እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ጋምቢያ ናብ እንግሊዝ ኣብ ዝበረረት ነፋሪት ሬሳ ዝተሓብአ ሰብ ተረኺቡ
ኣብ እንግሊዝ መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጐማ ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ታሕተዋይ ክፋል ነፋሪት፡ ሬሳ ሓደ ሰብኣይ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ሬሳ ንምጽራይ መርመራ የካይድ ኣሎ ተባሂሉ።
እታ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ጋምብያ ባንጁል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምዕራብ ሳሴክስ እያ ተጓዒዛ።
እቲ ሬሳ ብ7 ታሕሳስ 2022፡ ኣብቲ ጐማ ነፋሪት ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ታሕተዋይ ክፋል ነፋሪት ከምዝተረኸበ ፖሊስ ሳሴክስ ኣፍሊጡ’ሎ።
ወሃቢ ቃል መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ "እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዜና'ዩ፡ ንስድራቤትን ፈተውትን መዋቲ ድማ ሓዘንና ንገልፅ" ኢሉ።
"ብ7 ታሕሳስ ካብ ጋምብያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ጋትዊክ እትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሬሳ ድሕሪ ምርካቡ ምስ ሰብመዚ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ነረጋግጽ” ክብል እውን ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ሳሴክስ ብወገኑ "ኣባላት ፖሊስ ምርመራ የካይዱ ኣለዉ፡ ንኤችኤም ኮሮነር [ንዘይሻራዊ ፍርዳዊ ኣካል] ጸብጻብ ከዳልው'ዮም" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጋምብያ፡ መዋቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ጸሊም ሰብኣይ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ካብ ጋምብያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር 4,444 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጕዕዞ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጥታዊ በረራ ኣስታት ሽዱሽተ ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ።
ናብ እንግሊዝ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ነፋሪት ተሓቢኦም ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት ሞይቶም ዝተረኽቡሎም ክስተታት ብዙሓት እዮም።
ኣብ 2001 ሬሳ ፓኪስታናዊ ወዲ 21 ዓመት መሓመድ ኣያዝ ኣብ ሪችሞንድ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ተረኺቡ።
ኣብ 2007 ኣብ ጐማ ሓንቲ ሎስ ኣንጀለስ ዝዓለበት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ተረኺቡ።
ኣብ ነሓሰ 2012 ካብ ኬፕታውን ተበጊሳ ኣብ እንግሊዝ መዕርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ኣብ ዝዓለበት ነፋሪት ሬሳ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ሳንዱቕ ጐማ ከምዝተረኸበ ይዝከር።
እዚ ዘሕዝን ክስተት ካብ ዘጋጥም ድሕሪ ወርሒ ድማ፡ ሞዛምቢካዊ ወዲ 26 ዓመት ጆሴ ኣብ ምዕራብ ለንደን ሞርትሌክ ኣብ ዝርከብ ጐደና ካብ ነፋሪት ወዲቝ ተረኺቡ።
ካብ ኣንጎላ ተበጊሳ ትጓዓዝ ካብ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቝ ከቢድ መጕዳእቲ ስለዘጋጠሞ እዩ ሞይቱ።