር ሰውራ ኣይኰነን” ኢሎም።
ጋዜጠኛ ቫቲካን ክሪስቶፈር ላምብ ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዞም ለውጥታት ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም። እቶም ጳጳስ፡ ኣብ መጻኢ እታ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ዝሓቘፈ ውሳነ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ንደቂኣንስትዮ ዝመልከት ጽገናታት፡ ኣብ ጉዳይ ውክልና ደቂኣንስትዮ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ” ዘተ ከም ዘንፀባርቕ ተዛሪቡ።
እንተዀነ ክርስቶፈር ላምብ፡ እቶም ጳጳስ በዚ ሓድሽ ውሳነ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ቤተ-ክርስትያን ከቢድ ተቓውሞ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
