ድሕሪ 30 ዓመታት 'ክልተ ጸጕሪ' ኣብቊሎም ዝተራኸቡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ

Published

ሽዑ መንእሰያት እዮም ነይሮም። 30 ነሓሰ 1984 ዓ.ም [ግእዝ] ተመሪቘም።

ድሕሪ 30 ዓመት፡ ማለት ብ30 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብኡ ኣብቲ ዝተማህሩሉ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተራኸቡ ሰንቢዶም።

ዝኽሪ ኣለማያ ውነኦም ወሲድዎ፣ ሓይሊ ግዜ መሲጥዎም።

ገሊኦም ተረሳሲዖም እዮም። ገለ፡ ኣስማት ናይቶም ደቂ ደርሞም [መደቀሲ ተመሃሮ] ዝነበሩ'ውን ረሲዖምዎ።

ገሊኦም ሰዪቦም፡ ገሊኦም በሪሖም፡ ገሊኦም ድማ ከሲዖም እዮም።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ መብዛሕትኦም ዶካትር ኰይኖም፤ ገለ ካብኣቶም ፕረዚደንታት ዩኒቨርሲቲ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ፕሮፌሰራት እዮም።

ገሊኦም ምስዳድ ዕምበባ [ንወጻኢ] ዝተዋፈሩ ነጋዶ ኰይኖም፣ ካልኦት ድማ ተመራመርቲ እዮም።

ገለ ካብኣቶም፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለዓለ መዝነት በጺሖም።

ኣምባሳደር ዝዀነ እውን ኣሎ።

ንኣብነት ሚኒስተር ሕርሻ ነበር፡ ሕጂ ኣምባሳደር ኣብ ጃፓን ተፈራ ደርበው፡ ምሩቕ ናይዚ 'ብላቴ ባች' እናተበሃለ ዝጽዋዕ ወለዶ እዩ።

ርግጽ ሕጂ ኣብቲ ቦታ፡ ምስኣቶም ኣይተረኽበን፣ ካብ ጃፓን ግን መልእኽቲ ሰዲዱ።

ኣብ መርዓ ዝተታሕዘ ቈጸራ

እዚ ቈጸራ ን 30 ዓመት ብዋዛ እዩ ተጀሚሩ።

ዶክተር ኣዱኛ፡ ዝተባህለ ኣቦ፡ ንወዱ ከመርዑ ምዃኑ ኣፍለጥ።

ንሱ'ውን፡ ሓደ ካብዞም 'ብላቴ ባች' እዩ።

ገለ ካብቶም ዕዱማት ናይ ቀደም ናይ ኮሌጅ ኣዕሩኽ እዮም።

‘ንምንታይ ግን ዘይንራኸብ?’ ተበሃሃሉ።

መዓስ? ዝብል ሕቶ ቀረበ።

'ነሓሰ 30'።

'ኣበይ?

'ኣብኡ ኣብ ሃረማያ።'

ብኸምዚ እቲ ቈጸራ ተታሕዘ።

'500 ተመዝጊብና፡ 250 ተመሪቕና'

እቲ ኮሌጅ፡ ኣብ መጀመርታ 1950ታት ብሓልዮት ሃጸይ ሃይለስላሰ ክኽፈት እንከሎ፡ ንኣፍሪቃ’ውን ከይተረፈ ክኸውን እዩ ዝተባህለሉ እዩ ነይሩ።

ሽዑ፡ ጠቕላላ ቍጽሪ ተመሃሮ 11 ጥራይ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ መምህርን ምምሕዳርን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክላሆማ ኣሜሪካ እዮም መጺኦም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ‘የኔታ’ እምበር ፕሮፌሰር ዝበሃል ኣይነበረን።

ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብዚ ትውልዲ ዓዶም ንዝኸፈትዎ ‘ኮሌጅ ኣለማያ’ ኣዝዮም ይህንጠዩሉ ከም ዝነበሩ ይንገር።

ኣብቲ ግዜ እቲ ጸባ ንተመሃሮ፡ ብቡምባ ማይ ይቐርብ ከምዝነበረ ይውረ።

እዚ ጽውጽዋይ እዚ፡ ‘ጃንሆይ ኣይሓድጉን’ እናተበሃለ ክሳብ ሎሚ'ውን ይስማዕ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ተመሃራይ ኮሌጅ ምዃን ንባዕሉ ሳሕቲ ዝረአ እዩ። ናብ ኮለጅ ምእታው ተኣምር እዩ።

ዶክተር ተፈራ ዝርከቦም እዞም ተመሃሮ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ እንከለው በዝሖም፡ 500 እዩ ነይሩ።

ሕጂ፡ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ክሳብ 30 ሽሕ ዝኣኽሉ ተመሃሮ የአንግድ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓሙሽተ ዓውደ ትምህርቲ ጥራይ ዝነበረ፡ ሎሚ 230 በጺሑ።

በዓል ኣምባሳደር ተፈራ ዝርከብዎም፡ 500 ዝተመዝገቡ ተመሃሮ፣ ኣብ መወዳእታ ግን 230 እዮም ተመሪቘም።

ሽዑ ምረቓ ቀሊል ኣይነበረን

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ዩኒቨርሲትን መንግስተ ሰማይን ሓደ እዮም ነይሮም።

ብኣፍደገ ኮሌጅ ምሕላፍ ንባዕሉ፡ 'ገመል ብዓይኒ መርፍእ' ዝበሃለሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዘመን ካብ ዝነበሩ 500፡  እቶም 250 ጥራይ እዮም ተመሪቘም።

ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ድማ፡ ልክዕ ክምረቑ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ኮ/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣሰናኺልዎም።

“...ንዒቘምና፡ ደፊሮምና እዮም። እመኑ ኣይትእመኑ ብደውና ሞይትና ኢና። ...ክትወፍሩ ዲኹም ወይስ..." ኢሉ ናብ [ወተሃደራዊ መሰልጠኒ] ብላቴ ኣእትይዎም።

ፕረዚደንት ነበር መንግስቱ ግን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረበ፡  ብኬንያ ኣቢሉ ናብ ዚምባብወ ሃደመ።

እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተቛሪጹ፤ ደሓር ግን ብገለ መገዲ ኣብ ነሓሰ 1984 ተመሪቘም።

[ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቘጻጸረ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለት እዩ]።

ስለዚ ድማ እዮም፡ እዞም ተመሃሮ ነቲ ወለደኦም 'ብላቴ ባች' ኢሎም ዝጽውዕዎ።

ብርግጽ 'ጆርጅ ኦርወል ባች' ኢና ኢሎም ምስ ነብሶም ዝዋዘዩ’ውን ኣለዉ።

ማንቼ-ኣርሴ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ትምህርቲ

ዶ/ር ኣስናቀ ፍቅሬ፡ ሕጂ ኣብ ‘ሳይንስ ኣትክልቲ’ ላዕለዋይ ተመራማሪ እዩ።

ግዜ ምሕላፉ ኣይቀየሮን። ዋዛኡ ሎሚ እውን ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

'ሽዑ እዋን ኮሌጅ፡ ብዘይ ፕረምየር ሊግ ከመይ ጌርካ ይከኣል ነይሩ?”ሓቲትናዮ።

 ‘እቲ እንኮ መዘናግዒና ቀዳም ምሸት ሰዓት 4፡00፡ ‘ህብረ-ትርኢት’ [ዝበሃል መደብ ቲቪ’ ነይሩ” ይብል።

ካልእከ እንታይ ነይሩ?

“ዓርቢ ዓርቢ ካልእ ናይ ህንዲ ፊልም ንርኢ ነይርና። ድሕሪ ድራር ሰዓት 11፡30 ይጅምር።

“ማዘር ኢንዲያ እትበሃል ፊልም ደጋጊምና ርኢናያ ኢና።"

‘ሓቂ ድዩ ጸባ ብቦምባ ማይ ይቐርበልኩም ነይሩ?’

"እቲ ነገር ሽዑ እውን ይዝረበሉ ነይሩ። ምናልባት እቶም ቅድመና ዝነበሩ ቀሪብሎም ይኸውን።”

'ንዓኻ’ኸ?'

 “ብቡምባ እኳ እንተዘይኰነ፡ ዝፈልሐ ጸባ ብኩባያ ይወሃበና ነይሩ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ።”

'ንሕና ጥራሕ ዘይኮንና ኣለማያ’ውን ተመሊጡ'

እዞም ነባር ተመሃሮ ድሕሪ 30 ዓመታት ተራኺቦም።

ቀደም ንኣሽቱ እዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ዓበይቲ እዮም። ቀደም ሓፋራት እዮም ነይሮም።

ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን ግን ተመሊጦም - በሪሖም።

እቲ ዝፈትውዎ ቀላይ'ውን ተመሊጡ እዩ ጸኒሕዎም።

ሎሚ፡ እቲ ጐራዙ ዓዲሞም ዝዘናግዑሉን ዝናፈሱሉን ዝነበረ ቀላይ፡ ዳርጋ የለን።

“ርግጽ ሕጂ ዝሓሸ ኰይኑ ኣሎ። ካብቲ 18 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 40 ሚእታዊ ተረኺቡ'ሎ" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ ከ መን እዩ?

ንሱ ሓደ ካብ 'ብላቴ ባች' እዩ። ምስ ተመረቐ ግን ኣብኡ'ዩ ተሪፉ።

ንውሓት 30 ዓመት ግዜ፡  ምዕቃን ዝከኣል ኣይኰነን።

እቲ ዝተማህሩሉ ‘ኣለማያ’ ንባዕሉ፡ ሓረማያ ዝብል ካልእ ስያመ ተዋሂብዎ እዩ።

ኣብ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ጀማሪ ምሩቕ፡ ናብ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ደይቡ።

ኣብቲ ዝተማህረሉ ኮሌጅ ሎሚ ምክትል ፕረዚደንት ጉዳያት ምርምር ኰይኑ ኣሎ።

ወሊዱ ዘሚዱ እዩ።

ጓሉ፡ ድሮ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይና፤ ሕጂ ድማ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ሆላንድ ከይዳ ኣላ።

'ሰብ እውን ጠፊኡ እዩ'

እቲ ቀላይ ምጽእ ክይድ እዩ ዝብል። ሰብ ግን እንተኸይዱ ንሓዋሩ እዩ።

ቀላይ ኣለማያ ነቒጹ ዳርጋ ግራት ኰይኑ ነይሩ።

እቲ ዘገርም ግን እዚ ከም ዝኸውን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተገሚቱ ምንባሩ እዩ።

'...እቲ ቀላይ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ክጠፍእ ምዃኑ ተገሚቱ ከምዝነበረ ይዝከረኒ' ይብል፡ ካልእ ኣባል እቲ ባች ዶክተር ኣስናቀ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተመሃሮ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻዊ ሳይንስ ውዑያት እዮም ነይሮም።

ስለዚ ነዚ ምግማቶም ዘገርም ኣይኰነን።

እዚ ቀላይ ንብዙሓት ተመሃሮ ፍሉይ ተዘክሮታት ኣለዎ።

ኣሽንኳይዶ ተመሃሮ፡ መስራቲ ኣቦ ናይቲ ኮሌጅ ጃንሆይ'ውን ዘይርሳዕ ተዘክሮታት ኣለዎም።

ሓደ እዋን ኣብዚ ቀላይ እናሓንበሱ ካብ ምጥሓል ንስክላ ድሒኖም።

ድሕሪ’ቲ ዘሕዝን ፍጻመ እቶም ንጉስ ረጊሞምዎዶ ይዀኑ?

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ነቲ ቀላይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝድነቕ ስራሕ ሰሪሑ እዩ።

እቲ ቀላይ እውን ቀስ ብቐስ ዝሓዊ ዘሎ ይመስል።

ሓቂ እዩ፡ ቀላይ ይምለስ፣ ጸጕሪ እውን ይትከል እዩ። ሰብ ግን እንተኸይዱ ኣይምለስን እዩ።

ንኣብነት ካብቶም 250 ኰይኖም ዝተመረቑ፤ ድሕሪ 30 ዓመት ኣስታት ሚእቲ ጥራይ ተራኺቦም።

17 ሰባት ብሞት ተፈልዮምዎም ኣለው።

“ምስ ተራኸብና ንፈጣሪ ብሂወት ስለ ዝተራኸብና ኣመስጊንና፤ ነቶም ዝሞቱ ድማ ናይ 1 ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ጌርናሎም” ይብል ዶ/ር ኣስናቀ።

‘እተን ቅድሚ 30 ዓመት፡ ዝጸብሓልና ዝነበራ. . .’

ንኽልተ መዓልታት፡ ብዙሕ ተዘክሮታት እናዕለሉ ኣብቲ ቀጽሪ ተዘዋዊሮም እዮም።

ኣብ ‘ጎደና ፍቕሪ’ [love street] ብዙሕ ተዘክሮታት ኣለዎም።

ቅድሚ 30 ዓመት ዝደቀሱሉ መሕደሪኦም[ዶርም] እትዮም ርእዮሞ።

ደጊም ከይፈላለዩ ቃል ኣትዮም። ቅድሚ ምፍልላዮም ግን እንግዶት ድራር ገይሮም።

ኣብ መንጐኡ፡ ሓደ ዝተቐደሰ ሓሳብ ብልጭ ኢሉዎም።

ነተን 'ዘር ፎር' ዝጸብሓሎም ዝነበረ ኣደ ክእልሹ ወጹ።

‘ማዘር’ እናበሉ እዮም ዝጽውዑወን። ኣሪገን፡ ጡረታ ወጺአን ኣብቲ ከባቢ ረኺቦመን። እማማ ቀለሟ ይበሃላ።

ንዐአን፡ ናይ ክብሪ ጋይሻ ገይሮምወን።

ነተን ቀደም ዘተኣናግዳኦም ዝነበራ ‘ማዘር’ ሕጂ ድማ ብጊደኦም፡ በብተራ ጸቢሑ ጨሊፎም ኣተኣናጊዶምወን።

ማዘር፡ ብታሕጓስ ስምዒተን ከምዝተተንከፈ ተዛሪበን።  ‘እዚ ንዓይ ከም ዳግማይ ልደት እዩ’ ኢለን።

ዶክተር ኣስናቀ፡ ነተን ኣደ ክዝክር ከሎ ጽቡቕ እዩ ዝሰመዖ።

‘ቅንዕ ኢለን ኣይርእያናን ነይረን። ኣቓልቦአን ኣብ ድስቲን ጭልፋን እዩ ነይሩ። ሚዛን ናይቲ ድስቲ ይዕቅናኦ። ልዕል ኢለን ዘይሪኣና፡ ከየዳልዋ ምእንቲ እዩ።”

ካልእ ዶክተር'ውን ምስክርነት ሂቡ፣ “ብፍላይ 'ዘር ፎር' ክጸብሓልና ከለዋ ፍትሓዊት ነይረን” ይብል።

‘ዘር-ፎር’ ካብ ሜታፊዚካዊ ኣቀማምጣ ሰለስተ ነጥብታት ዝመጸ ዀይኑ፡ ቁንጣር ስጋ ድርብይ ንዝበሎ ጸብሒ ንምግላጽ እዩ።

ትራፊክ ጐረሮ

'ቲከር' ዝበሃል ትራፊክ ድማ ነይሩ።

'ቲከር' ማለት ኣብቲ ኣዳራሽ መግቢ መዝገብ ሒዙ ደው ዝብል ተቘጻጻሪ እዩ።

መመገቢ ካርድ ተመሃሮ ምልክት ይገብር።

ሓደ ተመሃራይ ኣትዩ ምስ በልዐ፡ ነታ ካርድ 'ቲክ' [ምልክት] ይገብረላ።

ብሓጺሩ፡ ትራፊክ ምግቢ ክትብሎ ይከኣል።

ሓደ ተመሃራይ ኣደናጊሩ መግቢ ክደግም ምስ ዝመጽእ ብጐሮሮኡ ሓኒቑ የውጽኦ።

ዶክተር ኣስናቀ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣደናጊሮም፡ ተመሊሶም ካፈ ይኣትዉ ምንባሮም ይዝክር።

ዶክተር ኣስናቀ ብነዊሕ ሰሓቕ ተሰንዩ፡ "ነታ ምልክት ዝተገበረት፡ ብመላጸ እናሓኸኽኩ ደጋጊመ ንኽበልዕ ዕዉት ፈተነታት ገይረ ኣለኹ፡" ይብል።

እዚ 'ቲከር' ዝነበረ፡ ኣማረ ጌታቸው ይበሃል። ንዕኡ’ውን ደልዮም ረኺቦምዎ።

'ቲከር ኣማረ'፡ ሎሚ  'ኣቶ ኣማረ' ኰይኖም ኣለዉ። ንሶም'ውን ምስ ‘ማዘር’ ናይ ክብሪ ጋሻ ኰይኖም።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ድራር እናበልዑ፡ ኣቶ ኣማረ፡ ነታ ጽብቕቲ ዝኽሪ ንምዝካር መሊሶም ምልክት እናገበሩ ኣእተውዎም።

ድሕሪ 30 ዓመት ድማ ካልእ ሰሓቕ ተፈጥረ።

ድሕሪ 30 ዓመት እውን እንተዀነ ናብ ኣቶ ኣማረ፡ ደጊሞም ዝኸዱ ዶክተራት/ፕሮፌሰራት የለዉን ምባል ኣጸጋሚ እዩ።

ጽቡቕ መዘከርታ 'ሽልማት' ተዋሂብዎም። ኣዝዮም ተሓጒሶም።

“ደቀይ ድሕሪ 30 ዓመት ስለ ዝዘከርኩምኒ የቐንየለይ” ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እንታይ ተበሃሂሎም?

ኣለማያ ናይ ሕጂ ሃረማያ፡ ነባር ዝበሃል ዩኒቨርስቲ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኮሌጅ ሃይለስላሰ’ ጥራሕ እዩ ዝቕድሞ።

ኣቶ ፍሬዘር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ነባራት ተመሃሮ እዩ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ዛጊት፡ ብድምር 117 ሽሕ ተመሃሮ ከምዘመረቐ ይዛረብ።

‘ቻይና ባች’ ‘ወይራ ባች’ ዝበሃሉ ካልኦት ነባራት ባቻት፡ ከምዚ ምትእኽኻብ ምግባሮም ይዝክር።

ምናልባትን 'ብላቴ ባች’ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዲፓርትመንት ዘይኮነስ ብምሉእ ባች ዝተወደበ ምዃኑ እዩ።

ንዶክተር ኣስናቀን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይን "30 ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ ድዩ?" ኢልና ሓቲትናዮም።

ብኸመይ ከ ተፈላሊኹም? ኢልናዮም።

ነቲ ዝሓለፈ ዘመን ብምግምጋም ከም ዝተፈላለዩ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዝተመረቝሉ ግዜ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ኲናት ይካየድ ነይሩ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ፡ ሽዑ መንእሰይ ኰይኑ፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ እንከሎ ተዅሲ ተኸፊቱ፡ ቬትሮ ሑጻ ክኸውን ይዝክር።

ሽዑ ኲናት ነይሩ፤ ሕጂ እውን ኲናት ኣሎ።

ካልእ ከ እንታይ?

ተመሃሮ እንከለና ሓያል ጥሜት ነይሩ። ሕጂ'ውን ጥሜት ኣሎ። “ሰለምንታይ?” ክንበል ኣዕሊልና።

ዶ/ር ኣስናቀ ከምዚ ይብል፣ “ኮርያ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት፡ ብሕርሻ ካብ ተጸባይነት ናብ ረዳእነት ተሰጋጊራ ኣላ። 'ንሕናኸ፡ ስለምንታይ ኢና እዚ ክንገብር ዘይንኽእል' ኢልና ቆዚምና።”

‘ብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣልዒልና ተፈላሊና’- ይብል።

ድሕሪ 30 ዓመት ዳግማይ ምስ ዝራኸቡ፡ እዚ ሕቶ መልሲ ይረክብ’ዶ ይኸውን?

እንድዒ።