ኣብ ኣዳራሽ መሰኻኽር የሆዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥይት ብዙሓት ተቐቲሎም

ኣብ ኣዳራሽ መሰኻኽር የሆዋ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ሓይልታት ጸጥታ ጀርመን ኣብቲ ስፍራ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ኣብ እትርከብ ከተማ ሃምቡርግ ኣብ ኣዳራሽ መሰኻኽር የሆዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥይት ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

እቲ ዕጡቕ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ፓሊስ ክሕብር እንከሎ፡ መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን በቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢረን።

ብዘይካ’ዚ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቘሰሉ ተገሊጹ።

ዛጊት ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘይተነጸረ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ናይቲ ጥርጡር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበልዎ ሬሳ ምርካቡ ገሊጹ።

ፖሊስ ሓበሬታ ምስበጽሖ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ናብቲ ስፍራ ክበጽሕ እንከሎ፡ ብጥይት ተሃሪሞም ብኸቢድ ዝቘሰሉን ህይወቶም ዝሓለፈን ሰባት ምርካቡ ኣፈኛ ፖሊስ ሆልገር ቬህሬን ኣረዲኡ።

“ክሳዕ ሕጂ ፈሊጥናዮ ዘሎና፡ ኣብቲ ስፍራ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምቕታሎምን ካልኦት ብዙሓት ቈሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን እዩ” ዝበለ እቲ ኣፈኛ፡ እቲ ውልቀሰብ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ “ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን” ኢሉ።

ላዕለዋይ በዓልስልጣን እታ ግዝኣት፡ ኤንዲ ግሮት፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ስፍራ ተዋፊሮም ምህላዎም ብትወተር ገሊጹ።

መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን፡ ፖሊስ ንግዳያት ናብ ኣምቡላንስ እናእተወ ዘርኢ ምስልታት ዘርጊሐን ኣለዋ።

ፖሊስ ናብቲ ከባቢ በጺሑ ስርሒት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ገዛኦም ከይወጹ ተነጊርዎም ነይሩ።

ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ኒውዮርክ ዝዀነ እምነት መሰኻኽር የሆዋ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣብ ኣሜሪካ ዝተጀመረ ክኸውን እንከሎ ንእምነት ክርስትና መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ እዩ።