ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢይ ሻቕሎት ይከታተሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ኣጥቢቑ ጸዊዑ።

እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስተአን ሃገራት ነቲ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድን ዞባዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርጋእ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዝዀነ ዓይነት ተግባራት ወይ መግለጺታት ካብ ምሃብ ክቝጠባ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መንጎአን ዘሎ መስመራት ርክብ ቀጻሊ ኰይኑ ክጸንሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመረ እቲ ኮምሽን፡ እተን ሃገራት ንፍልልያተን ብመሰረት መትከላት መስራቲ ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዝተለምዱ ዲፕሎማስያዊ መስመራትን ሰላማዊ ዘተን ክፍትሓኦ ተማሕጺኑ።

እዚ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣስመራን ካይሮን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ውጥረት ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት - እንተላይ ፈጻሚ ጉዳያትን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታትን - ከምኡ'ውን ሓደ ግብጻዊ ዲፕሎማት "ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብ" (persona non grata) ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዙ።

እቲ ምኒስትሪ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኡ ክዓጹ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፡ "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቪየና ብምጥሓስ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም፡" ክወጽኡ ከም ዝተወሰነ'ውን እቲ ምኒስትሪ ገሊጹ ነይሩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ፡ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳነ "ዘሕዝን ተጻባኢ ተግባር" ክብል ብምዅናን፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ብምውሳድ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ምብታኽ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ኣዊጁ።

እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነዚ "ዘይምኽኑይ ተጻባኢ ተግባር" ቅኑዕ ንምምሳል ንኤርትራ ብምትእትታውን ተጻብኦን ንምኽሳስ ዘይፈንቀለቶ እምኒ ከም ዘየሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ክሲ "መስደመም ስልበጣ" ምዃኑ ነጺጉዎ።

ብኣንጻሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት "ልዑላዊ መስኮት ባሕሪ ንምርግጋጽ" ብዝብል ምስምስ፡ ንልዑላዊ ወደባትን ገማግም ባሕርን ኤርትራ ንምውራር ቅሉዕ ጐስጓስ ኲናትከካይድ ምጽናሑ ኣስመራ ከሲሳ።

ብተወሳኺ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ንዕጡቓት ጕጅለታት ተቓወምቲ ከተአንግድን ከተዕጥቕን ከም ዝጸንሐት ብምሕባር፡ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ነቲ ሓደገኛ ኵነት ንምዕጋት ብተስፋ ነብሰ-ግትኣት መሪጻ ከም ዝጸንሐት ኣረዲኣ።

ጋዜጣ 'ኣህራም ኦንላይን' ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝዘርገሖ፡ ግብጺ ብወገና ነቲ ዲፕሎማሰኛኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምስጓግ ስጕምቲ "ዘሕዝንን ዘይምኽኑይን" ብምባል ነጺጋቶ ኣላ።

ካይሮ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግብጺ ንዝርከብ ኣማኻሪ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ።

እቲ ምንጪ ንጋዜጣ 'ኣህራም ኦንላይን' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግብጺ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ናይ ዘይምእታው ፖሊሲ ከም እትኽተል ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘጋጥማ ዘሎ ተኸታታሊ ውድቀታትን ቅልውላዋትን ኣብ ናይ ደገ ምትእትታው ናይ ምልጋብን ኣቓልቦ ናይ ምጥምዛዝን ልምዲ ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ዝስዕብ ዘሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መዳውብቲ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ውግእ ኣብ ዝተወለዓሉን ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ዝብል ክስታት ኣብ ዝቐረበሉን ዘሎ እዋን እዩ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ እዚ ክሲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋታ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ እትፈጥሮ ምስምስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብ 2018 ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ዝነበረ ዝምድና ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ድሕሪ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፕሪቶርያ (2022) መሊሱ እናሓርፈፈ ዝመጽአ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ስጕምቲታት ነቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ደማዊ ዶባዊ ኲናት ስዒቡ ዝተራእየ ናይ ዲፕሎማሰኛታት ምብራር ዘዘኻኽር እዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ምብቃዑ ስዒቡ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን፡ ነቲ ዞባዊ ቅልውላው ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ኣእትይዎ ይርከብ።

ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስተን ዝምልከተን ሃገራት ብምምኽኻር፡ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ናብ ናይ ዘተ ጐደና ንምምላስን ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘድሊ ደገፍ ንምሃብ ድሉው ምህላዉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ ኣሎ።