እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ክኸዳ ዘፍቀደት ዓዲ
ኣብ ስጳኛ ትርከብ ሓውሲ ሓራ ዝዀነት ዞባ ካታሎንያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መሐንበሲታትን መዛነዪ ማእከላትን ካብ መዓንጣአን ንላዕሊ ዕርቓነን ክንቀሳቐሳ ክፍቀድ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ካታሎንያ ይጽንብሉ ኣለዉ።
ደቂ ኣንስትዯ ልዕሊ-ሽምጢ ጥራሕ ዝባነን ክኸዳ፡ ብመሰረት ‘ሕጊ ማዕርነት ካታሎንያ 2020’ ተሰኒዱ ይርከብ።
ይዅን እምበር፡ ገለ መዛነዪ ማእከላት፡ ኣብ መሐንበሲታት፡ ዋላ እቲ ሕጊ ካብ ዝጸደቐሉ ጀሚሩ፡ ነቲ ተግባር ከልኪሎምዎ ብምጽንሖም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓጋይ ጥርዓናት ይውሕዙ ነይሮም።
ሕጂ ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ዝዀነ ዓይነት ኣድልዎ ከይፍጽሙን ዝዀነ ክልከላ ከይፍጸምን ከረጋግጹ ተነጊርዎም ኣሎ።
ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ-ሽምጢ ጥራሕ ዝባነን ከይከዳ ምኽልካል፡ "ንገለ ክፋል ህዝቢ ዘግልልን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ኣካላቱ ዝምልከት ናጻ ምርጫ ከይህልዎ ዘገድድን'ዩ" ክብል ክፍሊ ማዕርነትን ፈሚኒዝምን መንግስቲ ካታሎንያ ብደብዳበ ሓቢሩወን።
እቲ ሰነድ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ "ብዝኾነ ድራኸ... ጾታ፡ ሃይማኖታዊ እምነት ወይ ኣከዳድናን ካልእን ኣድልዎ ክከላኸሉ" ከምዘለዎም ይገልጽ።
ብተወሳኺ ምጥባው ጡብ ኣደ ክፍቀድ ከምዘለዎን፡ ከምኡ'ውን ምሉእ ኣካላት ዝሕጸበሉ ክዳን ምጥቃምን፡ እዚ ድማ ንኣስላም "ቡርኪኒ" ዘጠቓልል ምዃኑን ኣቐሚጡ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ማዕርነት ካታሎንያ፡ ንማዕከናት ዜና ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ደብዳበ "መዘኻኸሪ" ጥራይ'ዩ ዝበለ ዀይኑ፡ ምምሕዳር ከተማታት ግን ከፈጽማኦ ግዴታ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ናጽነት ዝድግፍ፡ ካታሎንያዊ ሪፓብሊካ ጸጋም (ERC) ዝምራሕ ዞባዊ መንግስቲ፡ ዝዀነ ኣካል እቲ ከተማ ነቲ ስርዓት ጥሒሱ እንተተረኺቡ ክሳብ 500 ሽሕ ዩሮ (430 ሽሕ ፓውንድ) ክቐጽዕ ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ልዕሊ ኣዳራሻት ከተማታት ዝቐረቡ ጥርዓናት፡ ልዕሊ-ሽምጢ ጥርሐን ዘይፍቀደለን፡ ኣባላት ናይቲ ሙገሮንስ ሊዩረስ [Mugrons Lliures -Free Nipples) ዝበሃል 'ፈሚኒስት' ጕጅለ እዮም።
ወሃቢት ቃል እቲ ጕጅለ ማሪዮና ትራባል፡ "እዚ ጉዳይ ጾታዊ ማዕርነት'ዩ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣይክእላን'የን፡ ንምንታይ?" ኢላ።
ንሳ ነቲ ደብዳበ ብዝምልከት፡ "ንምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ከም ዝወሰደሎም ኣይንፈልጥን ኢና፡ ሕጂ ግን ኣዚና ሕጕሳት ኢና" ኢላ።
እቲ ልዕሊ-ሽምጢ ዘይምኽዳን ዝብል ጉዳይ ካብ መሐንበሲታት ስጳኛ ርሒቑ እውን መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ብቐዳም፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሙርስያ ዝተኻየደ መደብ 'ፕራይድ'፡ ድምጻዊት ሮሲዮ ሳይዝ፡ ልዕሊ-ሽምጢ ከይተኸድነት ናብ መድረኽ ምስ ወጸት፡ ኣዳለውቲ ገለ ኣካላታ ብባንዴራ ኤልጂቢቲኪዩ ሸፊኖምዎ።
ድሕሪ እቲ ምርኢት ድማ ብፖሊስ እቲ ከባቢ ከምዝተሓተተት ገሊጻ።