ኣርሰናል ምስ ሉተን ማን ዩናይትድ ምስ ቸልሲ፡ ግምት ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ
ኣስቶን ቪላ ኣብ ዝሓለፈ 13 ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ተዓዊታ እያ፤ ረቡዕ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ እትገብሮ ግጥምከ ናብ 14 ተብጽሖ ዶ ትኸውን?
ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሳተን፡ “ቪላ ኣብ ሜዳኣ እተርእዮ ጸወታ ፍሉይ እዩ፡” ይብል።
“ሲቲ ብሰንበት ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ መስመር ምክልኻላ ድኹም እዩ ኔሩ፤ ኣብ ምጥቃዕ ግና ኣዝያ ሓደገኛ ኔራ።”
ሳተን፡ ንኹሉ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እዚ ዓመት ግምቱ የካፍል ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ኣብ መንጎ ንዝካየዱ ግጥማት ዝሃቦ ግምት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ሰሉስ 5 ታሕሳስ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ዎልቭስ ምስ በርንሊ
በርንሊ ካብ ፕረሚየር ሊግ ከይትወርድ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቅልስ መቀናቕንታ ኣብ ዝኾነት ሸፊልድ ዩናይትድ ድሕሪ ምዕዋታ ክሳዳ ዘቕንዐት እያ ትመስል።
ንዎልቭስ’ውን ናብቲ ናይ ታሕቲ ቅልስ ከተውርዳ ክትደሊ እያ። እንተኾነ ዎልቭስ ወላ’ኳ ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ግጥማታ ኣብ ሰለስተ እንተተሳዕረት ካብ ታሕቲ ፍንትት ኢላ ብምህላዋ ኣዝዩ ዘሻቕላ ኣይኮነን።
ግምት 2-0

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሉተን ምስ ኣርሰናል
ኣርሰናል ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ናህሪ መጥቃዕታ ዝሒሉ'ኳ እንተሎ፡ ግና ነቲ ትደልዮ ትፍጽም ብምህላዋ ዘዋጽእ ኣካይዳ'ያ ትኽተል ዘላ።
ሉተን ኣብ ሜዳኦም ኣዝዮም ሓቦኛታት ምዃኖም ንፈልጥ እኳ እንተኾንና ኣርሰናል ዝገበረት ጌራ ክትስዕር እጽበያ።
ካብ ጥሪ 1984 ንደሓር ኣርሰናል ንሉተን ኣብ ሜዳኣ ስዒራታ ኣይትፈልጥን፡ ሎሚ ግና ነዚ መኸተምታ ትገብረሉ ግዲ ትኸውን።
ግምት 0-2
ረቡዕ 6 ታሕሳስ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ብራይተን ምስ ብረንትፎርድ
ብራይተን ካብ ሸሞንተ ግጥማት፡ ሓንቲ ጥራይ እያ ተዓዊታ፤ ሰንበት ብቸልሲ ዝተስዓረትሉ ግጥም ከኣ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽዩ ኔሩ። ሓደ ተጻዋታይ ብቀይሕ ካርድ ዝኸሰረት ቸልሲ ካልኣይ እብረ ጸወታ ብ10 ተጻወትቲ ክትገጥም እያ ተገዲዳ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ካብ ብራይተን ኣርባዕተ ነጥቢ ዝመንዝዐት ብረንትፎርድ ሎሚ’ውን ንብራተን ክትብድሃ ክትፍትን እያ።
ግምት 2-2

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ክሪስታል ፓላስ ምስ በርንመዝ
በርንመዝ ዘርእይዎ ዘለው ምምሕያሻት ኣገሪሙኒ ኣሎ። ኣብ ምጥቃዕ እዮም ዘድህቡ ዘለው።
በርንመዝ ነጥቢ ንምምንዛዕ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ኣብ ሜዳ ሰልሀርስት ፓርክ እውን ክቕጽሉ እኳ እንተኾኑ፡ ክሪስታል ፓላስ ነዚ እተፍቅደሎም ኣይመስለንን። ከቢድ ጸወታ ክኸውን እዩ።
ግምት 1-0

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ፉልሃም ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት
ፉልሃም ብሰንበት ካብ ኣንፊልድ ጸወታ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ መሪሕነት ተረኪቦም እኳ እንተነበሩ ብዘይነጥቢ ምውጽኦም ዕድል ኣይገበሩን። ኣሌክሳንደር ሚትሮቪች ድሕሪ ምውጽኡ ሸቶታት ከመዝግቡ ጀሚሮም ብምህላዎም ዝተረጋግኡ ይመስሉ።
ፎረስት ብተኸታታሊ ንሰለስተ ግጥማት ተሳዒራ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒ ስቲቭ ኩፐር ዝውሕዝ ዘሎ ቁጥዐ መጠኑ ዝሓለፈ ይመስል።
እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብቲ ሰሌዳ ትሕት ኢለን ሓንቲ ድሕሪ እታ ሓንቲ እየን ተሰሪዐን ዘለዋ። በዚ ከኣ እቲ ጸወታ ዕጽው ክኸውን እጽበዮ።
ግምት 1-1

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሸፊልድ ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል
ኣሰልጣኒ ፖል ሄኪንቦቶም ካብ ሸፊልድ ዩናይትድ ምውጽኡ ዝተርፍ ኣይመስልን። ክሪስ ዊልደር ናብቲ መዝነት ይምጻእ ኣይምጻእ ብዘየገድስ ንሸፊልድ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽኣላ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለኒ ዘሎ መስመር ምክልኻላ ብቐሊሉ ዝፍንጠስ ምዃኑ እዩ።
ሊቨርፑል ብሰንበት፡ መሪሕነት ካብ ፉልሃም መንዚዓ ምዕዋታ ዘደንቕ እዩ ኔሩ። ኣብ ሰሌዳ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ላዕሊ ንምሕኳር ዝገብርዎ ጻዕሪ ግቡእ መስመሩ ዝሓዘ ይመስል። ነዚ ጸወታ ከኣ ብዘይጸገም ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም።
ግምት፡ 0-3

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኣስቶን ቪላ ማንቸስተር ሲቲ
ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሕ ሸቶታት ክምዝገባ ክትርኢ ዘየገርም ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ግጥማት 10 ሸቶታት ተመዝጊብዋ ኣሎ፤ ኣብዚ እውን ቪላ እተመዝግብ ይመስለኒ።
ሲቲ ኣብዚ ግጥም ንሮድሪን ጃክ ግሪሊሽን ክተውርዶም እኳ እንተዘይከኣለት፡ ክትዕወት ምዃና ግና ኣይጠራጠርን።
ብሰንበት ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዝነበረ ግጥም ብዝተዋሃበ ውሳነ ዳኛ ዝተቖጥዑ ተጻወትቲ ሲቲ ስምዒቶም ኣብዚ ጸወታ ከንጻብርቕዎ እትጽበዮ ነገር እዩ።
ኣብቲ ምስ ቶተንሃም 3 ብ 3 ማዕረ ዝተፈላለዩሉ ግጥም፡ ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ኤርሊን ሃላንድ ብተጻዋታይ ቶተንሃም ብድሕሪት ምስ ተሃረመ ተንሲኡ ኩዕሶ ኣብ ቅድሚት ንዝነበረ ወዲ ጋንታኡ ጃክ ግረሊሽ እኳ እንተ ኣቐበለ፡ ዳኛ ጸወታ ክቕጽል ብዘይምፍቃዱ እዮም ተቘጢዖም።
ዳኛ ሁፐር፡ ፈለማ ጸወታ ክቕጽል እኳ ምልክት ኣርእዩ እንተነበረ ብድሕሪኡ ፊስካ ብምንፋሕ ንሲቲ ቅላዕ መቕጻዕቲ ሂቡ። ብርግጽ ዳኛ ነቲ ጸወታ ደው ምባሉ ዝተጋገየ ይመስለኒ። ብዝኾነ ግና ተኸላኸልቲ ቶተንሃም’ውን ንግረሊሽ ኣይመሕለፍዎን።
ግምት 1-2

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ቸልሲ
ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ብቐዳም ምስ ኒውካስል ኣብ ዝነበሮም ግጥም ሕጉሳት ዝነበሩ ኣይመስሉን።
ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣሰለጣኒ ማን ዩናይትድ ኤሪክ ተን ሃግ፡ ኒውካስል ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ድሕሪ ምጽዋታ ተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ከምዝነበራ ብምጥቃስ ከማርር ተሰሚዑ።
ኒውካስል ነቲ ጸወታ 1 ብ 0 እኳ እንተተዓወትሉ ዝያድኡ ክኸዱ ይግብኦም ኔሩ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ እተካይዶ ግጥም ዝያዳ ክንቀሳቐሱ ክጽበ እየ። ግና ማን ዩናይትድ ኣብቲ ሰሌዳ እትርከበሉ ታርታ ምዝካር ኣድላዪ እዩ፤ ሻብዓይቲ እያ ዘላ። እንተኾነ ዛጊት ዝተዓወተቶ ሸሞንተ ግጥማት ብምልኡ ካብተን ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ሰሌዳ ዘለዋ ጋንታታት እዩ።
ስለዚ ቸልሲ፡ ወላ’ኳ ብቕዓታ ተለዋዋጢ እንተኾነ፡ ነዚ ጸወታ ብርግጽ እትዕወተሉ ይመስለኒ።
ግምት 1-2

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኤቨርተን ምስ ኒውካስል
እዚ ኣብ መንጐ ክልተ ብምሉእ ዓቕመን ዝስለፋ ጋንታታት ዝካየድ ብሉጽ ጸወታ ክኸውን እየ ዝጽበ።
ኤቨርተን ኣብ ሜዳኣ ብዙሕ እትድነቕ ኣይኮነትን፤ እንተኾነ በቲ ኣሰልጣኒ ሲን ዳይች ዝኸዶ መገዲ ምሉእ እምነት ዘለዎም ይመስሉ።
ግና ኣብ ኒውካስል ዘሎ ስምረት’ውን መሳጢ እዩ።
ማዕረ ክፈላለያ እየን ምበልኩ ግና ኣጥቃዒ ኤቨርተን ነበር ኣንቶኒ ጐርደን ናብ ናይ ቀደም ሜዳኡ ጉዲሰን ፓርክ ከይዱ ክጻወት ብምዃኑ ለውጢ ዘምጽእ ይመስለኒ።
ግምት 1-2

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ቶተንሃም ምስ ዌስት ሃም
እዚ ንቶተንሃም ቅሩብ ኣጸጋሚ ጸወታ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣስልጣኒኦም ኣንጅ ፖስተኮግሎ ምስ ጋንታታት ክጋፈጥ እዩ ዝፈቱ፤ ኣሰልጣኒ ዌስት ሃም ዴቪድ ሞየስ ከኣ ነዚ ኣይከፍቅድን እዩ።
ዌስት ሃም ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኩዕሶ ብዙሕ ከይሓዙ ንብራይተን ክስዕርዋ ክኢሎም እዮም፤ ሎሚ’ውን ነዚ ክደግሙ ክደልዩ እዮም። ኣብ ምክልኻል ኣድሂቦም ከጥቅዑ ክፍትኑ እዮም።
ነዚ ጸወታ ቶተንሃም ክትዕወተሉ እያ፤ ግና ብቐሊሉ ዝኸውን ኣይመስለንን።
ግምት 3-2






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
