እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንታታት ጥምየት፣ ፍርሕን ስቓይን ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተፈትሑ እስራኤላውያን
ኣብ “ዝተጨናነቐን” ኣየር ዘይብሉን ክፍሊ ከም መደቀሲ ዘገልግላ ውሑዳት ተገዳሚ መናብር፤ ቁሩብ ምግቢ ወይ ገሲም፤ ጅሆ ዝተትሓዘ ህጻን ናይቲ ብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቪድዮ ክርእይ ብሓማስ ምግዳዱ . . .
መብዛሕትኡ ብስድራቤቶም ኣቢሉ ዝስማዕ ዛንታታት ናይቶም ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተፈትሑ ሰባት፡ ሰሙናት ኣብ ዝጨነወ ከባቢ፣ ብፍርሕን ስግኣትን ከምዘሕለፉ የረድኡ።
ተጨውያ ዝጸንሐት ጓል 78 ዓመት እስራኤላዊት ሩቲ ሙንደር፡ እቶም ሓለውቲ ካብ ዝጥቀሙላ ራድዮ ወዳ ኣብ እስራኤል ከምዝተቐተለ ምስማዓ ገሊጻ።
ዲቦራህ ኮሀን ድማ ወዲ 12 ዓመት ወዲ ሓፍታ፡ ናይቲ ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ቪድዮ ክርእይ ከምዝተገበረ ተዛሪባ።
ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝተወሰዱ ኣስታት 240 ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 60 ኣብ መንጎ እስራኤል ሓማስን ብዝተበጽሐ ውዕል ተፈቲሖም ኣለዉ።
ውሑዳት ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ ከቢድ እዋን ብቐጥታ ተዛሪቦም ኣለዉ፤ ንሳቶም ኮነ እቶም ብመንገዲ ስደረኦም ዛንታታቶም ዘካፈሉ፡ እቲ ጭውያ ከቢድ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን በሰላ ከምዝገደፈሎም ይዛረቡ።
ዲቦራ ቢኤፍኤም ምስ ዝተባህለ ቴሌቪዥን ፈረንሳ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ ወዲ 12 ዓመት ኢታን ያሃሎሚ ጅሆ ተታሂዙ ኣብ ዘሕለፎም 12 መዓልቲታት ዘሕለፎ ስቓይ ገሊጻ።
“ኣብ ቓዛ ምስበጽሐ፡ ኩሎም እቶም ነበርቲ፡ ኩሎም፡ ዘቢጦምዎ። ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ እዩ” ብምባል ዝኾነ ዝበኸየ ቆልዓ “ ብጠበንጃ የፈራርሕዎ” ነይሮም ኢላ።
ኢታን ናይቲ ብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ሓማስ ዘፍርሕ ቪድዮታት ክርእይ ከምዘገደድዎ” ምዝራቡ እውን ገሊጻ።
“ትማሊ (ኢታን ምስተፈትሐ) ተሓጒስና ኔርና” ክትብል ንቢኤፍኤምቲቪ ዝገለጸት ዲቦራ ኮሀን “ነዚ ምስፈለጥኩ ግን ይጭነቕ። ክትግምቶ ኣይትኽእልን። መን ከምዚ ክገብር ከምዝኽእል ኣይፈልጥን። “
“ኢታን ብጽቡቕ ሒዞምዎ ነይሮም ኢለ ክኣምን ይደሊ። ግን ድማ ኣይኮነን። እዞም ሰባት ኣረመኔታት እዮም።”
ኣቦ ኢታን ዝኾነ ኦሃድ ኣብ ልውውጥ ተኹሲ ከምዝቖሰለን ኣብ ገዛ ተታሒዙ ከምዘሎን ታይምስ ኦፍ እስራኤል ጸብጺባ።
ካልኦት ተጨውዮም ዝነበሩ ሰባት እውን ኣብ ዝተጨናነቐን ውሑድ ኤሌክትሪክ ዘለዎን ክፍሊታት ትሕቲ መሬትን ጎዳጉድን ተታሒዞም ከምዝነበሩ ንስድራቤቶም ገሊጾም።
ጥቡቕ ቁጽጽር ይግበረሎም ነይሩ።
ጓል 78 ዓመት ሩቲ ሙንደር፡ ምስ 54 ዓመት ዕድሚኣ ጓላ ካረንን 9 ዕድሚኡ ወዲ ጓላ ኦሃድን ብዓርቢ ተፈቲሖም።
ንሳ ፍራሽ ኣብ ዘይብሉ ተገዳሚ መንበርን ጽሩይ ኣየር ኣብ ዘይብሉ “ዝተጨናነቐ” ክፍልን ክጸንሑ ከምዘገደድዎም ትገልጽ።
ንሳ ዕድለኛ ኮይና ኣንሶላ ተዋሂብዋ እዩ፤ ካልኦት ኣናእሽቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ሓዊሱ ነዚ ዕድል ኣይረኸቡን።
“ኣንሶላ ኢና ንኽደን ኔርና። እቶም ኣወዳት ድማ ምሳና ክኾኑ ስለዝደለና ኣብ ትሕቲ እቲ መንበር ይድቅሱ” ክትብል ቻነል 13 ንዝተባህለ ማዕከን ዜና እስራኤል ተዛሪባ።
ሓማስ ስድራቤታት ተፈላልዮም ክእሰሩ ከምዝገበረ እውን እቶም ግዳያት ይገልጹ። ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ስድራቤት ኣብቲ ብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝኾኑ ኣይፈልጡን።
ስድራ ቤት ሙንደር ኣብ ዘዘርግሕዎ ቪድዮ፡ ሓደ ሰብ ወዲ 78 ዓመት ሰብኣያ ኣቭራሃም ጅሆ ተታሒዙ ከምዘሎ ክዛረብ ይስማዕ። ሩቲ ሙንደር ድማ “ስለዚ ኣይተቐተለን ማለት እዩ” ክትብል ትምልስ።
ወ/ሮ ሙንደር፡ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለወት ወዳ ሮይ ከምዝተቐተለ ብራድዮ ከምዝሰምዐት እውን ነታ ማዕከን ዜና ገሊጻ።
ኣብ መጀመርታ ደሓን ዝበሃል ምግቢ ይቐርበሎም ከምዝነበረ እትገልጽ እዛ ኣዶ፡ ጸኒሑ ግና “ቁጠባዊ ኩነታት ጽቡቕ ኣይነበረን፤ ሰባት ድማ ይጥምዩ ነይሮም” ኢላ።
ካልእ ቤተሰብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ወ/ሮ ሙንደርን ጓላን ሓድሕደን 7 ኪሎ ከምዝቐነሳ ተዛሪቡ።
ካልኦት ዝተፈትሑ ድማ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ መዓልቲታት ኣብ መዓልቲ ክልተ ምታር ምሕባሻ ጥራሕ ይወሃቡ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።
ሓደ ነባራይ ቊሸት በኢር ድማ ክልተ ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተፈትሓ ኣዋልድ ብሰንኪ ይወሃበን ዝነበረ ትእዛዝ ሕዚ እውን ብሕሹኽሹኽታ ከምዝዛረባ ገሊጹ።
ወላዲ ናይታ ብሰንበት ዝተፈተሐት ጓል 9 ዓመት ኣይሪሽ-ኣመሪካዊት ኢምሊ ሃንድ፡ ጓሉ ክሳብ እትድቅስ ከምእትበኪ ይዛረብ።
“እቲ ዘሰንብድን ዝርብሽን ነገር፡ ክንረኽባ ከለና ሕሹኽሹኽ እናበለት እያ እትዛረብ ነይራ፤ ክትሰምዓ ኣይትኽእልን። እዝነይ ናብ ከንፈራ ከጸግዖ ነይሩኒ” ኢሉ።
“ዝኾነ ድምጺ ከየስመዓ እየን ተገይረን።”
84 ዕድሚኣ ኢልማ ኣቭራሃም ብሰንበት ምስተፈተሐት፡ “ኣብ ከቢድን ንህይወት ዘስግእን” ኩነታት ስለዝነበረት ብቕልጡፍ ብሄልኮፕተር ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ።
ጓላ ታሊ ኣማኖ፡ ነታ ብብዙሕ ሕማም ዝተጠቕዐት ኣዲኣ፡ ሓማስ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝኣሰራ ተዛሪባ።
ን 50 መዓልቲታት ክትወስዶም ዝግበኣ ኣድለይቲ መድሃኒታት ከምዝተኸልከለት ብመግላጽ “ኣደይ ክትመውት ኣብ ዝቐረበትሉ ቅድሚ ሰዓታት እያ መጺኣ” ኢላ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተፈተሐት ጓል 85 ዓመት ዮቸቨድ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሲኦል በጺሓ ከምዝመጸአት ከምዝተሰመዓ ምዝራባ ይዝከር።
ኮይኑ ግና ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዝተገበረሎም እውን ገሊጻ ነይራ።