ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ንመርዓት ዝኣሰሩ ኣባላት ፖሊስ ተኸሲሶም

ፖሊስ ዩጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፖሊስ ዩጋንዳ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተኻየደ ጽንብል መርዓ ዘተኣጓጎሉን ነታ መርዓት ብስርቂ ከሲሶም ኣብ ቀይዲ ዘእተዉን ኣርባዕተ ኣባላቱ ከሲሱ።

እዞም ብዘይቅቡል ጠባይ ተኸሲሶም ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ እንተተፈሪድዎም ካብቲ ሓይሊ ክባረሩ ከምዝኽእሉ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፍረድ ኤናንጋ ኣፍሊጡ።

እታ መርዓት፡ ቐዳም ምሸት ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ድሕሪ ምእሳራ፡ ኣብ ምዕራብ ዩጋንዳ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ምባራራ ተወሲዳ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንሓደ ለይቲ ተኣሲራ ምስ ሓደረት ድማ ብሰንበት ተፈቲሓ።

ፖሊስ፡ እቲ ማእሰርቲ "ክንቀፍ ዝግብኦን ኣብ ድኹም ገምጋም ዝተመርኮሰን" ምንባሩ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፍረድ ኤናንጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኣብ ህይወታ ዘሕጉስ ኮይኑ ክሓልፍ ዝግበኦ ዝነበረ መዓልቲ ብኸምዚ ከቢድ ኩነታት ሓሊፉ’ሎ" ኢሉ።

ኣብቲ ማእሰርቲ ዝተሳተፈ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ተሓቢኦም ከምዘለዉ እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እታ መርዓት ዝቐረበ ክሲ ስርቂ፡ ወኪል ባንክ ኮይና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ኣስራሒኣ ካብ ዝነበረ ኣካል ዝመጸ ጥርዓን እዩ።

እቶም ወገናት [ከሳስን ተኸሳሲትን] ሲቪላዊ ፍታሕ ክደልዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምኽሪ ከምዝተወሃቦም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፍረድ ኤናንጋ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ መኮንናትን እቲ ኣብ ልዕሊ መርዓት ጥርዓን ኣቕሪቡ ዝነበረ ኣካልን ክህሉ ንዝኽእል ምትሕብባር ይምርምር ከምዘሎ ተገሊፁ’ሎ።