ሓደ ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዓሪፉ

Published

ሓደ ካብ ገዳይምን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝዀነ ተጋዳላይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ብ30 ጥሪ 2014 ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ከም ዝዓረፈ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ኣሕመድ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ናይ ካብ 2002 ንድሓር ፈሪሱ ዝርከብ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዝነበረ እዩ።

ባዱሪ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ካብኡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዓበይቲ ሓላፍነታት ዘገልገለን ክሳብ ኣባል ማእከላይ ሽማገለ ዝበጽሐን እዩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ናይቲ ኣብ 1971 ኣብ ገደም ከም ዝተመስረተ ዝንገር ምስጢራዊ ዴሳዊ ሰልፊ ናይቲ ውድብ ምዃኑ እውን ይፍለጥ።

ቅድሚ ናጽነት'ውን፡ ወኪል ህዝባዊ ግንባር ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ናይቲ ውድብ ኣብ ምሕያል ሰሪሑ'ዩ።

ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ኢንቨስትመንት እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

ኣሕመድ ባዱሪ፡ ብ1946 ኣብ ሕርጊጐ ዝተወልደ ኰይኑ፡ ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ተማሂሩ። ካብኡ ብንእስነቱ ንሱዳን፡ ንግብጽን ሶርያን ከይዱ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ይነጣጠፍ ከም ዝነበረ፡ ኣብቲ ንጕዕዞ ህይወቱ ዝገልጽ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።

ኣብ ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ስሳታት ኣብ ሶርያ ሕክምና የጽንዓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ምሉእ ቀልቡ ናብ ሰውራ ኤርትራ ስለ ዘንቀደ ብ 1969 ትምህርቱ ራሕሪሑ ንሜዳ ወረደ።

ስነስርዓት ቀብሩ ሓሙስ 1 ለካቲት 2013 ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ብወግዒ ተፈጺሙ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ቀዋሚ ወኪል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ፡ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ግን ንነዊሕ ዓመታት ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ተኣልዩ ‘ደስኪሉ’ ጸኒሑ።

ብሞት መጋድልቱ ዝተሰምዖ ሓዘን፡ ኣብ ፈይስቡክ ሕሳቡ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ “[ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ] ከም ብዙሓት ካልኦት ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ግዳይ ናይቲ እኩይ ኤርትራዊ ስግንጢር ኰይኑ፡ ጻማ’ቲ ዕዙዝ ኣበርክቶኡ ንናጽነትን ልምዓትን ሃገር፡ ንዕስራታት ዓመታት ካብ ንጡፍ ስራሕ ተኣጊዱ ደስኪሉ ጸኒሑ፡” ክብል ኣስፊሩ’ሎ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣተሓሒዙ፡ “ እታ ዚብህጋን ክዉንቲ ንምግባራ ዓቢ መስዋእቲ ዚኸፈለላን ሓራ፡ ፍትሓዊት፡ ምዕብልቲ፡ ራህዋ ዚሰፈና ኤርትራ ከይረኣየ ይሓልፍ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሐዝን ተርእዮ ናይ ዘመናዊ ታሪኽና ኰይኑ ኣሎ፡” ብምባል ብኣስተንትኖ ሓዘኑ ገሊጹ።

ተጋዳላይ ኣሕመድ ባዱሪ፡ ሓደ ካብ ውሑዳት፡ ንሰውራ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ መጽሓፍ ተመኵሮኦም ኣብ ገድሊ ዝሰነዱ ተጋደልቲ ኤርትራ እዩ። መጽሓፉ፡ ኣቐዲማ ኣብ 2014 ብዓረብኛ ዝተጻሕፈት ኰይና፡ ብትግርኛ ተተርጒማ ድማ፡ ‘ኤርትራ - ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2018 ተሓቲማ።

ባዱሪ፡ ካብ ንእስነቱ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ኤርትራን ድሕሪ ናጽነትን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ንኡድ ኰይኑ፡ ብፍላይ በቲ ብዙሕ ዘይተጻሕፈሉ ሰውራ ኤርትራ፡ ብናቱ ተመኵሮን ኣጠማምታት፡ ብዙሕ ፍጻመታትን ታሪኻዊ ኵነታትን ወሰንቲ ምዕራፋት ገድሊን ዘስፈረ ዓቢይ መጽሓፍ ምሕዳጉ፡ ካብ ብዙሓት ፍሉይ መጐስ ረኺቡ እዩ።