ትረፊ ዝበላ ነብሲ! ብጎማ እናተንሳፈፈት ድሕሪ 3 መዓልታት ዝተረኸበት ጓል 11 ዓመት ስደተኛ

ካብ ባሕሪ ዝደሓነት ቆልዓ ምስ ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ

ምንጪ ስእሊ, Compass Collective

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጓል 11 ዓመት ቆልዓ፡ ኣብቲ ብማዕበል ዝናወጽ ማእከላይ ባሕሪ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ካላማድርያ [ኣየር ዝመልእ ውሽጣዊ ክፋል ጎማ መኪና) ተሓጊዛ እናተንሳፈፈት ድሕሪ ምጽናሕ ብህይወት ተረኺባ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ዘይመንግስታዊ ትካል 'ኮምፓስ ኮሌክቲቭ' ናብ ካልእ ህጹጽ ኩነታት እናተጓዕዙ እንከለዉ ጻውዒት ሓገዝ ብምስምዖም ነታ ቆልዓ ከምዝረኸብዋ ተገሊጹ።

እታ ካብ ሴራሊዮን ከምዝኾነት ዝተገለጸት ስማ ዘይተጠቕሰ ስደተኛ ቆልዓ፡ ምስ ካልኦት 44 ሰባት ካብ ስፋክስ - ቱኒዝያ ከምዝተበገሰት ሓቢራቶም። ጃልባኦም ስለ ዝጠሓለት ካልኦት ኩሎም ስደተኛታት ከም ዝሞቱ'ዩ ይግመት።

ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዘካይድዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ በቢዓመቱ ብዙሓት ሰባት ይሞቱ።

ወሃቢት ቃል ትካል 'ኮምፓስ ኮሌክቲቭ' - ካትጃ ቴምፐል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ትማሊ ረቡዕ ብመርከቦም እናተጓዓዙ ከለዉ ነታ ሴራሊዮንያዊት ስደተኛ ከምዝረኸብዋ ሓቢራ።

ኣብቲ ብማዕበል ዝናወጽ ባሕሪ፡ ፎኲስ ኣንሳፋፊ ጃኬት ተኸዲና ኣብ ክልተ ናይ ጎማ ውሽጣዊ ሻምብቆታት (ካላማደርያ) ተንሳፊፋ ረኺቦማ።

እታ ቆልዓ ከምዝነገረቶም፡ 3.5 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ብማዕበል ዝተሰነየ ሓያል ህቦብላ ምስ ኣጋጠመ ጀልብኦም ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ጥሒላ።

ሽዑ ንሳን ካልኦት ክልተ ሰባትን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ማይ ብሓባር ክንሳፈፉ ከምዝጸንሑን ድሕሪኡ ግን ከምዝተጠፋፍኡን ኣረዲኣቶም።

ካላማደርያ

ምንጪ ስእሊ, Compass Collective

እቶም ኣባላት ምድሓን ህይወት ነታ ቆልዓ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ንዝርከቡ ሰበስልጣን ኢጣልያ ዘረከብዋ ኰይኖም፡ ሽዑ ኣብኡ ብእግሪ ክትንቀሳቐስን ክትዛረብን ክኢላ።

ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ቅድሚ 10 ዓመት ኣሃዛት ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር ንደሓር 30,955 ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ እናሰገሩ ከምዝሞቱ ወይ ድማ ደሃዮም ከምዘይጠፍኡ ይገልጽ።

ጣልያን ነቲ ጾር ተሰኪማቶ ምህላዋ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 63 ሽሕ ባማእከላይ ባሕሪ ዝሰገሩ ስደተኛታት ከምዝተቐበለት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።