ጀርመን፡ ናብ ሕሉፍነትን ሓደጋን ዝማዕበለ ናይ 'ጽሉላት' ምንቅስቓስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ 'ራይክስበርገር' (ዜጋታት ራይክ) ብዝብል ዝጽዋዕ ጉጅለ፡ ከም ዘየድምዕ ተቖጺሩ ምንጪ ሃገራዊ ላግጺ ብምዃን ንዓመታት ተነጺጉ ጸኒሑ’ዩ።
ብዓይኒ ትካላት ጸጥታ እታ ሃገር ግን፡ ዝያዳ ሕሉፋትን ሓደገኛታትን እናኾኑ ምምጽኦም ስክፍታታቶም ዛይዱ'ሎ።
ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዘሎ መንግስቲ ጀርመን ኣፍልጦ ኣይህቡን። ንስልጣን እቲ መንግስቲ ድማ ይነጽጉ።
ዋላ’ኳ መጸውዒ ስም እንተሃለዎ፡ እቲ ጉጅለ ግን ዝተወደበ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣይኮነን። ናይቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሓባራዊ እምነት ዝተጠርነፉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ምትእኽኻብ ጥራይ እዩ።
ገለ ካብዚኦም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ባጤራን መንነት ወረቐትን ብምሕታም ናይ ገዛእ ርእሶም ርእሰ-ምምሕዳር መንግስቲ ክፈጥሩ ዝሓልሙ እዮም።
ንኣብነት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንነብሱ ‘ኮኒግራይክ ዶሽላንድ (ንግስነት ጀርመን) ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ፡ ኣብ ሳክሶኒ ክልተ መሬት ዓዲጉ፡ ኣብኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳር መንግስቲ ክምስርት ሓሲቡ ነይሩ።
ግብሪ ዘይምኽፋልን ዋንነት ብረትን
ካልኦት ድማ ግብሪ ምኽፋል ይኣብዩ ወይ ድማ ኮነ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ጸርፊ ዝመልኦም ነዋሕቲ ደብዳቤታት ብምልኣኽ ኣብ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ጸገም ይፈጥሩ።
ብዙሓት ድማ ብሕጋዊ ይኹን ብኻልእ መንገዲ ብረት ዝውንኑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, DPA PICTURE ALLIANCE
ካብ 2016 ጀሚሩ፡ መኮንናት ነቲ ዝዓቖሮ ኣጽዋር ኣብ ዝፍትሽሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ኣባል ራይክስበርገር ንሓደ ፖሊስ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሰበስልጣን ጀርመን፡ ልዕሊ ሽሕ ፍቓድ ጠበንጃ ናይቶም ነቲ ስነ-ሓሳብ ዝድግፉ እዮም ዝበልዎም ሰባት ሰሪዞምዎ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣስታት 500 ኣባላት ሕጋዊ ፍቓድ ጠበንጃ ነይርዎም።
‘ሰልብቫልተ’ - ርእሰ-ኣመሓደርቲ
ኣሃዛት መንግስቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ርእሰ-ኣመሓደርቲ ዝብል ትርጉም ብዘለዎ ‘ሰልብቫልተ’ ዝብል ቃል’ውን ዝጽዋዕ ራይክስበርገርን፡ ኣብ 2021 ልዕሊ 1000 ኣኽረርቲ ገበናዊ ተግባራት ፈጺሙ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ብዕጽፊ ይዛይድ።
ካብቶም ኣብ "ክፍሊ" ራይክስበርገር ዝርከቡ 21 ሽሕ ሰባት፡ ኣስታት 5 ሚእታዊት የማናውያን ኣኽረርቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10 ሚእታዊት ድማ ጎነጻውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን።
ምስ ሰራዊት ጀርመን እውን ርክብ ኣለዎም ይብል ሚሮ ዲትሪች ዝተባህለ ነቲ ጉጅለ ከምኡ እውን ካልኦት ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳባት ዝከታተል ክኢላ።
ንሱ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ጉጅለ ዝያዳ ኣኽራሪ ንክኸውንን ዝያዳ ደገፍ ንኽረክብን ከምዝሓገዘ ይኣምን።
"እቲ ለበዳ ንብዙሓት ሰባት ከቢድ ህሞት'ዩ ነይሩ። ነገራት ከመይ ከምዝምዕብሉ ንጹር ኣይነበረን… ውዲታዊ ትረኻታት ንዓለም መምርሒ ስለዝሃበ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ ነይሩ" ይብል።
'ኪውኣኖን' (QAnon)
ኣባላት ራይክስበርገር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ጎኒ ጎኒ ጸረ-ክታበትን ኮቪድ የለን ዝብሉ ሰባትን ከምኡ’ውን ደገፍቲ ኪውኣናን (QAnon) ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ ነሓሰ 2020 ካብ ናይ ኮቪድ ሰልፊ ዝመጹ ዕስለ ንቡንደስታግ (ባይቶ ጀርመን) ክወርሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኣብኡ ተሳቲፎም እዮም።
ብዙሓት፡ ብሓፈሻ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመን ክሳብ ክንደይ ሰፊኑ ከምዘሎ - ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ - ተገሪሞም እዮም።
ብዙሓት ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ስሚ ከምዝኾነ ይዛረቡ ወይ ድማ መንግስቲ ጀርመን ነቶም "ተወለድቲ" ህዝቢ እታ ሃገር ብወጻእተኛታት "ክትክእ" መደብ ኣለዎ ዝብል ልሙድ ወረታት የድምጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣንጻር ልዑል መጠን ክፍሊት ጸዓት ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ ተቓውሞ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ቁጠባን ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ኲናት ንምእዋጅ ይሸባሸቡ ኣለዉ ዝብል ርእይቶ ገሊጹ።
ንሰበስልጣን ዘሻቕሎም ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ ናብ ዓመጽ ክዓቢ ከም ዝኽእል እዩ።
ብርግጽ ኩሉ ክልሰ-ሓሳባዊ ውዲተኛ ኣካላዊ ሓደጋ ዘስዕብ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግን ናይ ሞት ምፍርራሕ በጺሕዎም እዩ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ከምዝዓግቱ ተጨኒቖም ይርከቡ።
ስለዚ እቶም ኣብዚ እዋን ዝተኻየዱ ወፍሪታትን ማእሰርትንምንጪ ዓቢ ሃገራዊ ስክፍታ ክኾኑ እዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
